Basic

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ተዓዋቲት ዙር ሩዋንዳ 2024 ኰይና

Posted by: Semere Asmelash

Date: Sunday, 25 February 2024

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ተዓዋቲት ዙር ሩዋንዳ 2024 ኰይና

ሰንበት 25 ለካቲት 2024


ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ


ዋሽንግተን ዲሲ — 

ካብ በበይኑ ሃገራት ዝተዋጽኣ 19 ዓበይቲ ክለባትን ሃገራውያን ጋንታታትን ብሽክለታ ዝተሳተፈኦ ዙር ሩዋንዳ 2024 ሎሚ ሰንበት ብሻሙናይ መድረኽ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር ውድድር ቀዳመይቲ ብምዃን ዘውዲ’ዚ ውድድር ደፊኣ ኣላ። ዕዉት መዓልቲ እንግሊዛዊ ተሰላፊ ጋንታ እስራኤል ፕሪመር-ቴክ ጆሰፍ ብላክሞር ሻምፕዮን ውድድር ዙር ሩዋንዳ 2024 ኰይኑ ኣሎ። ብላክሞር ወዲ 21 ዓመት’ዩ።

ኣብ ዙር ሩዋንዳ 2024 ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ቀዳመይቲ ብምዃን ዛዚማ ኣላ። ምስ ጋንታ ባይክ ኤይድ ዝስለፍ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ተባሂሉ ክሽለም እንከሎ፡ ወዲ-19 ዓመት ንጋንታ ኤርትራ ዝተሰለፈ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ድማ ዝበልጸ መንእሰይ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ብምዃን ተሸሊሙ።

ዙር ሩዋንዳ ኣብ 2019 ብዓለምለኸ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ናይ 2.1 መዕቀኒ ብቕዓት ዝረኸበ ዓቢ ዓለማዊ ውድድር ብሽክለታ’ዩ። እዚ ውድድር ደረጃኡ ዓብዩ ንሓያሎ ክለባት ዓለም ከሳትፍ ካብ ዝጀመረሉ 2019 ኣትሒዙ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዮም ክዕብሉሉዎ ጸኒሖም። ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብ 2020 ከምኡ’ውን 2022 ድማ ናትናኤል ተስፋጽዮን፣ ኣብ 2023 ሄኖክ ምሉእብርሃን ከም ዝተዓውቱሉ ይዝከር። ኣቐዲሙ እቲ ዝለዓለ መዐቀኒ ከይትዋህቦ ኣብ 2010 ንዙር ሩዋንዳ ዝተዓወተሉ’ውን ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ዕዉት መድረኽ ዓቐበት ቱር ዲ ፍራንስ (2015) ዝዀነ ዳኒእኤል ተኽለሃይማኖት’ዩ።

ካብዞም ቀዲሞም ነዚ ውድድር ዝተዓወቱሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ሎሚ ዓመት እቲ ኣምበል ሃገራዊት ጋንታ ኰይኑ ዝተሰለፈ መርሃዊ ቅዱስ ጥራይ’ዩ ነይሩ።




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events