Date: Monday, 12 August 2019
ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ መንነቱ ብዘይተፈልጠ ዕጡቕ ተሃሪሙ ኣብ ኢማራት ዓረብ ክሕከም ከምዝጸንሐ ዝንገረሉ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ናብ ሃገሩ ከም ዝተመልሰ ይግለጽ ኣሎ።
ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ “ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ወጻኢ ሃገር ክከታተሎ ዝጸንሐ ሕክምና ብዕዉት ኩነታት ዛዚሙ ምስ ዝፈትዎም ስድራቤቱ ናብ ኣስመራ ምምላሱ ብምስምዐይ ሕጉስ`የ” ዝብል ኣስፊሩ`ሎ።
ኣብ ልዕሊ ጄነራል ስብሐት ኤፍሬም ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከባቢ ገዝኡ ኣድብዩ ብዝጸንሐ ሰብ ከም ዝተፈጸመን፡ እቲ ውልቀሰብ ብኡ ንብእኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለን፡ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ`ቲ እዋን ምሕባሩ ይዝከር።
ጄነራል ስብሓት ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሓደ ሽሙ ዘይተገልጸ ሆስፒታል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ክሕከም ከም ዝጸንሐ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ`ቲ ጀነራል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኾነ፡ ሕክምና ወዲኡ ብዛዕባ ምምላሱ፡ ብወግዒ ዝበሎ ነገር ዛጊት የለን።