***ግርምቢጥ ***
ሓደን ንህንጸታ ፥ደም እንዳተሓልበ
ዘይንቡር ምንባሩ፥ ሕሰም ከይጸብጸበ
ሓኾት ንሕውየታ ፥ ረሓጽ እንዳንጠብጠበ
ሞሳ ለፋዕትኡ ፣ካሕሳ ኳ ዘይተጸበ
ሓደን ኣብ ምቾት ፥ ገንዘቡ እንዳገሓጠ
ኣብ ጥጥሑ መዳቕሶ፣ ኣብ ሳሎን ዘራጠጠ
ኣማሪጹ ኣጋይጹ ፥ከብዲ ምላሽ እንዳበለዐ
ማይ ቀጠነ እንተበለ "ስ ፥ ግርምቢጥ ብደዐ
ሓደን ብጥሙዩ ፥ከብዱ ብሕልጉ
ገጹ ጸምልዩ ፥ ሃገር ጽባሕ ከገምጁ
ባኒ ቋሪፉ ኣብ ቲ፥ ድፋዕ ካናለ
ሃየንታ ዶ ኣይኮነን፥ ሕንቁቕ ይኣክል እንተበለ
ሓደን ኣብ ዝጥዕሞ፥ ሓካሉ ዝኾብለለ
ኮር ተገልበጥ ዶ ኣይኮነን፥ብዓስዓስ ተማረረ
ንሱ እኳ ዘለዎ ፣ዶባቱ ዘጽነዐ ዘየጉረምረመ
ስግንጢር ዶ ክንብሎ ፣ ምስ እዝኑ ዝጸመመ
ሓደን ሕድሪ ኮይንዎ፥መብጽዓ ከየዕበረ
ልግዐ ንእስነቱ መኒኑ፣ ሓለዋ ጸኒሑ ዲጋ ዝወፈረ
ትማሊ ብቀይሕ ደሙ ፥ሎሚ ብጨው ረሃጹ
ግርምቢጥ ዶ ኮይኑ ፣ ደማሙ ከጓይያ ኣናጹ
ስግንጢር ዶ ክንብሎ፥ኩቦ ጥሒሉ
ክብደቱ ፎኺሱ ፥እምኒ ጸምበለል ኢሉ
ሓሰር ንሓዊ ኣንዲዱ ፥ ቀዲምዋ ክንብል ጎብየ ንማንቲለ
ኣብ በዓቲ መድያ ኮይኑ ፣ ብድጂታል ይኣክል ካብ በለ
ንሱ እኳ መብረ ዘይተጸበየ
ኣብ ትማሊ ጸገም ፥ንሎሚ ራህዋ ዝረኣየ
መርፍእን ፈትልን ኣላጊቡ ፣ ሕንሳሱ ኣተኣኻኺሉ
ግርምቢጥ ዶ ኮይኑ ፣ ፈተውቲ ነብሶም ይኣክል እንተበሉ
ሓደን ዕድመ መርዓ፥ ደርዓ ዕድመ ንእስነቱ ኣብልዩላ
ሃገር ከውሕስ ፥ዳባታ ብዓጽመ ደሙ ክኽልላ
ሓደን ጥማራ ዶላራት፣ክምእርር ዓዲ ጓና ዝተቕመጠ
ስግንጢር ግርምቢጥ ኮር ተገልበጥ ፥ ድሙን ንበረኻ ኣንጭዋ ንውሻጠ
ዓወት ንሓፋሽ
ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)
ጀርመን
6/4/2019