Date: Friday, 07 September 2018
YEMANE G. MESKELትማሊ ኣብ ኣስመራ ዝተራኸቡ መራሕቲ ሰለስቲኣን ሃገራት፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት አመልኪቶም ምስዘተዩ ሓቢሮም ንምስራሕ ኣብ ዘኽእል ስሉሳዊ ስምምዕ ምብጽሖም ተሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ከምኡውን ፕረዚደንቲ ሪፓብሊክ ሶማል፡ ሞሓሞድ ኣብዱላሂ ዝተፈራረሙዎ ስምምዕ፤ ጂኦግራፍያዊ ፡ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ሓባራዊ ረብሓታት ሰለስቲአን ሃገራት ዘማእኸለ ከምዝኾነ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ የመልክት።
በዚ መሰረት፡ እቲ ስምምዕ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ባህላውን ክሓብራን፡ ዞባዊ ጸጥታን ደሕነትን ሕልው ንምግባር ሓቢረን ክሰርሓን ዝጥምት እዩ።
ከምኡ ድማ ነዚ ስምምዕ ዝትግብርን ብሓላፍነት ዝቆፃፀርን ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተኻተቱዎ ፡ ሓበራዊ ላዕለዋይ ኮሚተ ቆይሙ።
እዚ ዝተኸተመ ስምምዕ ፡ ሕድሕድ ናጽነት፡ ልዑላውነትን ዶባዊ መትከላትን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ብምኽባር ዝተገብረ ምዃኑ እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኤርትራ ምስ ኢትዯጵያን ምስ ሶማልን ሰላማዊ ርክባ ዝጀመረት ኣብ ቀረባ ግዘ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።
ብፍላይ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፤ ቀደማይ ሚኒስትር ኮይኖም ድሕሪ ምሻሞም ስዒቡ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ኣስመራ ዑደት ዝተገብሩ እንትኸውን፡ ንዝተጀመረ ዕርቀ ሰለም መሰረት ዝኸውን ክልተኣዊ ስምምዓት ምስ ፕሬዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ምኽታሞም ዝዝከር እዩ።
ነዚ ስሉሳዊ ዘተ ስዒቡ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ሎሚ ናብ ጅቡቲ ከይዶም።
እቶም ሚኒስትራት ኣብ መንጎ ጁብቲን ኤርትራን ብዛዕባ ዘሎ ዘይምርድዳእ ክዝትዩ ትፅቢት ተገይሩ'ሎ።
MAHMOUD ALI YOUSSOUF/TWITTERናይ ምስሊ መግለጺሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈጠሮ ምምሕያሽ ዝምድናታት ተተፋኒነን ዝጸንሓ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ሰበስልጣን ጂቡቲ ንምዝርራብ ሎሚ ጂቡቲ ድሕሪ ምእታዉ ክልቲአን ሃገራት ዝምድነአን ናብ ንቡር ክመለስሳ ተሰማሚዐን።
ብተመሳሳሊ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን'ውን ምስኡ ሓቢሮም ናብታ ሃገር ከም ዝተጓዕዙ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
"ንኤርትራን ጂቡቲን ናይ ሰላምን ዕርቅን ጊዜ መጺኡ ኣሎ። ሎሚ ምስ ታሪኻዊ ምብጻሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ ዖስማን ኣብ ጂቡቲ ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፊቱ'ሎ" ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ኣብ ትዊተር ጺሒፉ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ናብ ጅቡቲ ዝተገብረ ዑደት ሰለስቲኦም ሚኒስትራት፡ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ድሕነትን ንምፍጣር ኣካል ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝተበፅሐ ስምምዕ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረዲኡ።
"ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝፀንሐ ናይ ዶብ ምስሓሓብ ፀገም ኣሎ። እዚ ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ቅድም ኢላ ዝጀመረቶ ፃዕሪ ኣሎ። ናይዚ ጻዕሪ ኣካል ገይርካ ምርኣይ ዝከኣል እዩ" ኢሉ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ መንጎአን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ 2008 ናብ ጎንጺ ድሕሪ ምምርሑ፡ ዝምድናአን ሓርፊፉ'ዩ ጸኒሑ።
ነቲ ኩነታት ንምህዳእ፡ ሃገረ ቐጠር ወታሃደራታ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብምስፋር፡ ተጻቦኦታት ደው ኣብ ምባል ኣበርኪታ'ያ።
እንተኸነ ግን፡ እቲ ንቐጠር ንምንጻል ብሃገራት ወሸመጥ ዝተኻየደ መናውራታት፡ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ዝምድና ስለዝተንከፎ፡ ወታሃደራታ ክትስሕብ ከም ዝተገደደት ተዓዘብቲ ይገልጹ።
MAHMOUD ALI YOUSSOUF/TWITTERናይ ምስሊ መግለጺሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን'ውን ምስ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ናብ ጂቡቲ ተጓዒዞም'ዮምዶባዊ ምስሕሓብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዙርያ እምባ ዱሜራን ደሴት ዱሜራን ምዃኑ ይንገር።
ጂቡቲ፡ ኣብቲ ዶባዊ ግጭት ብኤርትራ ተማሪኾም ዝበለቶም ወታሃደራታ ክምለሱላ ክትሓትት ምጽንሓ ይፍለጥ።
ብሰንኪ'ዘኢ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ክግበር ካብ ዝጎስጓሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ምንባራን፡ ክሳብ ቀረባ እዋን እቲ ማዕቀብ ከይለዓል ክትጠልብ ጺኒሓ'ያ።
ኣብ ሓምለ 9 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምኽታሙ፡ ዝምድና ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃራት ክመሓየሽ ይረአ ኣሎ።