Basic

ሓሶት እነተደጋጊምካዮ ሓቂ ይመስለካ ካብ ዝብል ሰረተ እምነት ዝነቀለ ውፍሪ ማዕከን ስኑዕ ወረ (fake news) Aljazeera ንኻልኣይ ግዚኡ ኣርኪቡልና እነሀ…

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 19 January 2018

ሓሶት እነተደጋጊምካዮ ሓቂ ይመስለካ ካብ ዝብል ሰረተ እምነት ዝነቀለ ውፍሪ ማዕከን ስኑዕ ወረ (fake news) Aljazeera ንኻልኣይ ግዚኡ ኣርኪቡልና እነሀ…

"Aljazeera ....ንኣጀንዳ ወይ ኣተሓሳስባ Muslim brotherhood ዘገልግል ፕሮፖጋንዳ ጥራይ እያ ክትሰርሕ ጸኒሓ።"
ብቸሩ ተስፍዝጊ (ቤተ ቸሩ) ካብ ኣምስተርዳም
01/19/2018

ሓሶት እነተደጋጊምካዮ ሓቂ ይመስለካ ካብ ዝብል ሰረተ እምነት ዝነቀለ ወፍሪ ማዕከን ስኑዕ ወረ (fake news) Al jazeera ንኻልኣይ ግዚኡ ኣርኪቡልና እነሀ……

ድሕሪ ናይ ሱዳን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር Ibrahim Ghandour ብ15 ጥሪ 2018 ኣብ ካይሮ ነዚ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ከምዚ ምስ በለ…. The Sudanese government has withdrawn its accusations against Egypt and Eritrea of mobilizing military forces along its eastern borders and justified massive military build-up by the Sudanese army in the area of Kassala near Eritrea by saying there were possible threats from Sudanese armed opposition forces, without revealing the nature of these threats. (ASHAQ AL AWSAT 15 january 2018)

ትቅብል ኣቢሉ ፕሬሰደነት ግብጺ Abdel-Fattah al-Sisi “We are not willing to enter into war with our brothers or with anyone ... our peoples deserve every single penny,” “I say this to our brothers in Sudan and Ethiopia: Egypt doesn’t conspire. We don’t conspire, neither do we meddle in the internal affairs of anyone and we are very, very keen to have a very good relationship,” ኢሉ ኢላ ብ15 ጥሪ 2018 Sudan Tribune ምስ ገለጸቶ……

እሞ ደኣ! እዘን ብዝተሰነዐ ወረ ኮነ ኢለን ንመንግስቲ ግብጽን ኤርትራን ጉዶም ዘውጸአኦ ዝመሰለን: ንዓናን ንህዝቢ ሱዳንን ከደናግራ ዝቀነያ፡ ብኤርትራዊ ገዲም ተጋዳላይ Mohammed Taha Tewekel እትምራሕ Al jazeera ኣዲስ ኣበባን EBC ኢትዮጵያን ሕጂ ደኣ እንታይ ክብላና እየን?

ዘገርም እኮ እዩ! "ጉድጓድ" ብናይ ገዛእ ርእሱ ሓመድ ኣይመልእን እዩ ዝተባህለስ ለካ ከምዚ እዩ! ናይ ኣልጀዚራ ሓሶት ዝተሰንዐ ወረያ ወረ ብናይ ኢትዮጵያ ማዕከናት ዜና ድምር ዝተኸሸነ ፕሮፖጋንዳ ክመልእ ኣይከኣለን! ዘተሓሳሰብ እዩ!!!

ካብ ኣልጀዚራ ከምዚ ዝተሰንዐ ወረ ክሰምዕ ኣይገርምንን። ምኽንያቱ ይትረፍ ሎሚ ናባና ክሳብ ሕጂ ንማእከላይ ምብራቕ ሓሰያን ሰኒዓን ዘናወጸቶ ናይ ቐረባ ጭብጢ ስለ ዘሎኒ። ኣልጀዚራ ካብ እተሕልፎ እሙን ሓበሬታ ንላዕሊ ንፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ከም መትከል ሒዛ ክትሰርሓሉ ጸኒሓ ኣላ። እንተ ፈቲሸና ናይዚ ምስክር ዝኾኑና ብዙሓት ጽሑፋት ንረክብ ኢና። ንኣብነት ንርኣዮ እንዶ! እንታይ እዩ ተገይሩ ኣብ Arab spring (ቀውዒ ዓረብ)? ናይ Al Jazeera ፕሮፖጋንዳዊ effectኸ እንታይ ግደ ተጻዊቱ? ብዙሓት ዝንበቡ ኣልዉና።

እዚ ገዚፍ “እስላማዊ ፖለቲካዊ ፍልስፍና” muslim brothers አብ ግብጺ “ብሓሰን አልበና” ዝተወለደ ብቀንዱ አንጻር ምዕራብ ይኹን እንበር ምስ ዓረባዊ ሪፑብሊካዊ ስርዓታት ክቃዶ ስለ ዘይከኣለ እዩ ኣማሲኡ ኣንጻር እዘን ብናይ ተቃውሞ እንቢታ ዝፍለጣ ሃገራት ቀሌቤታዊ ሰንሰለት ማእከላይ ምብራቕ ናብ ፍልስጤም፤ ሊባኖን፤ ስርያ፤ ኢራቅን ከምኡ ከኣ ግብጽን ቱኒዝያን የመንን ዘትከለ። እቲ አብ ቱኒዝያ ሓደ ውጹዕ መንእሰይ አብ አፍደገ ቤተ መንግስቲ ነብሱ ምስ አቃጸለ ዝጀመረ፡ ናብ ሊብያን ግብጽን ሉሒኹ፡ ሲዒቡ ንየመን ሰጊሩ ደው ዘይበለ ናብ ስርያን ባሕሬንን ዘበለ፡ ኖትጕ ተቋውሞ ህዝብታት ዓረባውያን ሃገራት ብቀውዒ ዓረብ (Areb Spring) ዝተሰምየ፡ አማሲኡ ብmuslim brothers ተወዲቡ እዩ ዓረባዊ ሪፑብሊካዊ ስርዓታት ክቅይር (ክሰብር) ዝፈተነ።

እንበኣር ስነ ኣእሙራዊ ዂናቱ ኣብ ጎደናታት ከተማታት ዓረብ ከም ካይሮ፤ ባቕዳድን ደማስቆስን ዝኣመሰላ ኣይኮነን ተኻይዱ፡ መብዛሕትኡ ብዝተሰንዐ ፕሮፖጋንዳ ኣብ news broadcasts and talk shows ናይ Al Jazeera እዩ ተፈጺሙ። እቲ ዝዓበየ ሓደገኛ ክፋሉ ከኣ ነቲ ናይ በሓቂ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ኩነት ዝገልጽ ሓብሬታን፡ ንፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘለዎ ፕሮፖጋንዳን ንኽንፈላልዮ (Al Jazeera) ከም እንጽገም ጌይራትና እያ። ብሓፈሽኡ ንኣጀንዳ ወይ ኣተሓሳስባ Muslim brotherhood ዘገልግል ፕሮፖጋንዳ ጥራይ እያ ክትሰርሕ ጸኒሓ።

ሎሚ ህዝብታት ዓረባዊ ዓለም ካብዚ ኣዳናጋሪ ፕሮፖጋነዳ ናይ Al Jazeera ወጺኡ ንወድዓዊ ኩነታት ማእከላይ ምብራቅ ብቀረባ ንኽከታተል ናብ Al Mayadeen news broadcasts and talk shows እዩ ጊዒዙ ዘሎ።

ውሩይ ተንታንን ጋዜጠኛን Abdel Bari Atwan (Head editor Al Qudus Al arabi) ከም ዝበሎ Al Jazeera ኣብ ግዜ ውግእ ዒራቕ 60 ሚልዮን ተዓዛቢ ዝነበራ ሎሚ ኣብ ግዜ ቀውዒ ዓረብን ውግእ ሕድሕድ ሱርያን ግን ብሰንኪ መርገጻታ 10 ሚልዮን ተዓዛቢ ንኽትረክብ እዃ ጋዶ ኮይንዋ ኣሎ ክብል ኣብ ጽሑፋቱ ኣስፊርዎ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ከምዚ ዝኾነሉ መኽንያት፥ ናይ ሎሚ ወለዶ cyber technology እናነቅሐ ምስ መጸ ኣየናይ ስእሊ ካበይ ተሰኒዑን? ኣብ ሞንጎ ገስጋሲ ፕሮፖጋንዳን የዕናዊ ፕሮፖጋንዳን ክፈላሊ ስለ ዝኸኣለ እዩ።

እቲ ገሪሙኒ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ማዕከን ዜናታት ብስንኪ ጽልኢ ሻዕብያን ንሕንሕ ምስ ግብጽን መንበድበዲት ናይ ቐጠርን ኣለጀዚራን ክኾና ምምራጸን እዩ!

ብቀንዱ! ሱዳን ካብዚ ሰለስተ ዝማእዝኑ (ሴሜን ሱዳን፣ ዳርፉር፣ ምብራቅ ሱዳንን) ንዘለዋ ውሽጣዊ ቅሉውላው ከተህድእን ወይ ማእዝኑ ክትቅይርን ከምኡ ከኣ ካብቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ተጽዕኖንን ጸብለልትነት ግብጻውያን መታን ክትወጽእ ኢላ: ምስ እስላማዊ ሕውነት ቱርክን ቐጠርን ክትጽጋዕ ዝመረጸት ትመስል። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ መንፈስ እስላማዊ ሕውነት ጥራይ እዩ ንሱዳን ዳርጋ ኣብ ሓደ ክገብራ ዝኽእል ዝብል እምነት ምስ ተኸተለቲ Muslim brotherhood ኣበ ሱዳን ጎሊሑ ይርኣ ስለ ዘሎ። (Muslim brotherhood ብ1954 እዩ ናብ ሱዳን ብመሪሕነት Hassan al-Turabi ኣትዩ) እዚ ኸኣ ንግብጻውያን ብጋህዲ ኣሰኪፉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ግብጻውያን ኣብ መሬት ኤርትራ ኣለው ዝብል ዘይተጨበጠ ወረ ንሱዳን ኣሻቂሉን እኳ ደኣ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑስ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ምብራቅ ሱዳን ህጹጽ state of emergency (command post) ከም ዝተኣወጀሉ ተገይሩ እዩ። ምስ ምምጻእ ቱርኪ (ተኸታሊት እስላማዊ ሕውነት) ኣብ ስዋኪን (ሱዳን)፡ ዲፕሎማስያዊ ጎንጺ ምስ ግብጽን (ግብጺ ኣንጻር እስላማዊ ሕውነት ምዃናን) ብዝሒ ተኸትለቲ እስላማዊ ሕውነትን ኣበ ሱዳን ምህላዎምን ኣሰዒቡ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ግብጽን ዝሓንኮረ ዝምድና ከም ዘሎ ንርዳእ ኣሎና።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ: ግብጻውያን ኣብ ሳዋ ኣለው ዝብል ፍርካሽ ሓሶት ንኢትዮጵያ ዝያዳ የሻቅላ ከም ዘሎ ኣምሲልካ: ኢትዮጵያ ነቲ ባዕላ ምስ ምዕራባውያን ኮይና ዘዋደደቶ "ዝበለየ ስልታ" ተጠቂሞም ግብጻውያን ምስ ናውቲ ብረቶም ኣብ ኤርትራ ምእታዎም ኣንጻር “ማዕቀብ” ስለ ዝኾነ ኤርትራ ነቲ እገዳ UN (ውሳኔ ጸዓዱ ክብሎ) ትግህሶ ኣላ እናበሉ ኣብ ረብሓ ፖለቲካውን ዲፕሎ ማሴኛውን ኢትዮጵያን ሱዳንን መታን ከውዕልዎ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ መንበድበዲት ቐጠርን ኣልጀዚራን ኮይኖሙልና ቀንዮም። መቸም መንግስቲ ኢትዮጵያ በዚ ሃተውቶው ናይ ዜና ማሰኛታቱ ክደናገር እዩ ኣይብልን። እኳ ደኣ "ሳግላ ብላዕ ኣይትቅላዕ" ከይገብሮ ደኣ እንበር ኣብ ሃገሩ መን እዩ ብድሕሪ እዚ ሕሱር ነውጺ ዘሎ ዘይርድኦ ኣይመስለንን በሃላይ እየ

እዚ ኹሉ ግን እንታይ ኣምጸኦ?

ባእሲ ኪዳን ሱዑድን ግብጽን ምስ እስላማዊ ሕውነት ቱርክን ቐጠርን፣ ብሰንኪ ዶባውን ቁጠባውን ዕብለላ ኩራ ግብጽን ሱዳንን፣ ጽልኢ ሻዕብያን ወያነን፣ ሓዲሽ ጽልኢ ቐጠርን ኤርትራን ምእታው ቱርኪ ንስዋኪን ምስ ተደመሮ ኣብ ነንሕድሕዱ ተሓናዂሩ እነሀለ መሬት ኤርትራ ናይ ጽልኦም መውጽኢ ኣሬና ንኽኸውን ቐጠርን ኣልጀዚራን ስለ ዝደለይኦ እዩ ግብጻውያን ኣብ ሳዋ ኣለዉ ዝብሉና ዘለዉ። ያኢ ኤርትራስ ገመል ሰሪቃስ ጉንብሕ ጉንብሕ ጌራቶ ይብሉና ኣለዉ። ብዓቢኡ ግን ጅኦ ፖልቲክ ቅይሕ ባሕሪ እዩ እቲ ጠንቂ…

ኣብ መጀመርታ 80‘ታት ዝተዳቀለ ናይ ቁጠባ ዘመተ ዝኾነ "ምዕራባዊ ፍልስፍና" The neoliberalism world order of free trade globalization ዝብልዎ ኣተሓሳስባ ነዛ ዓለምና ክግብታ ኢሉ ን35 ዓመት ክዘውር ድሕሪ ምጽናሕ ሕጅስ ደኺመ ንገዛይ ክምለስ (Trump) ምስ በለ ድዩ: ነዚ ን13% ናይ ዓለምና ንግድን 18 ሚልዮን ፋት ዘይትን ንመዓልቲ ዘዘዋውር ኣገዳሲ መቅርብ ሕንቆ ዝኾነ ወሽመጥ ባሕርና: ካብ ኣፍደገ ገዝአን ሪሒቀን ዘይፈልጣ ሃገራት ካልኣይ ዓለም: ዝሻመያሉ ዘለዎ? ዋላስ ብናቱ ፍቃድ (ኣሜሪካ) ከም ንሱ ብንሱ ገበትኡ ክሕልዋሉ እየን መጺአናና ዘለዋ? ቱርክን ኢመረትን ኣብ ባሕሪ ሶማል፤ ኪዳን ሃገራት ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣብ ባሕሪ ኤርትራ፤ ሓዲሽን ውዑይን ወረ ቱርኪ ናብ ስዋኪን ባሕሪ ሱዳን ትኣቱ ኣላ ዝብልን፤ ኣብ ጀዛን ባሕሪ ሱዑዲ ኣሜሪካውያን፤ ኣብ ባሕሪ የመን ኢራናውያን፤ ኣብ ጁቡቲ ክሳብ ሕጂ ሓሙሽተ ሃገራት ካብ ዝለዓለ ወታሃደራዊ ትካላቶም ክሳብ ናይ መጽናዕቲ ሰፈራቶም ዝገበርዎ (ፈረንሳይ፤ ኣሜሪካ፤ ቻይና፤ ጥልያን፤ ጃፓን) ኣለውና።

እዘን ጸጋታት ባሕረን ኣብ ሓደጋ ከየእትወን ዝፈርሓለን ዘለኹ "ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን" ንውሽጣውን ጎደባውን ጎንጽታተን ቀልጢፈን እንተዘይፈቲሐንኦ ጸጋታት ባሕረን ኮነ ዕቁር ሃብቲ ምሬተን መመሊሱ ከድክየን እዩ። ኣማሲኡ ከኣ ከም ጋሽኡ እንበር ዋናታቱ ኣብ ዘይኮናሉ ግዜ ክበጽሓ ኣብ ቀረባ ኣለዋ ማለት እዩ…

ብቸሩ ተስፍዝጊ

ኣምስተርዳም

*ምንጪ ጽሑፍ፡ ሰኪዔት መስከረም
 
******

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events