ስያትል ንመበል 23 በዓል ናጽነት ሃገርና ብኽብ ዝበለ መዓርግ ጸምቢላቶ!

From: Berhane Alazar <berhane_at_isaacweb.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 26 May 2014 16:30:02 -0400

መበል ፳፫ ዓመት በዓል ናጽነትና ብኽብ ዝበለ መዓርግ ኣብ ስያትል ተጸምቢሉ!

 

ናይ 2014 ጽንብል ሓርነት ሃገርና፡ ብ ”ንርህው ጽባሕ - ሎሚ ንስራሕ” ዝብል ቴማ፡ ከም’ቲ ልሙድ፡ ለብዘን’ውን ኣብ “Volunteer Park” ዝበሃል ናይ ስያትል ቦታ፡ ብኣማእታት ዝቚጸሩ ኤርትራውያንን፡ መሓዙት ኤርትራውያንን ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ብዓቢ ፍስሃ ተጸምቢሉ። “ኣብዘን ዝሓለፋ ፳፫ ዓመታት፡ ሳላ ጻዕራም ህዝብናን፡ ውፉይ መንግስትናን፡ ናይ ዝተፈላለዩ ተጻባእቲ፡ ዘይተኣደነ ሽርሒታት ኣፈሺሉ፡ ኣብ ዘይነዓቕ ውንጫፈ-ግስጋሰ ከምዘሎ ዋላ ጸላእትና ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ” ብማለት ነቲ በዓል ዝኸፈቶ፡ ኣቦ መንበር ሽማግለ ሃገራዊ በዓላት ስያትል፡ ብጻይ ብርሃነ ኣልኣዛር፡ ነቲ መድረኽ ናብ “ፍሉይ መደብ ህጻናት” ኣመሓላለፎ። እተን መደባት ብኣብ ስደት ዝተወልዱን ዝዓበዩን መንእሰያት ደቅና፡ ብዝንኣድ ብቕዓትን ዝምስገን ተገዳስነትን ዝቐረባ፡ ንኹለን ብሄራትና ዝውክላ፡ ባህላዊ ምርኢት፡ በብተረአን ብምቕራብ፡ ካብ ተዓዘብቲ ዓቢ ኣድናቖት ኣትሪፈን!

 

ከምኡ’ውን ብከንቲባ ከተማ ስያትል፡ Ed Murray, ዝተፈረመት ወረቐት ምስክር ብዛዕባ “ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ስያትል” ንተሳተፍቲ ምስተበሸረት፡ ተሳተፍቲ ብውዕውዕ ጨብጨብታን ዕልልታን፡ ሓጎሶም ገለጹ። ኣብ መጨረሽታ፡ ኣቦታት ብተሓምበለ፡ ኣዴታት ከኣ ብእልልታን ጨብጨባን፡ በቲ ንወኒ ዘነቓንቕ ቃና ሙዚቃ ተሰንዮም፡ እቲ መደብ፡ ንህዝባዊ ጓይላታትን ሳዕስዒትን ተኸፍተ። ኣብ ሞንጎ ትልሂታት ከኣ እዋናዊ ዝተፈላለየ ግጥምታትን መደረታትን ብዓበይትን መንእሰያትን ብምቕራብ፡ ነቲ በዓል ዝያዳ መቐረት ብምንባር፡ እቲ ናይ ኣስታት ፭ ሰዓታት መደብ፡ ብዓወት ተዛዚሙ።

 

ንጽባሒቱ ሰንበት ምሸት፡ ፳፭ ግንቦት ከኣ፡ ኣብ King’s Hall ዝተባህለ ዓቢ ኣዳራሽ ከተማ ስያትል፡ ትልሂታዊ መደብ፡ ብዓቢ ሃንቀውታ፡ ብዝኽረ ሰማእታትን፡ ሃገራዊ መዝሙርን ምስ ተኸፍተ፡ ኣቦ መንበር ሽማግለ ሃገራዊ በዓላት ስያትል፡ ፡ ሓጻር ናይ በዓል ናጽነትና ቃል ብስማዕንን፡ ምስጋና ነቶም ብኣካልን ብንብረቶምን ዝተሓባበሩ ነጋድያን ከተማ ስያትል ብምምስጋን፡ ናይ’ዛ ረዛን ዕለት ቃለ-መንግስቲ ኤርትራ ከስምዕ፡ ንኣቦ መንበር ህግደፍ ጉጅለ ከተማ ስያትል፡ ብጻይ የማነ ፍቓዱ፡ ናብ መድረኽ ዓደሞ።

 

ብጻይ የማነ ነቲ ካብ ኤምባሲ ሃገርና ዝተላእከ ደብዳቤ ኣንቢቡ ምስ ወደአ፡ ንኣብ ከተማና፡ ከተማ ስያትል፡ ዝተዓዘቦ፡ ኣገዳሲ ትዕዝብትን፡ ሓበሬታን ክገልጽ ከሎ፡ ስምረት ህዝብና፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነጸብራቕ፡ ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ዝግስግስ ዘሎ እወታዊ ምዕባለ፡ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ስያትልን ከባቢኣንው’ን፡ ነዚ ናይ ዓረ ስምረት ህዝብና፡ ክብትን ዝደሊ እንተልዩ፡ ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ ከም ዘሎ፡ ወግሐ ጸብሐ እንዳተጋህደ ዝረአ ዘሎ፡ ጭቡጥ ነገር እዩ፡ ብማለት መልእኽቱ ዛዘመ።

 

ብምቕጻል፡ በቶም ካብ ነንሕድሕዶም መወዳድርቲ ዘይነበሮም፡ ድምጻውያንን ናይ ሙዚቃ ተላሃይትን፡ ብድምጻዊ ረዘነ ገብረኣብ፡ ዝተኸፍተት ጓይላ፡ ንተሳተፍቲ መደብ ካብ ኮፍ ኢሎሙሉ ዝነበሩ ኩርስታት ብድድ ኢሎም፡ ኣብ’ቲ ልሙዕ ጓይላ፡ ንኽካፈሉ ግዜ ኣይወሰደሎምን።

 

ገና ረሃጽ ሳዕሳዕቲን ተላሃይትን ከይነቐጸ ከኣ፡ ነቲ በዓል ናጽነት ንምድማቕ ኢላ፡ ካብ ሃገረ ሽወደን ዝመጸት፡ ህብብቲ ድምጻዊት ሄለን ጳውሎስ፡ ኣሽንኳይዶ ንህሉውሲ “ንምዉት’ውን” ዘንቀሳቕስ፡ ትልሂት፡ ኣንጎድጎደቶ!

ቀጺለን ዝመጻ ከኣ፡ እተን፡ ንመንእሰያት ጥራይ ዘይኮናስ፡ ንዓበይቲ’ውን፡ ዝማርኻ ድምጻውያን፡ ደቅና፡ ብ“EriAm Sisters” ዝፍለጣ ህቡባት ደቂ ኤረ፡ በቲ ልሙድን ዝናፈቕ፡ ትልሂተን፡ ንተኻፈልቲ ጽምብል በዓል ናጽነትና ኣብ “king’s Hall” ሲያትል፡ ዘይርሳዕ ሙዚቃዊ መዘክር ኣበርኪተናልና።

 

ድምጻዊ መንእሰይ ሙሴ ጠዓመ ከኣ፡ በቲ ነዕዋፍ ሰማይ ዘውርድ ድምጽኡ፡ ሓያሎይ ትልሂታት፡ ብምቕናይ፡ ንዝዓበና ኮነ ንዝነኣስና፡ ሸኾርተት ከብለና ኣምስዩ።

 

ቀጺሉ ከኣ ነዛ ብደም ስዉኣትናን፡ ስንኩላን ተጋደልትናን፡ ዝተረጋገጸት ክብርቲ በዓል ናጽነትና፡ ንምዝካርን ንምኽባርን፡ ነቕ ዘይብል ሓድነት ህዝብና ዝምስክር፡ ብ”ኣእዳው” ኩለን ተኻፈልቲ ማሕበራትን፡ ጽላታትን ማለት ኣባላት ህግደፍ፡ ሃማደኤ፡ መንእሰያት፡ ማሕበረኮም፡ ቆንስላዊ ወኪላት፡ ዝተዋሃደኦ ‘ካራ ሓርነት’ ናይ ቶርታ ምቊራጽን፡ ሻምፓኝ ምኽፋትን ስነ ስርዓት፡ ምስ ነጎድጎዳዊ ጣቕዒትን ዕልልታን ተፈጸመ።

 

እዘን ኩለን ድምጻውያን ተላሃይቲ ኤርትራውያን፡ ብኣርቲስት ዳዊት ሃይለ ትቃነ ‘ኪቦርድ’(ኦርጋንን፡)፡ ብኣርቲስት ኣልማዝ ተስፋይ ትህረም ጊታርን፡ ከምኡ’ውን፡ ብድምጻውን ‘ጎይታ ክራር’ ዝኾነን፡ ሙሴ ጠዓመ፡ ትስነ ዝነበረት ሰናይ ምሸት፡ ከም’ታ ብሃንቀውታ ዝተጀመረታ “ወጋሕ ትበል ለይቲ” ኣብ ዝተመደበልና ሰዓታት ናይ ንግሆ፡ መደብና ብዓቢ ዓወት ተዛዚሙ።

 

ናጽነት ኤርትራ ንዘለኣለም ትንበር!

ዓወት ንወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ!

ዝኽርን ሞገስን ንስዉኣትና!

ዓወት ንሓፋሽ!

 

ሽማግለ በዓላት ስያትልን ከባቢኣን ሰኑይ ፳፮ ግንቦት 2014

 




Received on Mon May 26 2014 - 16:30:24 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved