Alenalki.com: መድረኽ 40ታት ይድገም ኣሎ-3ይ ክፋል

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 14 Jul 2014 12:50:29 +0200


 <http://alenalki.com/index.php/alenalki-news/381-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-40%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8B%B5%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-3%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D> መድረኽ 40ታት ይድገም ኣሎ-3ይ ክፋል


ቀዳማይን ካልኣይን ክፋላት „መድረኽ 40ታት ይድገም ኣሎ“ ኣብዚ ታሕቲ ተጻሒፉ ዘሎ መላግቦ ጠዊቕካ/ኪ ኣንብቦ/ኣንብብዮ።


http://www.dehai.org/archives/dehai_news_archive/2014/may/0437.html


Monday, 14 July 2014 20:10

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንምምላሰ ወያነ ብዙሕ ሽርሒን ሽጣራን ተጠቂሞ እንተኾነ ግን ክሰልጦም ኣይከኣለን። ህዝቢ ኤርትራ ንምፍልላይ ኵሉ መንገዲ ስለ ዝተዓጽዎም ናይ መጨረሻ ፈተንኦም ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ኣቲኻ ነቲ ህዝቢ ፋሕ ብትን ንምእታው ወይጦታት ኣዋፊሮም። ብፍላይ ኣብ ስዊዘርላንድን ጀርመንን ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተገብረሎም ምወላ ቈርበት በጊዕ ተኸዲኖም ሓንሳብ ኣብ ስመር ዝበሃል ናይ ከድዓት ደቂ ሃገርን ተጋሩን ምትእኽኻብ፥ ኮምኡ’ውን ጻድቃናት ተመሲሎም ኣብ ቤተክርስቲያን ተሸጕጦም ንህዝብና ፋሕ ብትን ከእትውሉ ጸኒሖምን ኣለውን።

ንኣብነት ተስፋማርያም ሃይለ ብርሃነ ዜናን ዝተባህሉ ውልቀ ከድዓት ኣብ ሉዘርን ኣይንፍለጥን ኢና ብምባል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ስሩዓት ናይ ወያነ ኮይኖም ክሰርሑ ካብ ዝጸንሑ ነዊሕ ዐመት ኮይኑ ኣሎ። ተስፋማርያን ሓንሳብ ናይ ስመር ምትእኽካብ መራሒ ሓንሳብ ከኣ ጻድቕ ክመስል ናይ ቤተክርስቲያን ሓላፊ ብምዃን ሓደ ካብ’ቶም ንህዝቢ ኤርትራ ክበታትኑ ብዙሕ ሽርሕን ውዲትን ዘካይድ ዘሎ ወይጦ’ዩ። ብርሃነ ዜና’ውን ካብኡ ብዘይፍለ ለይቲ ለይቲ ምስ ሓለፍቲ ኣባላት ወያነ እንዳ ተራኸበ ዓቢ ውዳቤታት ዘካይድ ዘሎ ዕሉል ወይጦ’ዩ። ስለዚ ካብ ዓይኒ ኵሉ ኤርትራዊ ዘይተኸወለ ምኻኑ ክርዳእ ይግባእ። እቲ ተሓቢኡ ዝገብሮን ዘካይዶን ድማ ናይ ዕዳጋ ምስጢር ምኻኑ ንሕብሮ። ብርሃነ ዜና ግን በዚ ጥራሕ ኣየብቅዐን ብቐትሪ’ውን እንተኾነ ገዘ ገዛ ብምእታው ሓላዪ ቤተክርስቲያን መሲሉ ንህዝቢ ኤርትራ ንምክፍፋልን ምምቕቓልን ኣብ ናይ ኤርትራ ቤተክርስቲያን ጸኒዑ ንኸይመላለስ ኣብ ሃይማኖቱን እምነቱን ሃገሩን ደው ንኸይብል ዘካይዶ ዘሎ ውዲትን ሽርሕን’ውን እንተኾነ ድሮ ህዝቢ ኤርትራ በጺሕዎ ኣሎ። እዚ ከዳዕ ውልቀሰብ ኣብ ሉዘርን ጥራሕ ኣይተሓጽረን ኣብ ሳንጋለን፥ ዙሪክ፥ ሎዛን፥ በርን፥ ኣራው፥ ቪልቤን ነውሻትል፥ ፍሪቡርግ መሳርሕቲ ዝዀንዎ ወይጦታት ኣብ ምምልማል ይርከብ።

ንኣብነት ኣብርሃም ሓጎስ ካብ’ቶም ብርሃነ ዜና ዝመልመሎም ሓደ ኮይኑ ኣብ ምፍራስ ሓድነትን ምጕጅጃልን ተዋፊሩ ክነጥፍ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ሳንጋለን ፍጹም ሰጊድ ዝተባህለ ብብርሃነ ዜና ዝተመልመለ ካባ ቤተ ክርስቲያን ተኸዲኑ ጻድቕ ክመስል መንግቲ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንኸይረክብ ኣብ ሓዋላ ተዋፊሩ ጥራሕ ከይኣኽሎ ሕጂ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ክፈላሊ ብተሌፎንን ብኣካልን ዓዲ ዓዲ እንዳኸደ ጸረ ሃገር ውዳቤታቱ የካይድ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ እቶም ገንዘብ ዝህብሉ ውልቀሰባት ብመንግስቲ ኤርትራ ንኸይፍለጡ ኣብ ውሱን መዓልትታት ብሓደስቲ ሰባት ይትክኦም። ብተወሳኺ ድማ ንኤርትራ ዝድውሎ ቍጽሪ ተለፎን ሓንቲ መዓልቲ ተጠቒሙ እንዳ ደርበየ ነቲ ነውራም ተግባራቱ ካብ ምፍጻም ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ’ውን ይንዋሕ ይሕጸር ብምክትታል ሓንቲ መዓልቲ ክብጻሕ’ዩ። ፍጹም ሰጊድ ኣብ ስዊዘርላንድ ነዞም ጸረ ሃገር ዝኾኑ ውልቀሰባት ኣብ ሓዋላ ኣዋፊሩ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ ዝዓይነቱ ዝገብሮ ዘሎ እከይ ተግባርን ሽርሕን ተንኮላትን ጊዜ በሊዖም መድረኽ ዝቐልዖም ምኻኑ ዘንጊዑ ነፍሱ ዘታልል ዘሎ ጠላም ጕሒላ ጥራሕ’ዩ ክበሃል ይከኣል። እምብኣርከስ ፍጹም ሰጊድ ውልቃዊ ረብሕኡ ከኻዕብትን ክግብትን ሰባት ክወዳድብን ክፈላልን እንተ ዘይኮይኑ ንኽሳለም ኢሉ ናብ ቤተክርስትያናት ተጓዒዙ ኣይፈልጥን። ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም በቲ ሰይቲ መለስ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ዝመልመለቶም መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ቀሲኑ ብሃገሩን እምነቱን ባህሉን ሃይማኖቱን ከይሓስብን ከይቃለስን ሓድሽ ሜላ እንዳ መሃዙ ህዝብና ተጠራጢሩ ካብ ኵሉ ንጥፈታት ደው ንኸብል ዘካይድዎ ዘለው ሽርሒን ውዲትን ብዓቢ ኣተኵሮ ሸለል ከይበልና ኣትሪርና ክንምክቶን ኣካይድኦም ናበይ ንምጻሕ’ዩ ክንቃለሶምን ክንከታተሎምን ይግባእ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ በዓል ተስፉ ዘውዴ ኣብ ሰብዓታት ሰውራ ኤርትራ እግሪ ከይተኸለ እንከሎ ብወገን ብዓሌት ጐጃጂሎም ክበታትንዎ ፈቲኖም ኣይኵነሎምን። ኮይኑ ድማ ተስፉ ዘውዴ ታሪኽ ዝጐሓፎን ናይ ምንነት ቅልውላው ዘለዎ ውልቀሰብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ነቕሓሉ ሃዲሙ ንሱዳን ኣትዩ፥ ካብ ሱዳን ናብ ጀርመን ስደት ኣምሪሑ፥ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ድማ ኣብ ጀርመን እነብር ኣሎ። ሕጂ’ውን ካብ ወያኔ ገንዘብ ብምቕባል ምስ በዓል መሓረና ኣረፈ ተወዳዲቡ ጸረ ሃገር ተግባራቱ ንምፍጻም ኣብ ጀርመን ዘይኳሕኵሖ ማዕጾን ዘይበሎን ዘይገበሮን ነገር የልቦን። ኣብ ጀርመን ምስላጥ ምስ ኣበዮም መሓውሮም ናብ ስዊዘርላንድ ዘርጊሖም። ሓደ ውልቀሰብ ኣማኑኤል መብራህቱ ዝተባህለ ካብ ኤርትራ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ ነይሩ። ነቲ ካብ ወያኔ ሒዝዎ ዝመጸ ስነሓሳብ እቲ ኵነታት ከም’ቲ ዝተላእኮ ኣይጸንሖን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተግብሮ ከምዘይክእል ምስ እተገንዘበ ቀልጢፉ ናብ ስዊዘርላንድ ሃዲሙ። ጊዜ ከይበልዐ ምስ በዓል መሓረና ኣረፈ ንኽራኸብ ተሓቢርዎ። ምስኦም ድማ ተራኺቡ መልእኽቱ ኣብ ሓጺር እዋን ሰባት ክወዳድብ ሓቢሮሞ። መሳርሕቲ ትኾኖ ሓንቲ ሜሮን ዝተባህለት ኣብ ፍራንክፎርት ጀርመን እትነብር ዝነበረት ውልቀሰብ ኣራኺቦሞ። ሜሮን ጀርመን ገዲፋ ናብ ስዊዘርላንድ ንኽትቕመጥ ተነጊርዋ በዚ መሰረት ናብ ስዊዘርላንድ ከይዳ ምስ ኣማኑኤል መብራህቱ ኣቛሪኖማ። እዛ ውልቀሰብ እዚኣ ጻድቕ ንኽትመስል በቲ ዝግበረላ ዘሎ ምጽወታ ወያኔ ንብዙሓት ካህናት ዝተፈላለዩ ገጸበረከት ክትዕድሎም ጸኒሓ።

ኣማኑኤልን ሜሮንን ድማ ምስ በዓል ፍጹም ሰጊድን ብርሃነ ዜናን ብምርኻብ ናይ ሓባር ስርሓት ንኽሰርሑ ተሰማሚዖም። በቲ ወያነ ኣውጺኦሞ ዘለው ሜላ ምብትታንን ምጕጅጃልን ህዝቢ ኤርትራ፥ እዞም ኣስማቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ጠላማትን ከድዓትን ሓተላ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ውልቀሰባት ኣብ ስደት ኢና ዘሎና ብምባል ስልቲ ወያነ ከሳስዩ ከይደቀሱ ይሓድሩ ኣለው።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዘሎ ኤርትራዊ ነዞም ጸረ ህዝቢ ዝኾኑ ውልቀከደዓት ኣላልዩ ክቃለሶምን ወጊድ ክብሎምን ኢዶምን እግሮምን ምስ ዘይእክቡ ድማ ባዕሉ ሓፋሽ ህዝቢ ከቃልዖም ንላቦ።

ኤርትራ ብደምን ኣዕጽምትን ስውኣት ዝተነድቀት ሃገር እያ። ነዛ ብደምን ኣዕጽምትን ስውኣት ዝተነድቀት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትው ዕድል ኣይንህቦምን። ህዝቢ ኤርትራ ኣሽንኳይዶ ነዞም ዘይረብሑ ከድዓት ውልቀሰባት ንርእሰ ሓያላን ስዒሩ ነጻነቱ ብቕልጽሙ ዘረጋገጸ ተባዕ ህዝቢ’ዩ። ሕጂ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ተጸባይን ጽግዕተኝነትን ነጻ ኮይኑ ኣብ ርእሰ ምርኮሳ ተኣማሚኑ ሃገር ዝሃንጽ ዘሎ ቈራጽ ህዝቢ’ዩ። ውሕስነት መግቢ ድሮ 50% ተረጋጊጹ ኣሎ እቲ ተሪፉና ዘሎ ኣብ ቀረባ እዋን ክብጻሕ’ዩ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!!!

ዓወት ንሓፋሽ!!!

ካብ ግዱሳት ተኸታተልቲ

 

Received on Mon Jul 14 2014 - 06:52:43 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved