Alenalki.com: መድረኽ 40ታት ይድገም ኣሎ-1ይን 2ይን ክፋላት

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 25 May 2014 12:18:28 +0200


 <http://alenalki.com/index.php/alenalki-news/292-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-40%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8B%B5%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8E> መድረኽ 40ታት ይድገም ኣሎ-1ይ ክፋል


25.05.2014


Published on Tuesday, 13 May 2014 18:32

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርብዓታት ንናጽነቱ ብዙሕ ቃልስታት ኣካይዱ። እንተኾነ ግን ብብሪጋዴር ሎንግሪግን ሃጸይ ሃይለስላሰን ነቲ ቃልሲ ንምጕዕጻጽ ብዙሕ ሽርሒታት ፈጺሞም። ብፍላይ ኣቡነ ማርቆስ ኣብ 1944 ዓ/ም ብስም ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኣሳቢቦም ህዝቢ ኤርትራ ንኽመቓቐል ዓቢ ተራ ተጻዊቶም። ንኣብነት ንሕብርት ኢትዮጵያ ዘይፈረመ ብመንፈስ ክሕተት’ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝሞተ’ውን ኣይፍታሕን’ዩ እናበሉ ኣብ ከበሳታት ስብከቶም ቀጺሎም። ብስም እምነት ኣታሊሎም ኣብ ኣስመራ ብዙሕ ፌርማታት ኣኪቦም። ውሑዳት መራሕቲ ሃይማኖት ስነሓሳብ ኣቡነ ማርቆስ ተቐቢሎም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ላዕልን ታሕትን ዝበሉ’ውን ኣይተሳእኑን።

እቲ ዝነበረ ሕልኽላኻት ድማ ንቓልስና ኣናዊሕዎ ኮይኑ ድሕሪ 30 ዓመት ነዊሕን መሪርን ቃልስን መስዋእትን ስንክልናን ድማ ናጽነትና ረኺብና። ኣብ’ቲ ናይ ምርብራብ ቃልሲ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ርእሶም ቆብዕ ዝወደዩ ፈለስቲ ኣብ ጅብኦም ድማ ሽጉጥን ስምን ሒዞም ንሰውራ ኤርትራ ንምጽናት ንኤርትራ ተዘሪኦማ ነይሮም። ነዚ እከይ ተግባር ንኽፍጽሙ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ጉብኦም ዝወሰዱ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ሕጂ’ውን ስርዓት ኢትዮጵያ ክዳን ፈለስቲ ከዲኖም ናጽነትና ንምጕዕጻጽ ሓድነትና ንምብትታን ድሮ ኣዋፊሮሞም ኣለው። መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምጥፋእ ስነ ሓሳብ ኣቡነ ማርቆስ ንምትግባር ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ። ንኣብነት ኣብ 2000 ዓ/ም መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ኢትዮጵያን ኵናት ደው ክብልን ሰላም ንኽሰፍን ጻዕርታት ንኽገብሩ ተራኺቦም ነይሮም። መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ንሰላም ንጽዓር ክብሉ እንከለው መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ግን ንመራሕትኹም ዓሰብ ንኢትዮጵያ ከረክብዋ ከም ዘለዎም ሓብርዎም፣ ዓሰብ ምስ ዘየረክቡ ግን ህዝቢ ኤርትራ ክጸንት ምዃኑ ኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ክትሕከኽ ምዃና ንገርዎም ኢሎም ኣሰናቢቶሞም። መረሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ድማ በሉ ንሕናስ ንሰላም ድኣ ክንጽዕር ይግብኣና እምበር ክትጠፍኡ ኢኹም ክንብል ኣይግባእን እቲ ዝጠፍእ ድማ ኣምላኽ ሒዝዎ ኣሎ ኢሎም ንዓዶም ተመሊሶም።

ኣባ ቶማስ ዮውሃንስ ዝተባህለ ትግራዋይ ፈላሲ ካብ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ነበር ኣቡነ ጳውሎስ ህዝቢ ኤርትራ ፋሕ ብትን ንምእታው ንሱዳን ተላኢኹ። ነቲ ተልኮ ክጅምሮ ኢሉ ምስ ወጠኖ እቲ ኩነታት ከም’ቲ ዝሓሰቦ ኣይጸንሖን። እቲ ዝተላእኮ ናይ ግድን ከተግብሮ ስለ ዝነበሮ ድማ ንኤውሮጳ ኣምሪሑ ንጀርመን ኣትዩ። ኣብ ካስል ኤርትራዊ ኢየ ኢሉ ኣታሊሉ ነቲ ናይ ኤርትራውያን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቍጽጽሩ ኣእትይዎ። ብስም ኤርትራዊ ዑቕባ ሓቲቱ ጀርመን ድማ ተቐቢሎሞ። ወዲ ድሙ ነይሓድግ ግብረ እሙ ከም ዝበሃል ኣብ መዓልቲ ስውኣት ባንዴራ ኤርትራ ኣይተርእዩኒ ኣውርድዋ ኣጥፍእዋ ክብል ጀሚሩ። ኣብ ካስል ንህዝቢ ኤርትራ ከፋፊልዎ። ኣብዚ ጥራሕ ደው ኣይበለን ንገለ ናይ ገንዘብ ህርፋን ዘለዎም ዲያቆናት ገዚኡ ኣብ ትሕቲኡ ከቲብዎም። ዝበልዐት ከብዲ ድማ ድሕር ስለ ዘይትብል ንሱ ዝበሎም ይገብሩ ኣለው። እምባኣርከስ ኣባ ቶማስ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቡነ ጳውሎስ ስለ ዝሞቱ ምስ’ዞም ሓዲሽ ፓትርያርክ ኣብ ኢትዮጵያ ተሸይሞም ዘለው ርክቡ ከደልድል ብተወሳኺ ድማ ምስ ጀነራል መስፍን ኣማረ ንኽራኸብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ኣዋርሓት ገይሩ መጺኡ። ኮይኑ ድማ ንምብትታን ኤርትራውያን ምስ ሊቀ ካህናት ቀሺ መርዓዊ ትግራውይ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ንኽሰርሕ መደብ ሒዙ መጺኡ ኣሎ።

ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ሰይቲ መለስ ዘናዊ ቅድሚ ሞት ብዓልቤታ ወርሒ ወርሒ ናብ ስዊዘርላንድ ክትጐዓዝ ጸኒሓ። ኣብ ዙሪክ ሉዘርን ዙግ እንዳ ተዘዋወረት ንህዝቢ ኤርትራ ብወገን ዓሌት ኣውራጃ ወረዳ ኮታ ብእንዳታት ነንሕድሕዱ ከምዝናቖት መደብ ሰሪዓ፣ ብፍላይ ኣብ ዙግ ኣብ ሓንቲ ትግራወይቲ ገዛ ብምእታው ምስ በዓል ሄኑስ ፍቓዱ ካብ ሳንጋለን ምስ መሳርሕቱ ሕቡእ ኣኼባታት ብምክያድ ሚልዮናት ዶላር ከተሕቍፎም ጸኒሓ። ድሕሪ ሞት መለስ ግን እቲ ኩነታት ተቐይሩ ሄኑስ ፍቓዱ ምስ ክቡር ገብረኪዳን 2ይ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘሎን ሓላፊ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝኾነ ኮምኡን ምስ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኢትዮጵያ ኣብ ስዊዘርላንድ ርክቡ ይቕጽል ኣሎ። በዓል ሄኑስ ፍቓዱ ኵሉ ህዝቢ ፈሊጥዎም ተመኪቶም። ወያነ በዚ ስለ ዘይሰልጦም ሕልሚ ኣቡነ ማርቆስ ንምትግባር ካባ ቤተ ክርስቲያን ኣልቢሶም ንህዝብና ክበታትኑ ሓዲሽ ስልቲ ኣተኣታትዮም ዕሱባት ኣዋፊሮም ኣለው። ወያነ ቍጠባ ኤርትራ ንምድሃኽ ማዕቀብ (እገዳ) ንኽግበር ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን ብተወሳኺ ድማ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንኸይትረክብ ኣብ ኵሉ ቦታ ሓዋላ ገንዘብ ዝሕውሉ ዘርጊሑ። ዕላማ ናይዚ ድማ ሓደ ሓደ ጕሒላታት ነጋዶ ካብ ኤርትራ ገንዘቦም ንኸህድሙ ዝዓለመ’ዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ ገለ ውልቀሰባት ነዚ እከይ ተግባር ሓዋላ ጥራሕ ከይኣኽሎም ኣብ ቤተክርስቲያን ኣትዮም ዕላማ ናይ ወያነ ንምዕዋት ንህዝብና ፋሕ ብትን ብምእታው መርበባቶም ዘርጊሖም ኣለው። ኣሽማቶምን ተግባራቶምን ኣብ መጻኢ ብሰፊሑ ክግለጽ’ዩ፣ ንዝተወሰነ እዋን ኣስማቶም ዓቂብናዮ ኣሎና። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት የማነ ገብርኣብ ኣብ ኣትላንታ እዚ ብሃይማኖት ኣሳቢቦካ ንህዝቢ ፋሕ ንምባል ዝኸይድ ዘሎ ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ሕሉፍ ሓሊፎም ናትና ጳጳሳት ሲኖዶስ ፓትርያርክን ታቦትን እንከሎና ብናይ ምስሪን ኢትዮጵያ ታቦት፣ ጳጳስ፣ ካህንን ኢና ንግልገል ዝብሉ ሃገር ዝሸጡ ፈላስፋታት ተቐልቂሎም ኣለው፣ ነዚኦም ከምቀደምና ንመክቶም ክብል ተላብዩ። ለንዘበን’ውን ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ኣብ ስዊዘርላንድ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ሽርሒ ወያነ ኣመልኪቱ ኵሉ እቲ ሓቂ ተንቲንዎ። ነዞም ካብ 5ተ ዘይበዝሑ ውልቀሰባት ምስ ሓላፊኦም ነዚ ሒዞሞ ዘለው ምብትታን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ኵሉ ህዝቢ ክምክቶምን ኣብ ሃገሩን ኣብ እምነት ኣቦታቱን ደው ክብል ከምዘለዎ ኣስሚርሉ።

ኣብ ኣርብዓታት ኣቡነ ማርቆስ ብስም ሃይማኖት ኣሳቢቦም ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንኽትኣቱ ዓቢ ግደ ተጻዊቶም። ሕጂ’ውን ታሪኽ ይድገም ኣሎ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ኣቡነ ማርቆስ ዕላማ ዝሓዙ ጳጳሳት ኢና ዝብሉ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ለይትን መዓልትን ከይደቀሱ ይሓድሩ ኣለው። ንዝደቀሰ ሰማይ ቀረባ’ዩ ከም ዝበሃል ኤርትራ ነዚኣቶም ስለ ዘይትብጽሖም ህዝቢ እንተ ተናወጸ ኣይንታዮምን’ዩ ምኽንያቱ ደቂ ሃገር ኣይኮኑን ኤርትራ ኣይተወልዱላን ድማ በዚ መሰረት ሕልሚ ወያነ ግሁድ ንምግባር ድሮ እቲ ውጥን ኣብ ስዊዘርላንድ ይሰርሕሉ ኣለው።

ኣብ ፍራንክፉርት ጀርመን ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ቤት ፍርድን ጠበቓታትን ዝመርሕዎ ሕጋዊ ምርጫ ተኻይዱ ከብቅዕ፣ ብሓባር ተሳኒኻ ህዝብኻን እምነትካን ኣምላኽካን ከተገልግል ኣብ ክንዲ ምሕሳብ፣ ህዝቢ ንምፍልላይን ተልእኮ ወያነን ኣቡነ ማርቆስ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናትና ቤተ ክርስቲያን ክንፈሊ ኢና እንዳ በሉ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው። ብሰንኪ እምነት ኣሳቢብካ ፖለቲካዊ ዕላማኻ ንምውቃዕ ንሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ንምእታው ዝግበር ሽርሒ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ኵሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ፍራንክፉርትን ከባቢኡን ድማ ጥንቃቐ ክገብረሉን ከስተውዕለሉን ይግባእ።

ሓፋሽ ህዝብን ዝምልከቶ ኣካልን ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ብዕቱብ ተገንዚቡ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስደሉ ንላቦ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ካብ ግዱሳት ተኸታተልቲ

*************************************************************************************************


 <http://alenalki.com/index.php/alenalki-news/307-%E1%88%98%E1%8B%B5%E1%88%A8%E1%8A%BD-40%E1%89%B3%E1%89%B5-%E1%8B%AD%E1%8B%B5%E1%8C%88%E1%88%9D-%E1%8A%A3%E1%88%8E-2%E1%8B%AD-%E1%8A%AD%E1%8D%8B%E1%88%8D> መድረኽ 40ታት ይድገም ኣሎ -2ይ ክፋል


Published on Monday, 19 May 2014 21:24

ስርዓት ወያነ ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ዘይፈንቀሎ እምኒን ዘይፈሓሶ ገመድን ዮሎን። ሃጸይ ሃይለስላሰ ኤርትራ መሬታ ኣምበር ህዝባስ ኣይደልየንን’ዩ፣ ደርግ’ውን ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ምንጻፍ ኢሎም፣ ወያነው’ን ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ኮይኑ ናይ ኣቦሓጎታቶም ኣሰር ተኸቲሎም ህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ብወገን ብዓሌት ብሃይማኖት ክበታትኑ ፈቲኖም ኣይሰለጦምን። መንእሰይ ኤርትራ ካብ ሃገሮም ንኽጠፍኡ ካብ ኣመሪካ ምሊዮናት ዶላር ተኸፊሎም ህጻናት ቈልዑ ደቂ 12 ክሳብ 18 ዝዕድሚኦም ኣብ ሓለዋ ከብቲ ተዋፊሮም ዝጸንሑን ኣብ ቤት ትምህርቲ ትምህርቶም ዝከታተሉ ዘለው መንእሰያት ንኢትዮጵያ ኣትዮም ኣብ ውሱን መዓልቲ ንኣመሪካ ከም ዝበጽሑ ጐስጓስ ይግበረሎም ኣሎ። በዚ መሰረት ኣብ ኢትዮጵያ ድራር ኣዛብእ ዝኾኑ፣ ኣብ ሰሃራ ዝጠፍኡ፣ ኣብ ባሕሪ ድራር ዓሳ ዝኾኑ፣ ኣብ በረኻታት ጨውዮም ኵሊቶም ዝወሰድሎም ውሑዳት ኣይኮኑን። እቶም ብሰላም ንኢታሊ ዝኣተው ኣብ ሒማቕ ኩነታት ኣለው። ህዝቢ ኤርትራ ብጣዕሚ ተደናጋጺ’ዩ፣ ንዓመታት ዝኣክል ኣብ ገዝኡ እንዳ ኣዐንገሊ ብገንዘቡ ካብ ኢታሊ ናብ ካልኦት ሃገራት ከሰጋግሮም ጸኒሑ፣ ሕጂ ግን ህዝብና በዚሕዎን ናብራ ኪፊእዎን ከም’ቲ ናይ ቀደም ክትሓባበሮም ኣይከኣለን። ኣብ ሮማን ሚላኖን ኣብ ጐደናታትን ሜትሮን ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ምስ ጥሙይ ከብዶም ተዓምጺጾም ይድቅሱ ኣለው። እዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብጥሜትን ዓጸቦን እንዳ ሃለቑ እንከለው ተሰዲዶም ኣብ ጐደናታት ኤውሮጳ ክድቅሱ ኣይተረእዩን። ወያነን ስዓብቶምን ንህዝብና ንምብትታን፣ ታሪኽ ኤርትራ፣ ታሪኽ ጽንዓትን ሓድነትን ጀግንነትን እንከንሱ ነዚ ንምብራዝ ኮታ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ምስ’ቲ ኵሉ ሽግርን ጸበባን ከምዚ ናይ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ጐደናታት ዓዲ ጥልያን ዝረአ ዘሎ ዝጋነን ኣሃዝ ኣይነበረን። ኤውሮጳ ጽቡቕ መሲልዎም ገንዘብ ክኣርዩ ኢሎም ኣብ ባሕርን በረኻን ዝጠፍኡ ዘለው፣ መንእሰያት ነዚ ኣጋጢምዎም ዘሎ ጥሜትን ቍርን ሕሰምን ባዕሎም ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክገልጽዎ እሞ ነቲ ብድሕሪኦም ጽቡቕ መሲልዎም ዝብገሱ ዘለው መንእሰያት ዋላ ናይ ናብራ ጸገም እንተለኩም ተጻወርዎ ኣብ ሃገርኩም ቀጥ በሉ ክብልዎም ንላቦ።

ሕጂ ሓንትን ናይ መወዳእታን ፈተነ ወያነ ንኤርትራ ንምጕባጥ ወይ ከኣ ናቶም ኣገልገልቲ ዝዀንዎም ባዕሎም ናይ ተቓወምቲ ኢሎም ዝጠፍጠፍዎም ወይጦታት ከድዓት ደቂ ሃገር መሪሕነት ንምትካል ብመንገዲ ናቱ ነቲ ዓባይ ትግራይ ዝብልዎ ከም ዝደለይዎ ገይሮም ኤርትራ ንኸውዘኽዙኽላ ዝሓለንዎ ኣተሓሳስባን ሕልምን ንምትግባር እንኮ ተሪፋቶም ዘላ ንመንእሰይ ኤርትራ ናብ ምሉእ ዓለም ፋሕፋሕ ኣቢልካ ዝግበር ዘሎ ናይ መጨረሻ ውዲትኩምን ሽርሕኹምን ኣይሰሓትናዮን ህዝቢ ኤርትራን መንእሰይን ከኣ ነዚ ጉዳይዚ ነቒሑ ክቃለሰሉን ክምክቶን ይግባእ። እዞም ኣብ ደገ ኮንኩም ገንዘብ እንዳ ተቐበልኩም ንምጽናት መንእሰያት ተዋፊርኩም ዘሎኹም ኣይንፍለጥን ኢና ዝብል ኣተሓሳስባ ክህልወኩም ይኽእል ይኸውን እዚ ግን የዋህነት ጥራሕ’ዩ። እዚ ድማ መዓልቱ በሊዑ ኣብ ሰዓቱን ኣብ ግዚኡን ክድዓት ሃገርን ወንጀል ገበንን ምዃኑ ተረዲእኩም ናይ ደምን ሂወተን ተሓተቲ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትፍረድሉ መዓልቲ ርሑቕ ኣይኮነን።

ዘሎናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዓለም ኣብ ሓንቲ ዓንኬል ብሓንቲ ደቒቕን ካልኢትን ብረቂቕ ተክኖሎጂን ስነ ሓሳብን ካብ ምብራቕ ንምዕራብ ካብ ሰሜን ንደቡብ ትራኸበሉ ዘላ እዋን በጺሕና ኣሎና። ሕሱር ታሪኽ ዝጐሓፎም ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ውልቀሰባትን ምስ ብዙሕ ኢትዮጵያውያን ብስም ኤርትራውያን ተጠቂሞም ነቲ ክበጽሕዎ ደልዮም ዘለው ዕላማ እንተ ኮይንሎም ደይ መደይ ኢልካ ሃገርን ህዝብን ምክፍፋልን ምዕናውን ሓድነት ምብትታኽን እምነት ምጕዳልን ምጥርጣርን ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዊ ጥፈሻን ሕሱር መድረኽ ረጊጽዎ ዝሓለፈ ኣረጊት ስነሓሳብ ንምትግባር ጥልዕ ጕንብሕ ክብሉ ንርእዮም ኣሎና። እዞም መጋበርያ ጸላኢ ዝኾኑ ነቲ ከም ዓረ ዝተረረ ኤርትራውነትን ሓድነትን መልክዑ ንምቕያር ዝተላእኩ ወይጦታትን ሃሱሳትን ተመሊሶም እንተኾነልና ብዝብል ናይ 19 ክፍለ ዘመን ጥምዙሕ ኣተሓሳስብኦም ስለ ዘይደቀስሉ ከበራብርዎ ይሓስቡ እንተ ሃልዮም ይትፈፍ ንሕና ካብ ኣቦሓጎታትናን ኣቦታትናን ኣባናው’ን ዝወረደ በሰላን ሕላገትን ነቲ ሕጂ ዝውለድ ኤርትራዊ ህጻን’ውን እንተኾነ ከደናግርዎ ኣይክእሉን እዮም።

ንኣብነት ከም በዓል ወልዱን፣ ገብረሚካኤል ተወልደን ምስ ሰዓብቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ተልእኮ ወያነ ንምፍጻም ማሕበር ሰራየ መስሪቶም ንህዝቢ ኤርትራ ክኸፋፍልዮም ለይትን መዓልትን ከይደቀሱ ይሓድሩ ኣለው። ወልዱ ነዚ ተግባር ንምፍጻም ካብ ወያነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቪላ ገዛን ላንድክሩዘር መኪናን ዝተዋህበ ውልቀሰብ እዩ። ገብረሚካኤል ተወልደ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ወያነ ኣብ ኣራው ምስ ሓሙሻይ ርእሱ ወርሓዊ ደሞዝ ዝወስድ ዘሎ ወይጦ እዩ። ካልኦት’ውን ኣብ ሉዘርን፣ ዙሪክ፣ ሶሎተርን፣ በርን፣ ሳንጋለን፣ ሉጋኖ፣ ቢልቨን፣ ካብ ወያነ ዶሞዝ ዝኽፈሉ ወይጦታት ኣለው ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ኣስማቶም ኣብ መጻኢ ክንዝርግሖ ኢና። ብፍላይ ገለ ወይጦታት ሓለይቲ ሃይማኖት መሲሎም ኣብ ሃይማኖት ተሸጕጦም ኣትዮም ናይ ወያነ ተልእኮ ንምፍጻም ህዝብና ቀሲኑ ብሃገሩን ህዝቡን ሃይማኖትን ንኸይሓስብ ኣብ ውሽጡ ኣትዮም ንስኻ ናይ መን ደጋፊ ኢኻ እንዳበሉ ህዝብና ተጠራጢሩ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ንኽገድፎ ዓቢ ተራ ይጸወቱ ኣለው። እንተ ኾይንሎም ድማ እተን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ወያነ ክመሓደራ እንተ ዘይኮነሎም ድማ ፋሕ ንኸብላ ይጓየዩ ኣለው።

በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ማሕበር መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ቅዋምን ዕላምኡን ንመንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣረኪቦም ብሕጊ ዝተመዝገበ ማሕበር’ዩ። ማሕበረኮም ኤርትራውያን ከምቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ማሕበር ኣብ ስዊዘርላንድ ዘሎ ማሕበርኮም ሕጊ ስዊዘርላን ብዝእዝዞ መሰረት ኣብ ብዙሕ ቦታ ብሕጊ ተመስሪቱ ኣሎ። ይኹን እምበር ከምቲ ትግራዋይ በርሀ ተኪኤ ደስታ ኣብ ሽወደን ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ክቃጸል ኣለዎ ዝብል ዝነበረ በዓል ገብረሚካኤል ተወልደ ኣብ ስዊዘርላንድ ዕላማ ናይ በርሀ ሒዞም ይጐዓዙ ኣለው። ገብረሚካኤል ተወልደ ኣብ ኣራው ስዊዘርላንድ ማሕበረኮም መአከቢ ኣደራሽ ንኸይረክብ ሓደ ካብቶም ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለው’ዩ። ኣስዒቡ ነቶም ኣብ ኣኼባታት መንእሰያት ዝሳተፉ ኤርትራውያን ኣብ ቤተ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ብሓሶት እንዳ ጠቀነ ምንቅስቓሳት ከሊእዎም ኣሎ። ዝኾነ መንእሰይ ዋላ ሓንቲ ዝመጾ ነገር የብሉን ምኽንያቱ እቲ ማሕበር መንእሰይ ብሕጊ ዝተመስረተ እዩ። ዕላማ ናይ ገብረሚካኤል ነቶም መንእሰያት ሞራሎም ንምስባር እንተ ዘይኮይኑ ዘፍርዮ ፍረ የብሉን። ንኣባላት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣብ You tubeን Internet ኢንተርነትን ርኢናክን ኣሎና ተጠንቀቓ ንሕጂ ሓሊፍናዮ ኣሎና እንተ ዘይኮይኑ ፓስፖርትኽን ክትግደፋ ኢኺን እንዳ በለ ዘፈራርሐን ደቂ ኣንስትዮ ውሑዳት ኣይኮናን። ኣዚ ፍጻሜ’ዚ ነቶም ለኣኽቱ ዓጊቦም ክኾኑ ይኽእሉ። ንዓና ንኤርትራውያን ግን ዝያዳ ዘብልሓናን መሊሱ ዘሕንነናን ዘጠንቅቐናን ብዝያዳ ድማ ሓድነትና ዘጽንዓናን ቀጥ ዘብለና ደኣምበር ዘሰንብደናን ዘጕህየናን ኣይኮነን። ኣንቱም ውልቀ ከድዓት ድማ ኢድኩም እንተ ሰሓብኩምን ኣተሓስባኹምን እንተቐየርኩምን መርሓባ ንብለኩም ነቶም ዕላማኦም ከተግብሩ ዝተላእኩ ከኣ ምሕረት የውርደልኩም ነዚ ክትሓልሙ ኣይትድከሙ፡ ገንዘብኩምን ግዜኹምን ተጥፍኡ ዘሎኹም ገመል ሰሪቕካ ጕምብሕ ጕንብሕ ናይ ሌባ ጻድቕ ስራሕኩም ግደፍዎ ፈሊጥናኩምን ንፈልጠኩምን ኢና።

ብወያነ ተላኢኽኩም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ትፍጽምዎ ዘለኹም ምናልባት ኣብ ደገ ኣሎና ኢልኩም ነፍስኹም ከተደዓዕሱ ትኽእሉ ትኾኑ እንተኾነ ግን ጽባሕ ንግሆ ህዝቢ ኤርትራ ክሓተኩም ምኻኑ ንሕብረኩም። ብዙሓት ኣብ ደገ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በደል ዝፈጽሙ ግብኦም ወሲዶም እዮም።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ካብ ግዱሳት ተኸታተልቲ

 

Received on Sun May 25 2014 - 06:20:06 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved