World News

ህጹጽ ተበግሶ ዘድልዮ ጉዳይ፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 25 March 2020

       ኩሉ ድሕሪ ብሂወት ምህላውና እዩ። ኣሽሓት ሂወት ዝተኸፍለ፡ ሚልዮናት ንምድሓን እዩ። ሕጂ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይለስ ብስምረትን ትኽረትን ዝምከት ድኣንበር ብጥይትን ቦምባን ኣይኮነን። እዚ ህዝቢ ዓለም ከጥፍእ ዝተበገሰ ለበዳ ህዝብና ከይተጠቅዔ ነድሕኖ። ሳላ ሓድነትናን ፍቕሪ ሃገርናን ህዝብናን፡ ውግእ ንነጻነት ስዒርና፡ ወራር ወያነ ደምሲስና፡ ቤት ፍርዲ ዓለም ተዓዊትና፡ እገዳ ብሓያል ጽንዓት ኣፍሺልና፡ ሕጂውን ነዚ ለበዳ ከይቀደመና ንቐድሞ። ኩልና ከከም ዓቕምና ንድሕነት ህዝብና ቀሪቡ ዘሎ ጻዊዒት ተቐቢልና ቁልጡፍ ስጉምቲ ንውሰድ። ሎሚ ኢዱ ዘይሓወሰ ብቕሳነት ክነብር ዘይሕሰብ እዩ። ህዝብና ዝድሕነሉ ሕልናና ዝዓርፈሉ ታሪኽና ብኣወንታ ንመዋእል ዝዝከረሉ ውሕስነት መጻኢ ትውልዲ ተዓቂቡሉ ዝነብር ስራሕ ንስራሕ፡፡ ሓያላት መንግስታት ዘርዓደ ለበዳ ብጥሙር ተበግሶና ነልምሶ። ፍቕሪ ህዝብናን ጥምረት ሓድነትናን ዳግም ንህዝቢ ዓለም ነርእዮ። 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events