World News

“ንምክልኻል ኮሮና- ምብራኽ ንቕሓትና!”

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 20 March 2020

ኮሮና ቫይረስ 

“ንምክልኻል ኮሮና- ምብራኽ ንቕሓትና!”

የቻይና ቫይረስGETTY IMAGESኖቭል ኮሮና ቫይረስ 
ብ ተስፋኣለም 

ጥልያን ምድረ ኤርትራ ምስ ረገጸ፡ ከም ኩሎም ገዛእቲ ሓይልታት ዝገብርዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕግን ስርዓትን ናብቲ ዝገዝእዎ ህዝቢ ናይ ምስራጽ ስራሕ፡ ክደግም ኣይተራእየን። ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣዝዩ ስልጡን ኮይኑ ስለዝረኸቦ፡ ብሕጉን ስርዓቱን ከምዝነበሮ ክቕጽል ፈቒዱ። መዛግብ ታሪኽን ሰነዳት ኢጣልያውያን ጸሓፍትን’ውን እንተኾነ ነዚ ሓቅታት እዮም ዘረጋግጹ።

45 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ብጽፍሒ ሓላፍነት ምሕደራ ዝሰርሐ ጸሓፊ ታሪኽ ኣልቤርቶ ፖሌራ፡ ኣብ ሰሜን፡ ደቡብ፡ ምዕራብን ምብራቕን ኤርትራ ናይ ዝርከብ ህዝቢ፡ ተማእዛዝነት ሕግን ተቐባልነት ሓበሬታን ዘጉልሕ ረቀቕቲ መረዳእታት ኣቕሪቡ እዩ ሓሊፉ።

ውዳበ ምስጢር ዓወት ሓርነታዊ ቃልሲ ሕብረተሰብ ኤርትራ እዩ ኔሩ፡፡ እቲ “ኣይከውንን እዩ” ዝተባህለ ገድሊ ኤርትራ “ብይኸውን እዩ” ንኽዛዘም ኣኽኢሉ። ሓዳስ ሃገር ንዝተፈላለየ ሰፋሕቲ መደባት ከም መስርሕ ረፈረንዱም፡ ምዝገባ ዜግነትን ካልኦት ዓበይቲ መደባትን ንምትግባር ዘኽኣሉ ምስጢራት’ውን፡ ምዕቡል ባህሊ ውዳበ እዩ።
ብመዳይ ጥዕና፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሽቶታት ሚሊንዩም ክዕወት ዘኽኣሎ ምስጢራት ክብርታቱ እዮም፡፡ ምዕቡልን ንቑሕን ሕብረተሰብ ብዘርኣዮ ትግሃት፡ ተሳታፍነትን ንጥፈትን ምዃኑ’ውን ኣብ እዋኑ ይወጽእ ብዝነበረ ሓበሬታት ንምርዳእ ኣየሸግርን። ብምሕቡር ናብራ ህይወቱ ዝመርሕ፡ ንማእቶታት ከም ያታ፡ ንወለንታውነት ከም ቅቡል ወግዒ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኬሰጋግሮ ጸኒሑን ኣሎን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ወትሩ ንእወታዊ ሓሳባት ፊተ መሪሕ ብምዃን ይቕልሶ።

ንፋስ ሓበሬታ ኮቭድ19 ዝዓነቱ ቫይረስ ኮሮና ፡ ካብ ሃዋን ምድረ ቻይና ፋልማይ መቓልሕ ምስ ኣስምዐ፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝወርድ ሓበሬታታት ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብእኡ ንብእኡ ንስራሕ ተበጊሱ። ለብዒን ዝርግሐን ናይቲ ካብ ቻይና ናብ ኣውሮጳን ገለ ክፋል ማእከላይ ምብራቕ ከይ ለሓመ ገና እቲ ሓበሬታ ብግቡእ ተመሓላሊፉ።

ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ዝተደኰና መደበራት፡ ማእከላት ጥዕናን ክሊንክን ሆስፒታላትን ዝርከበን ከባቢታት ኤርትራ፡ ብሰብ ሞያ ጥዕና ምዝርጋሕ ኣድላዪ ሓበሬታ ቫይረስ ኮሮና ኣየቋረጸን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ዞባ ካብ 11 ክሳብ 15 ዝኣባላታ ናይ ሓበሬታን ምርምርን ብእተካይዶ ቀጻሊ ዳህሳስ፡ ኣብ ምክትታል ዘይንቡር ምልክታትን ሕማማትን ብኣጋኡ ንምፍታሕ ክሕግዝ ጸኒሑን ኣሎን። ግደ መራኸቢ ብዙሃን’ውን ዕዙዝ እዩ።

ካብ ባሕቲ ጥሪ 1979 ምዕባለታት ገድላዊ ቃልሱን ደሃይ ደቁን ብምስማዕ ካብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ሓበሬታ ከም እኽለ ማይ ዝምገብ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ኣካል ስሩዕ መደብ ዝኾነ ጥዕና፡ ኣብ ምቕሳም ጥዕናዊ ፍልጠት ዝነበሮ ግደ ቀሊል ኣይነበረን። ብመልክዕ መጽሔት ጩራ ጥዕና እናተዳለወ ናብ መላእ ሕብረተሰብ ክበጽሕ ዝስራሓሉ ዝነበረ ስራሕ’ውን ኣበርክቶኡ ዓብይ እዩ። እዚ ሎሚ ብተለቪዥን ዶክተራት ኣብ ስቱድዮ፡ ጩራ ጥዕና፡ ሻካቡርን ካልኦትን ብስሩዕን ዘይስሩዕ ዝቐርብ መደብ ከምኡ’ውን ብጋዜጣ ዝሰናዳእ ስሩዕ ዓንቀጽ ኣብ ራድዮ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዳለው መደባት፡ ጥዕናዊ ትምህርቲ ኣብ ቤትካ ንዝብል ሓሳባት ዝትርጉም እዩ።

ኣብዚ እዋን’ውን፡ ብክኢላታት ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ምምሕዳራትን ኣብያተ ትምህርትን ዝወሃብ ዘሎ መበረኺ ንቕሓት ዝኾነ ሓበሬታ፡ ቀልጢፉ ናብ ኩሉ ክባጽሕ ሓጊዙ እዩ። ብመራኸቢ ብዙሃን ሃገርና’ውን ብስሩዕ ዝቕጽል ዘሎ እዋውነትን ወድዓውነትን ሓበሬታ ክንዮ ዜናዊ ትሕዝቶ ዝኸይድ ኣስተምህሮታት ኣዝዩ ዓብይ እዩ። እቲ ስራሕ ብኹሉ ቋንቋታትን ብተደጋጋምን ይወሃብ ኣሎ። ሕብረተሰብ ኤርትራ ነቲ ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸላኺልካ ጥዕና ዝብል መርሓ ብምኽታል፡ “ንምክልኻል ኮሮና- ሕጂ’ውን ምብራኽ ንቕሓትና!” ክብል ይስማዕን። ናይ ምክልኻል ዕማም ንምዕዋት ይጽዕት!

=

ኮሮና ቫይረስ

ብምኽንያት’ዚ ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ ረኽሲ ናይ ሳንቡእ ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ።
ብፍላይ ድማ ኣረጋውያን(ዓበይቲ)፣ ምሉእ ጥዕና ዘይብሎም ሰባት ወይ ድማ ሕማም
ዘለዎም ሰባት ብኸቢድ ክሓሙ ይኽእሉ እዮም።

ምኽሪ ንኹሉ ሰብ:

  • *ናብ ብዙሕሰብ ዘለዎቦታታት ኣይትኺድ።
  • *ዝከኣል እንተኾይኑ ኣብ ቤትካ ኮይንካ ስራሕካ ስራሕ።
  • *ካብ ካልኦት ሰባት 2 ሜትሮ ርሓቕ። ንኣብነት ናብ ድኳን ብምኻድ ኣስቤዛ ኣብ ትገብረሉ እዋን።

ምኽሪ ንምልክታት (ጥርዓናት) ዘለዎም ሰባት:

ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት 1 ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝህልወካ ካብ ቤትካ ኣይትውጻእ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ጥቓ ካልኦት ሰባት
ኣይትቕረብ።

  • *ሰዓል
  • *ምሕንጣስ
  • *ንፋጥ ወይ ጸረርታ ናይ ኣፍንጫ
  • *ቃንዛ ናይ ጎሮሮ
  • *ረስኒ

ምኽሪ ንኣረጋውያን(ዓበይቲ)፣ ምሉእ ጥዕና ንዘይብሎም ሰባት ወይ ድማ ሕማም ንዘለዎም ሰባት፡

  • *ዝከኣል እንተ ኾይኑ ብኣውቶቡስ፡ ትራም ወይ ድማ ብባቡር ኣይትንቀሳቐስ።
  • *ቤተሰብን መሓዙትን(ፈተውትን) ምልክታት ( ከም ሰዓል፥ቃንዛ ጎሮሮ ከምኡ’ውን ረስኒ) ምስ ዝህልዎም ናብ ቤትካ ክመጹ ኣይግባእን።

  • *ንስኻ’ውን እዞም ምልክታት ናብ ዘለዎም ሰባት ክትበጽሕ ኣይትኪድ ።

እንታይ ክትገብር ይግባኣካ?

ነዞም ዝስዕቡ ጠቐምቲ ምኽርታት ንተዓዘብ፣

.ኣብ መዓልቲ ደጋጊምካ የእዳውካ ብሳምና ተሓጸብ። መንጎ ኣጻብዕትኻ ውን ጽቡቕ ጌርካ ሕጸቦ።

.ኣብ እትሕንጥሰሉ ወይ ድማ እትስዕለሉ እዋን መንዲል ወይ ድማ ሶፍት ተጠቀም።

ወይ ድማ ኣብ ብርኪ ኢድካ (ኢድካ ብምዕጻፍ) ክትሕንጥስን ክትስዕልን ይግባእ።

ብኢድካ ሰላም ኣይትበል!

pharos.nl

 Tesfalem Gebreslaseie 





6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events