ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኮቪድ 19 ካብ ዝጅምር ድሮ ሳይሳይ ወርሑ ኣሕሊፉ ኣሎ። ኣዝዩ ቅልጡፍ ብዝኾነ ምልባዕ ናብ ኩለን ክፍለ ዓለማት ተዘርጊሑ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ክልከፉ ከለዉ፡ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት ህይወቶም ክሓልፍ ክኢሉ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝተለኽፈ ሰብ እዃ እንተዘየለ፡ ብኣየር መሬትን ባሕርን ምስ ዝተፈላለያ በቲ ለበዳ ምስ ዝተጸልዋ ሃገራት ስለ እንራኸብ፡ ኮሮና ቫይረስ ናብ ሃገርና ከይኣትው ክንከላኸልን ንኹሉ እንተታት ድልዋት ክንከውንን መድረኽ ዝጠልቦ ጉዳይ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ የቕርብ፡
1. ኣፍልጦ ህዝቢ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ኮቪድ 19 ክብ ንምባል ቀጻሊ ጎስጓስ ብማዕከናት ዜና ከካይድ ምዃኑ እናፍለጠ፡ ህዝቢ ንዝወጽእ ሓበሬታ ምክትታል ክገብር ይሕተት።
2. ኩሎም ካብን ናብን ኤርትራ ክገሹ መደብ ዘውጽኡ ኤርትራዉያን ይዂኑ ወጻእተኛታት፡ ነዚ ዘሎና ወቕቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንድሕነቶምን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብምሕላይ፡ መገሻታቶም ኪውንዝፉ ይምሕጸን።
3. ሚኒስትሪ ጥዕና ቀጻሊ ምክትታል ብምግባር፡ ንናህሪ ዝግርሐን ካልኦት ኣመትቲ ረቛሒታትን ናይዚ ለበዳ ብምግምጋም፡ ምስኡ ዝሳነ ውሳነታትን ሓበሬታትን ኪህብ እዩ።
4. ካብ ሃገራት ቻይና ኢጣልያን ደቡብ ኮርያን ኢራንን ብቐጥታ ወይ ትራንዚት ናብ ኤርትራ ኪኣትው ዝሓቱ ገያሾ ኪውሸቡ ምዃኖም ነፍልጥ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
11 መጋቢት 2020
ኣስመራ