World News

* እዋኑ ሓያል'ዩ * ለባምን ጽኑዕ ሰብን ከኣ ይሓትት * ካብ ብርዒ ሓቂ

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Tuesday, 11 February 2020






ዝኸበርክን/ኩምን ፡ ብህላወ ናጽነት ዝግደስ ኤርትራዊ፡
* እዋኑ ሓያል'ዩ * ለባምን ጽኑዕ ሰብን ከኣ ይሓትት* ተባሂሉ ብዙሕ ግዜ ከም ኣራስቲ ይለዓል'ዩ፡ መኽኒያቱ ንግዜ ምንባብ ኣገዳሲ ጥራይ ዝይኮነ፡ ንግዜ ከም መጽዓኛ ብሉጓም ስሒቦም ስለረብሓኦም ንገደል ከህትፍዎ ንርኢ ስለዘለና፡
*ግዜ ግን * ኣብ ሞንጎ ሓቂን ሓሶትን ተቐርቂሩ፡ ከም ሕሱም ክለሀን፡ ኣየናይ ገዲፉ ነየና ከም ዝስዕብ ሳላ፡ ሰብ ሓቂን ታሪኽን፡ ሰብ ሪምን መሬትን፡ ሰብ ናጽነትን ዝተኸፍለ መስዋእትን፡ ነቲ ዝተሰከምዎ ሕድሪ፡ 
ሰብ ውልቀረብሓ  ብመሰንተር ኣጋንንቲ ሰቲሮም ንንፋስን ህቦብላን ከይከውን ብትብዓት ገቲሮም ስለዝሓዝዎ፡ *ግዜ* ካብ ኣጻድፍ ገደል ድሒኑ ፡ ኣብ ሌጣ ጎላጉል እናኣኽደደ ህልዊ ኩነት ከመዝግብ ደብተሩ 
ከፊቱ ንርእዮ ኣሎና፡ ካብዚ ሓቂ ክሃድሙ ዕሽር'ኳ እንተዘያኸሉ፡ ሳላ ምወላ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ከም ፕላስቲክ ዕጽፍ ዝርግሕ እናበሉ፡ ካብ ኣብ ውሻጠ ኮምፕዩተር ኮንካ ምንባሕ፡ ኣብ ምስራቕ ያታዊ 
ባህልን ምብራዝ ወርቃዊ ታሪኽ  ናይዚ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ጎይታ መኸተ፡ ዝጸሓፉሎም ድርሰት ከምብቡን፡ ኣብ ናይ ጥፈኣት መድረኽ ክለሃዩን ካብ ንዕዘብ ግዜ ኣቕጺሩ ኣሎ፡
እዚ ምህሙን ፈተነ ግን፡ ካብ ግዜን ቁጠባን ምብኻን ሓሊፉ ዘውቅዮ ውቐይ የልቦን፡
እቲምንታይሲ፡ ብናፓልን ፋሽሽታዊ ግፍዒን ዘይተዳህለ ህዝቢ
በዚ ደርሆ ፋሕቲራ ትረኽቦ ሉሕሉሕ ሽጣራ ዝደናገር ዜጋ ስለዘየሎ፡
እንተሎ ከኣ፡ እቲ ብገበን ዝሕተትን ናይ መንነት ቅልውላውን ዘለዎ እዩ፡
እቶም ገለ ቁንጣሮ ዝተደናገሩ ከኣ፡ * ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ* ምኹኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ፡
መኽንያቱ *** ሪም የረማርም'ዩ****
ሞጎስን ክብሪን ንጀጋኑ ሰማእታትና፡
ዓወት ንሓፋሽ !
 © ብርዒ ሓቂ፡



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events