World News

ክልተ ኣዕሩኽ በበይኑ ውድባዊ እምነት ዘለዎም። ቁምነገር ሓዘል ዕላል።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 06 February 2020

ኽልተ ኣዕሩኽ በበይኑ ውድባዊ እምነት ዘለዎም ሓደ ግዜ ከምዚ ኢሎም የዕልሉ ነበሩ። እቲ ሓደ ኣንታ ሻዕብያ  ከም ሓውሲ ጸርፊ ጌሩ ነቲ ዓርኩ ይጽውዖ። እቲ ድማ እሂ ኣንታ ጀብሃ ይብሎ። ትቅብል ኣቢሉ ጀብሃ መዛርብትኻ ኣይኮነትን ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረት እያ ይብሎ። እቲ ድማ ልክዕ ኣሎኻ ግን ሻዕብያ ብረታዊ ቃልሲ ደምዲማ ዓወት ከምዘምጽኤት ዘንጊዕካ ይብሎ።  ኮምኡውን ጀብሃ ከም ዝጀመረት እምበር ከም ዝጠፍኤት ግን ኣይተዛረብካን ይብሎ።  እቲ ድማ ኣይጠፍኤትን ተሓቢኣላ ይብሎ።  እዋእ 30 ዓመታት ተሓብኤት ድኣ መዓስያ ትቃላዕ ኢሉ ካዕካዕ በላ።  ኢቲ ስሒቑ እቲ ኣንጸርጺሩ ተፋላልዮም።  እቶም ንጀብሃ ጽቡቕን ኩፉእን ታሪኻ ሒዛ ዝጠፍኤ ሓንቲ ሰማያዊት ባንደራ ሒዞም ዓንገረን ዝብሉ ዘለዉ ከም ንምዉት ምውቃስ ምዃኑ እንተዝግንዘቡ ምሓሸ።  ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ታረኽ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ኣካል ታርኽ ኣፍሪቃን ዓለምን ምዃኑ ኩልና ንገንዘቦ። ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ታሪኽ ጩቁን ተቓሊሱ ክዕወት ከም ዝኽእል ዘመስከረ ሰውራዊ ኣብነት እዩ።
ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ሞጎስ ንሓርበኛታትና
ሞሳ ንምክልኻል ሓይልታትና
ጽንዓትን ፍቕርን ንህዝብና
ዓወት ንሓፍሽ።
ገብረንጉስ መስመር።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events