World News

Pictures / Report - ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውን ዓ/ብሪጣንያ ካልኣይ ጉባኤኡ - ኣቃኒዑ

Posted by: Yared Tesfay

Date: Tuesday, 04 February 2020

"2ይ ጉባኤ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራዊያን ብድረጃ ዓባይ ብሪጣኒያ ዉሁድ ውዳበ፡ ንስኒት

፡ ንሕውየት፡ ንልምዓት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ኮቨንተሪ ተቃኒዑ"

ኣብ'ቲ ብ 2 ለካቲት 2020
ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያን ሰሜን ኣየርላንድ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማሪያም ኣብ ዝተረክበሉ ካብ መላእ ዓባይ ብሪጣኒያ ካብ 11 ከተማታት ኤርትራዊያ ወከልቲ 40 ውዳቤታት ኣብ ዝተረክብሉ።

ብኣቦ መንበር ሃገራዊ ሽማግለ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ኣብ መክፈቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘቅረቦ ቃል ንዕላማን መድረካዊ ዕላማ 2ይ ዋዕል ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ ቃል ፥ 2ይ ጉባኤ ሃገራዊ ሽማግለ ዓባይ ብሪጣኒያ ብከቢድ መስዋእቲ ፥ ኣብ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መዋእልን ዳግመ ንህንጸት ሃገር ተበጊስናሉ ኣብ ዘለና ይሰላሰል ብምህላው ፥ ነቲ ጉባኤ ንምዕዋት ንዝሰርሑ ኣመስጊኑ ፥ ዕውት ዋዕላ ንክከውነሎም ድማ ተመኒዩ።

ኣስዒቡ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያን ሰሜን ኣየርላንድን ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማሪያም ኣብ ዘስምዖ ቃል ፥ 2ይ ዋዕላ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራዊያን ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ ፉሉይ መድረክን ሓድሽ መዋእል ይካየድ ብምህላው ፥ ከም ኣብ ዞባ 4 ግንባር መከተን ልምዓን እንርከብ ኣብ መድባት ህንጸትን ልምዓትን ብሓፈሻ ፥ ኣብ መከተን ህዝባዊ ዲፕሎማስን ፥ ምሕያል ኮማትን ውዳቤታትን ፥ ዘሰክሞ ሓላፍነት ልዑል'ዩ ድሕሪ ምባሉ - ንመስርሕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያ ፥ ብሓፈሻ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብጺሒዎ ዘሎ ደረጃን ኣብ ዲፕሎማሲያውን ፥ ሓባራዊ ጽምዶን ሽርክነትን ፥ፖለትካውን ቁጠባውን ኣመልኪቱ ንተሳተፍቲ 2ይ ጉባኤ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡን ፥ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ጎዶቦናን ዞባናን ብሓፈሻ ኣብ መድረካት ዓለም ፥ መርገጽን ቁኑዕነትን ኤርትራ ጎሊሑ ዝወጸሉን ዝትራእየሉዩ ኢሉ።

ኣስዒቡ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ፥ ኣብ ዘቤታዊ መደባት ዕዮ ፥ ህንጸትን ልምዓትን ኣመልኪቱ ፥ ኣብ ምህናጽን ምጽጋንን ምግፋሕን ሓደስቲ ጽርግያታት ፥ ጽዓት ፥ኣገልግሎት ቀረብ ማይን ፥ ንምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ሕርሻን ፥ ምጽጋንን ምህናጽን ምግፋሕ ወደባትን ፥ ምዝዛም ህንጸት ዓበይቲ ዲጋታት ፥ ኣብ ምምዕባል ዓቅሚ ሰብን ፥ ወፍሪ ዜጋታት ናብ ሃገርን ፤ ንምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ብምልኣት ንምርገጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ ዓበይቲ መደባት ህንጸትን ልምዓትን ተበጊሶም ምህላዎም ብዝርዝር መብርሂ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ፥ ተረኪቡ ዘሎ ሰላም ንምዕቃቡ ኣብ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መዋእል ህንጸትን ልምዓትን ኩሉ ዜጋ ብትግሃት ተሩኡ ከበርክት ፥ ውዳቤታትን ማሕበረ ኮማትን ምሕያል ዝዓበየ ናይ ዘለናዮ መድረክን ዝጥልቦ ብሙኳኑ ፥ 2ይ ጉባኤ ሃገራዊ ሽማግለ ዓባይ ብሪጣኒያ ፥ ብሓድሽ መንፈስን ሓይልን ዘንቅሎን ናብ ኣድማዕን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘበግስ ፥ ተጋባእቲ ዓሙቅ ዘተ ከካይዱን - ምስ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መዋእልን ንብድሆታቱ ዝበቅዕ መደባት ስራሕ ሒዙ ክወጽእ ኣዘካኪሩ።
ኣስዒቡ፡ ኣቶ ቴድሮስ ጐይትኦም ሓ/ህዝባውን ኮማውን ጉዳያይት፡ ንዕላማ፡ ተልእኾነ፡ ቅርጽን ኣወዳድባን ሃገራዊ ሽማግለ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ። 

ጉባኤ ኣብ ዝሰዓበ ዛዕብኡ፡ ናይ 5 ዓመታት ዝርዝር ገምጋማዊ ጸብጻብ፡ ብኣቦ መንበር ኣቶ ኣሕመድ መሓመድን ጸሓፊ ኣቶ መሓሪ እስቲፋኖስን ቀሪቡሉ።  ዘተ ብምክያድ ኣጽዲቑ።

ድሕሪ'ዚ ዝቀጸለ መደብ መስርሕ ምርጫ'ዩ። ጉባኤ ንኣገባብ ምርጫን ረቛሒታት ውክልናታትን፡
ምርድዳእ ብምግባር፡ ኣብ ዝሰዓበ መስርሕ ንኽልተ ዓመት ዝዓይያ፡ ሓንቲ 7 ዝእባላታ መሪሕነትን ከምኡ ኸኣ 3 ዝኣባላታ ተቖጻጻሪት ኮሚተን ተመሪጸን።

ኣብ 2020ን ክኔውን ኣተክሮን ቀዳምነታትን ውጥን ስራሕ ሃገራዊ ሽማግለ ብዘርኢ ሓባራዊ መረዳእታ ዝሃነጸ ሰፊሕ ዘተ ብምክያድ፡ ጉባኤ ብስሙር ድምጺ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ። 



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events