World News

ተኸታቲሎም ዝመጹ ተጻብኦታ ከገርሙና ኣይግብኦምን፡ ከከም ኣመጻጽእኦም ምምካቶ ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 04 February 2020

ተጻብኦታት ኣሜርካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ንቡዙሕ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሔ እዩ። ሓደ ተሳዒሩ ካልእ ይምጻ፡ ንሱ ይሕምሸሽ፡ ድሕሪኡ ካልእ ይስዕብ፡ ንሱውን ይፈሽል፡ መመዳእታ ኣይተረኽቦን ዘሎ።  ንሶም ክብዱሉና፡ ንሕና ክንምክቶም ብዙሕ ዓመታት ኢና ተቓሊስና። ዎዮድኣ ጽኑዕ መሪሕነትን ሓያል ህዝብን ቁኑዕ መትከልን ዉፉይ ሰራዊትን  ሃልዩና እምበር እንተነውሔ ኣብ ካልእይ ሳልሳይ ፈተነ መምበርከኹና ኔሮም።  ነተን ከማና ጽኑዕን ጥርኑፍን ህዝቢን ዉፉይ መሪሒነትን ዘይብለን ሃገራት ህዝበን ፈላልዮም፡ ክብሪ መንግስተን በታቲኖም፡ ሬሳ ደቂ ኣዳም ብጠያይት ተቖልዩ፡ ብመዳፍዕ ሓሪሩ፡ ቃሬት ክሽትት ገሮሞ እንድዮም። ከተማታተን ናብ ምስሊ ኣስከረን ቀይሮሞ።  ነዚ ምስ ዝምነዩ ኤርትራውያንን  ሓሳድ ጎረባብቲ ንነብር ከም ዘለና ነስተውዕል።  ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ ዕጥቂ ሓድነት፡ እምነት፡ ጽንዓትን እዩ። ነዘን ሰለስተ መሰረታውያን ዕጥቂ ስለ ዝወነንና ኢና ኣብ ዘጋጥሙና ብድሆታት ተዓዊትና ጸብለል ኢልና ንወጽእ። እንተ ብሓያላን ዝወርደና ዘሎ ሃየንታ ቀጻሊ ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ምእንቲ ገባቲ ድሌታቶም፡  ድሌታትና ኣይንሸይጥን።  እናሃሰሰ ይኸይድ ከምዘሎ ንምፍላጥ ግን ታሪኾም ኣብ ዝሓለፉ ሚእቲ ዓመታትን ሕጅን ነመዛዝኖ። ኒሕና ካብ ኣርባዓታት ክሳብ ሕጂ ዘለናዮ ደረጃ ንምብጻሕ  ዝወሰደልና ግዜን፡  ዘመዝገብናዮ ዓወታትን፡  ኣብ ዓለም ዝነበረና ቦታን ሕጂ ዘሎናዮን ንወከስ።
ካብዛ ሓላል መሬት ከድዓት እንተዘይርከቡና ኔሮም ኮምኡውን ጎረባብትና ሓሳዳት እንተዘይነብሩ፡ ኣብ ሃገርናን ጎረባብትናን ከባቢናን ብስእነት ይኹን ሕማም ዝሳቐ ፍጡር ኣይምነበረን። ጸጋናን ልውህናና ተደሚሩ ንኹሉ ምኣኸለ።                                                          ሕጂውን ምስ ተሓንኮሉ ንዝሕንኮሉ ምድሓን፡ ታሪኽ ጅግንነትና ሙሉእ ኮይኑ ንዝመጹ ዎሎዶታት መወከስን ውርሻን ገርና ክንሓልፍ እሎና። ጽኑዕ ሓቀኛ ታሪኽ ዘይብሉ ዎሎዶ ተናዒቑ ይነብር። ስለዚ ኢና ኤርትራውያን መዋእል ኣቦሓጎታትናን ኣቦታትናን ሕጆ ድማ ናትና ኣብ ቃልሲ ስለ ጥጡሕ ውርሻ ዝሓለፈን ዝሓልፍ ዘሎን።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events