World News

ሃብታማትን ሰፋሕትን ዓሞቕትን ሃገራውያን ደቀ'ባት መበቆላውያን ቛንቛታትናን ክቡራት ባህልታትናን ነማዕብልን ንዓቅብን!!!

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 16 January 2020

*ኣብ ክንዲ ዛዕባ ወይ ድማ እርእስቲ "ቴማ" ትበሃል ዘይፈትዋ ባዕዳዊት ቃልን ካልኦትን ብዓላማ ክጥቀም ፍጹም ድሉው ኣይኮንኩን።

ማዕከናት ዘና ወይ ሓበሬታ ሃገርናን ብዙሓት ውልቀ ሰባትን ያኢ ሃብታምን ሰፊሕን ዓሚቕን ቛንቛ ትግርኛ ቃላት ከም ዝወሓዶም ሰኣን ለባማት/በላሕቲ ኣቦ ሓጎታትና… ኣቦታትና/ዓባያትና…ኣዴታትና ምሂዞምን ዓቂቦምን ዘጽንሑልና ወሓለ ቃላት ተመራሚሮምን ፍሒሮምን ኣብ ክንዲ ምውጻእ፣ ወግሐ ጸብሐ "ቴማ" እናበሉ ኣእዛንና ከጽምሙና ከለዉ፣ ስጋ'ቦይ ኢለ ብሕርቃን ከብደይ እዩ ዕግርግር ዝብለኒ። እም ቛንቛና ብቓላት ሃብታምን ገላጽን ስለ ዝኾነ፣ ትግርኛ ክንጽሕፍን ክንዛረብን ከሎና፣ ብተኻእለ መጠን ከም ኣሕምልቲ ከይሓዋወስና ብጽሩይ ትግርኛ ጥራይ ይኹን ሓደራ!!!

 

ወደ'ባት ቛንቛ ትግርኛ ምስ ባዕዳውያን ቛንቛታት ከም ጸብሒ ኣልጫ ሓዋዊስካ እንተ ተዛረብካ፣ ንርእስኻ ከም "ምሁርን ፈላጥን ሊቕን" ምቑጻር ከይመስለካ፣ እቲ ምንታይ'ሲ ብዙሓት ማእከላይ ትምህርቲ ወይ ምልከት ባዕዳውያን ቛንቛ ዘሎዎምን ከም'ኡውን ናይ ትምህርቲ ዕድላት ረኺቦም "ሊቃውንቲ" [በቢ ዓውዲ ትምህርቶም ፈላጣት] ዝኾኑ ሰባት መብዛሕቶም ብፍላይ እዞም ዳሕረዎት ዝተጠቕሱ ብምሉኦም ካብ ሕብረተ-ሰቦም ጸብለል ኢሎም ክረኣዩ እዩ ዝመስሎም መስለኒ ቓንቁኦምን ቛንቛ ባዕዳውያንን ከም ጥረ'ምረ ሓዋዊሶም ብዘሐዝን ደርጃ ኣብ ፈቐዶ መድረኻትን መጋብኣያታትን ኣብ ተራ መራኸቢታትን ክዋስኡ ይረእዩ። ኣቦታትና'ሲ "ምሁር ዶንቆሮ" ዝብልዎ'ስ ከም'ዚ ምስ ተዓዘቡ'ኳ እዮም።

 

ስለዚ ፈላጥን ለባምን ኩቡርን ዘብለካ ቛንቛታት ባዕዳውያን ምስ ናይ ኣዴኻ ቛንቛ ሓዋዊስካን ለዋዊስካን እንተ ተዛረብካ ዘይኮነስ፣ ኣብ ዓለም ብህይወት ስጋብ ዘሎኻ ነቲ ኸብዱ ከይመልአን ዝባኑ ከም'ቲ ዝድለ ከይከደነ ዘምሃረካ ለባም ሕብረተሰብን ህዝብን ኣቦኻን ኣዴኻን ሓውኻን ሓብትኻን ብጾትካን ጽጉማትን ከም ዓቕምኻ ብግብሪ ምስ ትሕግዝን ትረድእን፣ ምስኦም ኣብ ባይታ ወሪድካ በቲ ብቐሊል ዝርድእዎን መበቆላዊ ቛንቁኦም ብትሕትናን ምሉእ ክብርን ብዘይ ተጉላባን ኣንነትን ትዕቢትን በቲ ክቡርን ሕቡንን ቛንቛኻ ምስ ካልእ ከይሓዋወስካ ምስ ትዋሳእን ብፍላይ፣ ምስ ኩሉ ኣብ ከባቢኻ ዝነበር ህዝቢ ዓለም'ውን ክብሩ ከይተከፍካን ከየስተናዕቕካን ተኸባቢርካ ብተዛማዲ ሕውነትን ብሰላምን ምስ ትነብር ድማ ብሓፈሻ ጥራይ እዩ።

 

ኽቡር ባህልታትናን ቛንቛታትናን ይማዕብሉን ይዓምብቡን ንዘንተ-ዕለት [ንዘልኣለም] ብባዕዳዉያን ከይተጀልሑ ይተዓቀቡ!!!

 

 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events