Date: Friday, 01 November 2019
ትካል ስለያ ኣመሪካ፡ ሲ-ኣይ-ኤ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ምእላይ "ውጥን ሽርሒ" ኣውጺኡ ነይሩ ክብል፤ ሚኒስትሪ ዜና ከሲሱ።
ኣብቲ ሎሚ ባሕቲ ሕዳር፡ ኣብ ትሕቲ 'ካብ ምስጢራዊ ሰነዳት ትማሊ' ዝብል ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብቲ "ሽርሒ" ተሳቲፎም ናይ ዝበሎም ዝርዝር ኣስማት'ውን ኣውጺኡ'ሎ።
እቲ ዝተባህለ "ውጥን" ኣብ 2011 ኣብ ኬንያ ዝተገብረ ከም ዝነበረ ዝጠቅስ እቲ መግለጺ፡ እቲ መደብ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተወልዐ ብ"ቐውዒ ዓረብ" ዝፍለጥ ሰውራ ምዃኑ'ውን ይዛረብ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ መግለጺ፡ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ'ውን "ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ንምስይጣን" ምስቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ "ሓይልታት ሽበራ" ምትእስሳር ኣለዎ ዝብል "ጸለመ" ይዝርግሕ ነይሩ ክብል ጠቒሱ።
ኣመሪካን እስራኤልን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝሃበኦ ግብረመልሲ የለን።
ርእይቶታት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ንምርካብ፡ ናብ ኤምባሲታተንን፡ ናብ ሚኒስትሪታት ጉዳያት ወጻኢን ዝገበርናዮ ናይ ስልኪ ፈተነታት ኣይሰመረን።
እቲ መግለጺ፡ "ቀንዲ ትሕዝቶ" ዝበሎም ዕላማታት ናይቲ "ውጥን" እውን ኣስፊሩ'ሎ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ ናይ ኣጽዋር እገዳን ምድስካል ሃብቲ ገለ ሰበስልጣንን ኣካል ናይቲ "ናይ ስርዓት ለውጢ" ምንባሩ እውን እቲ ዝወጸ ጽሑፍ ይጠቕስ።
ውድብ ሕቡራት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን፡ ዋሕዚ ስደት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን መንሰያትን'ውን ኣካል ናይቲ መደብ ምንባሩ እቲ መግለጺ ገሊጹ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ጠንቂ ፍልሰት ናይቶም መንእሰያት፡ ምዕራባውያን ናይ ስለያ ትካላት'የን ክብል ከም ዝጸንሐ ይዝከር።