Date: Thursday, 11 July 2019
ሳ ዋ
ምርኩስ ዘይብሉ ካብ ዘይህሉ
ዘይጋገ ‘ምበር ዝጋገ ከይህሉ!
ወያነ ናብ መቐለ ምስ ተዳጎነ
ሰይጣን እናበኸየ ናብ የሱስ ለመነ፡
ኣብ ብርኩ ተደፊኡ ንስኻ መሓሪ ኢኻ‘ሞ ምሓረኒ
ምሕረት ዘይፈልጡ ‘ለው ዝጎዩኒ
ወትሃደራተይ ኩሎም ተኣሲሮምኒ
ንበይነይ ተሪፈ በጃኻ ምሓረኒ ምሓረኒ፡
የሱስ፡—ገሪምዎ«መጺኡ ግዜ ሰይጣን ትበኽየሉ
ከምኡ ‘ዉን አብ ብርከይ ትወድቀሉ፧
በዓል መን‘ዮም ጎዮምኻ እስከ ንገረኒ፧
ተመስገን ኣቦ እንቋዕ እዚ ኣርኣኻኒ»
ሰይጣን፡— ኣይፈልጦምን‘የ ኣነዉን
ኣብ መዝገበይ ዉን የለውን
እዋየ ዋየ እንታይ ክገብር‘የ
ክሕብረካ ግን ይኽእል‘የ
ሰይጣን ንየሱስ ኣብቲ ቦታ ምስ ኣብጽሖ
ኣብቲ ኣፍደገ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ጸንሖ
ኣብዚ ‘ሎ ወርቂ
ኢሰያስ አፍወርቂ
የሱስ፡— ክሓቶ ኢሉ ክሳዱ ተዘወረ
ድሮ ሰይጣን ካብኡ ተሰወረ
ከፊቱ እንተኣተወ ሓደ ሰብ መርሖ
ንላዕሊ ተጠመተ ሓደ ጽሑፍ ጸንሖ
ምርኩስ ዘይብሉ ካብዘይህሉ
ዘይጋገ ‘ምበር ዝጋገ ከይህሉ!
ድሕሪ ናይ ሰላምታ ምልዉዋጥ
ክርስቶስ፡— ሽምካ ነጊርካኒ ኢሰያስ ኣፍወርቂ
ንሰይጣን ተብኪ ተዉድቕ ኣብ ብርኪ
መን ኢኻ ንስኻ ናይ መን ዓርኪ፧
ኢሰያስ፡— ዓዉ ኢሉ ይጽዉዕ «ፍ ሊ ጶ ስ!፝»
ፍሊጶስ፡—« እንታይ ክሕግዝ»፧
ኢሰያስ፡— «ሳ ዋ!»
ፍሊጶስ፡—ድሕሪ ምስ የሱስ ሰላምታ ምልዉዋጥ
«ምርኩስ (ሞባይል) ኣሎካ‘ዶ»፧
የሱስ— እወ! መጽሓፍ ቅዱስ ኣዉጺኡ ይህቦ
ፍሊጶስ፡—«እዚ ንግዚኡ ኣይሰርሕንዩ ኣብ ሳዋ»
ካልእ ሜላ‘ ሎና ንሰይጣን ዘዕንዋ
እንታይ መስለካ ቀደም ከለና ናኣሽቱ
ሓደ ነጋዳይ እንዳ ሻሂ ‘ተ ኸፊቱ
እንተደኣ ርእዮሞ መኽሰብ ንኸእቱ
ኩሎም ነጋዶ ‘ዮም እንዳ ሻሂ ዝኸፍቱ
እንተደኣ ቤት ሕጽቦ ከፊቱ
ከምኣ ‘ዮም ዝኸፍቱ ኣብታ ፊቱ፡
እዞም ክዳንካ ተኸዲኖም ኮለል ዝብሉ‘ቕሽሽቲ
ዳርጋ ከምኣቶም ‘ዮም ስሱዓት ቀሸሽቲ
የሱስ— ስኣን ሳዋ ሳዋ ሳዋ ሳዋ
እዚ ርጉም ሰይጣ ንኹላ የዕንይዋ
እንታይ ተሪፍዋ ኩላ ጠቕሊሉዋ
ብሓሰዉቲ ‘ቕሽሽቲ ኩላ መሊኡዋ
ሕጅስ የላን ምሕረት ኣንታ ዕከት
ንዓ ክትኣቱ ‘ኻ ኣብ ሰንሰለት
ሳዋ ሳዋ ሳዋ ሳዋ ሳዋ
ሳዋ ‘ዛ ብ ራ ዋ
ዲሲፕሊን ኣ ለ ዋ
እንቋዕ ረኣኹዋ
ንዑ ር ኣ ዩ ዋ
ተስፋይ ትኳቦ
ካርልስሩሀ
ጀርመን