World News

Book Review

Posted by: hbokure@aol.com

Date: Wednesday, 10 July 2019

ኣርእስቲ መጽሓፍ፡ ፍርዲ ሞት ንዘይመውት
ደራሳይ፡ ሌ/ኮ ባህታ ሚካኤል
       እዚ ታሪኻዊ ጽሑፍ፡ መንቀሊኡ እቲ ብሰላሕታን፡ ብጥበብን፡ ብምስትውዓልን ዝተኻየደ ስልታዊ ምዝላቅ (strategic withdrawl) ክኸውን ከሎ፡ ግዚኡ ብ1978 ኣቢሉ ነበረ። ሽዕኡ ደርጊ ክንዲ ሽሾ ዝዀኑ ወተሃደራት ብዘመናዊን ከበድትን መሳርያታት ኣዕጢቁ ክወርር ዝተሸባሸበሉ ግዜ ምዃኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከሎኹ ብዓይነይ ዝረኣኽዎ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም “ስለምንታይ ህዝባዊ ግንባር ሰሓበ?”  ዝብል ሓተታ ምቅራቦም ኣይተረፈን። ኣብዚ መጽሓፍ ግና፡ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ብዝጥዕም ብምዕራድ እንዳተኸላኸልካ፡ ንወራር ሓይሊ ኣብ ዝተናውሔ ግዜ ንምድኻምን፡ ላሕ ንምባልን ዝዓለመ (tactical combat) ከም ዝዀነ ክግንዘብ ክኢለ። ብሓደ ወገን፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዝላቅ፡ ምስቲ “ ኣፍ እቲ ሃህ ኢሉካ ዝመጸ ኣንበሳ ርሓቅ” ዝብል ምስላ ሃገርና ዝገጥም ይመስል። ስለ  ኣብ ዝጥዕመካ ተዳሊኻ ክትምክቶ እትኽእል።
       ናብ’ቲ ኣርእስተ ጹሑፍ ንምምላስ፡ ኣብቶም ሓራ ቦታታት ዝነበሩ ከበድቲ ንብረትን መጓዓዓዝያ መካይንን ጽዕኒካ ምዝላቅ ቀሊል ኣይነበረን። በቲ ብመዓልቲ ንተዋጋእቲ ነፈርቲ ቃልዕ ኣብ ርእሲ ምዃን፡ ብሓደ ወገን ከኣ ዓበይቲ መኪናታት ካብ መጠን ንላዕሊ ጽዒንካ በቲ ዓቃብ መንገዲ-ጎቦታት ምኻድ ቀሊል ኣይነበረን። ንኣብነት ሓንቲ ዘታው መሪሓ  ክትከይድ ከላ ስለ ዝተሰብረት፣ ንብድሕሪኣ ዝነበራ መካይን ዓገተተን። እሞ ከኣ ኣብ ጽንኩር ምግዓዝ ግዜ። ብዘይ ውዕል-ሕደር ንምጽጋና ምእንቲ ግዜ ከይወስድ፣ ምስ ኣቁሑታ ናብቲ ሽው ዝበለ ምጽዳፋ ኰነ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነት፡ ካብቲ ማዕበል ባሕሪ እንታይ ይፈልዮ?
       እዚ ኹሉ ዕንቅፋት ድሕሪ ምስጋር፡ ኣብታ ካብ ዶብ ኤርትራ ሓሙሳ ኪሎመተር ርሒቃ እትርከብ ሓውሲ ከተማ  ማለት “መራፊት” (ከም ወደብ ምድረ-በዳ ህዝባዊ ግንባር እትፍለጥ)፡  ገሊኦም ተጋደልቲ ብዓረያ መካይን ኣዝዮም ሙኩራትን ተበላሓትን ዝኹኑ ጋራጅ ሃነጹ። ነተን ካብ ካርቱም ንፖርት-ሱዳን ስዋኪን ድሕሪኡ ንሜዳ መግብን ነዳድን ተጻዒነን ዝኸዳ ዝነበራ መዓልትን ለይትን ብምዕራይ ክምኡ ብምህንዳስ ዘርኣይዎ ተወፋይነት ንምርዳእ ውሽጡን ውሻጤኡን ናይቲ መጽሓፍ ምንባብ የድሊ።
       ኣዝዩ ዘስተንክር ድማ  ኢዩ።  
       ስለምንታይ?
 ክፍሊ መጓዓዓዝያ ህዝባዊ ግንባር ካብ ክፍሊ ጥዕናን፡ ትምህርትን፡ ምክልኻል ሓይሊን  ፈሊኻ ዘይርኣይ ኢዩ ዝነበረ። ከም መሳለጢ ሓርነታዊ ቃልሲ ብምዃኑ። ሓሊፉ ተሪፉ፡ ጋራጅ መራፊት ንዓረያ መካይን ጥራይ ከይኰነስ፡ ንኣማስይኡ ንዝዓብዩ ዝነበሩ ቆልዑ ከም መሰልጠኒ ማእከል ኰይኑ ብምግልጋል ፍጹም መርኣያ ምዃኑ ኣይሰሕትን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣባላት ጋራጅ ምስ’ቲ ዝተረፈ ህዝቢ መራፊት ጽቡቕ ምሕዝነት ብምፍጣር፡ ንዳሕራዩ ኣብ ጽንኩር ግዜ  ከመይ ገይሩ ከም ዝጠቀሞ ተዘርዚሩ ኣሎ።
       ግን እዚ ዀይኑ፡ ኣብ መበል ሻዱሻይ ወራር መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዝገበርዎ ስምምዕ መሰረት፡ ንህዝባዊ ግንባር ቅድም ቀዳድም ብቑጠባ መዳይ ወራር ከካይዱ ተሃንደዱ። ብፍላይ ደራሲ ነዚ መንስአ ብምግባር፡ ንመጽሓፉ “ፍርዲ ሞት ንዘይመውት” ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝሃቦ የረድኣና።
       ኣይሞተን ድማ ንዳሕራዩ ከም ዝድምደም። ማለት እቲ ግምባር።
        ነዚ ንምትግባር፡ መጓጓዓዚ መንገድታት (Supply Lines) ምዕጋት ብተዘዋዋሪ መንገዲ  እውን ንጋራጅ መራፊት ምዕጻው ኣድለየ። ይኹን እምበር ንኸምዚ ዝኣመሰለ እገዳ፡ እሞ ከኣ ልኡኻት ፖሊስ ሱዳን ዝተኻፈልዎ፡ ተጋደልቲ ብጥበብን፡ ብምምስጣርን፡ ብምብልሓትን ከመይ ጌይሮም ከም ዝመከትዎ ደራሲ ክዝርዘርልና ይገርመካ። ምኽንያቱ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብረታዊ ጥራይ ከይኮነስ፣  እንተላይ ጒርሒ፡ ብልሒ ኣተሓሳስባ (mental acuity) ከምኡ ጥበብ (tactfulness) ዘድልዮ ምንባሩ የረድኣና።
       ሻዱሻይ ወራር እቲ ብዙሓት ተጋደልቲ ዝተሰውእሉ ይፈሽል። ስለ ኣብ ዝጥዕም ዕርዲ ምክያዱ። በዚ’ውን በዓሉ ግርማ “ እኛ ከተፈጥሮ ጋር ነን የምንዋጋ፡ ኦሮማይ!” ዝበሎ ናይቲ ዝስዕብ ግጥም ማለት “ሰላሕታ ወራር” ወሳኒን ዛዛሚን ይኸውን።
       ማለት ናጽነት ኤርትራ።
       ኣነ ብወገነይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ብረታዊ ድኣ’ምበር፡ መጓዓዓዝያ ክፍሊ እንታይ ኣስተዋጽኦ ከም ዝነበሮ ኣየስተብሃልኩልን። በዚ ዝኣክል፡  ህዝባዊ ግንባር መንግስቲ እምበር፡ ውድብ ከም ዘይኰነ ክርዳእ ክኢለ። ምኽንያቱ ማዕረ ክንድ’ዚ ዝኣኽላ ዓበይቲ ጽዕነታት መካይን ገሊኤን ሓደሽቲ ካብ ሃገር ጀርመን ዝመጻ ክርኢ…። ብፍላይ ኣብዚ መጽሓፍ ስዕልታተን ብብዝሒ ኣሎ።
       ኣብ መደምደምታ፡ ምስ ተጋደልቲ ብጹሑፍ ዝመጸ ኩሉ ግዜ ምስ ተኻታዕኹ ኢየ። ብፍላይ ቃልሶም ኣብ ምምዝጋብ ብዘመልክት! ግናኸ ምሒር ትሕትና ስለ ዝስምዖም፣ ከምኡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ተቃላስይ ጌይሮም ስለ ዝርእይዎ፣ ኣዝዩ ኢዩ ዝኸብዶም።
       ኣይስሕቶን ድማ ኢየ።
ግን ጽሑፍ ተወራሲ ስለ ዝገብሮ፡ ናይ ርሑቕ ምሕሳብ የድልየና። በዚ’ውን ተጋዳላይ ብሌ/ኮ ባህታ ሚካኤል ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስተንክር መጽሓፍ ብምድላው ክምስገን ይግባእ።
 
ሃይለ ቦኹረ      

No photo description available.

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events