World News

ኤርትራዊ ሃገራዊ ክሕደት`ዶ፣ ብጻያዊ ጥልመት ወይ`ሲ ብድምር ክልቲኡ? „ዓሻስ ብላዕ ከይበልዎ፣ ጽብሑለይ ይብል“

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Saturday, 30 March 2019

ፖለቲካዊ ሽርሙጥናን በለጽን ምስልዩነትን ሃገራዊ ጥልመትን ክሕደትን ኣምባሳደር ነበር ሃይለ መንቀርዮስ።[መቐጸልታ እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ኣርእስቲን ጽሕፍትን]

ሃይለ መንቀርዮስ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ነበርን፣ ፖለቲካዊ ዀሸምሸምን ሽርክነት ምስ ስርዓት ህውሓት ዝፈለመሉ ከም ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ናይ`ዚ መረጋገጺ ድማ ድሕሪ ኣብ „ጉጅለ-15‘`ዝበሃል ናብ መንግስታዊ ዕልዋ ጋንታ ዝተጸምበረሉን ዝፈሸለሉን ግዜ፣ ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን ዓለማውን ኣህጉራውን መጋባኣያታት ኣንጻር ሃገረ ኤርትራ ስጋብ ሕጂ ዘካየዶ መደናገርን ኣዕናውን ንጥፈታትን ስነ-እእምሮኣዊ ግሉጽ ወራርን ሸርሕን እዩ።

እዚ ውልቀ-ሰብ`ዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝብገስ ዝነበረ ምምስራት ቅዋማዊ መንግስቲ ንምዕንቃፍ ኣብ ውሽጢ መንግስቲን ግምባርን ሕቡእ ናይ ዕልዋ መንግስቲ ጉጅለ ብምፍጣር ኣብቲ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ ሃገራዊ ክሕደት [ ኣብ ግዜ ኲናት ንጸላኢ ሃገራዊ ምስጢር ምልሓኽ] ጉዶምን ፍሽለቶምን ንምሽፋን ከም ሕሉፋት ተጣበቕቲ „ደሞክራሲ“ ኮንካ ምርኣይ ምስ ጉጅለኡ ፈቲኑ እዩ። እቲ ዕላማ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ፈሸለ ድማ፣

• ኤርትራዊ ዜግነቱን ማንነቱን ደርብዩ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዜጋ ንምዃን መሪጹ
• ካብ ምግልጋል ሃገር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቁጹር ኮይኑ ስጋብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ
• እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ናቱ ውሳኔን ምርጫን እኳ እንተኾነ፣ በቲ ዝረኸቦ ዓለምለኻዊ ናይ ስራሕ ዕድል ተጠቒሙ ምስ ባዕዳውያን ጎይቶቱን መሻርኽቱ መሳፍንቲ ህውሓት ብሓባር ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ መጋብኣያታት ሃገራትን ዓለምን ኣንጻር ኤርትራን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ኮይኑ ሞጐቱን ብዕሊ ሰሪሑን እዩ፣ ሕጅ`ውን እንተኾነ ካብ ክቱር ዓቕሊ ጽበት ዝተበገሰ እቲ እኩይን ነውራምን ሃገራዊ ጥልመት ገና ይቕጽሎ ኣሎ።

እዚ ኹሉ ውሽጣውን ግዳማውን ሸርሕታት ብሳላ ህዝባዊ መከተ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ሰራዊቱን ብትንትን ኣትይዎ ዕርቃኑ ምስ ወጸ ድማ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልትታት ብስም „ኣዲስ ወግ“ ብትግርኛ „ሓድሽ ወግዒ“ ብኢትዮጵያውያን ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ በዚ መጸ ከይተባህለ ድርግም ኢሉ ኣትዩ ብዛዕባ እታ ቀደም ጠንጢኑዋ ዝኸደን ኣንጻራን ንዕንወታን ከይተሓለለ ዝሰርሕ ዝነበረን ኤርትራ፣ ብዘይ ሕፍረት ክዛረብን ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ኣፈናዊ ናይ ሰላም መስርሕ ኣብ ሕቶ ምልክትን ጥርጣረን ከእቱን እንተ ኽኢሉውን ኽዓናቕፎን ካብ`ዚ ሓሊፉ`ውን ነታ ጎይትኡ ጭፍራ ህውሓት ትብለን መዝሙር ክደግምን ክጣበቐላን ክከላኸለላን ፍሹል ፈተነ ጌሩ። ካብ`ዚ ተበጊሰ እየ ኸኣ "ዓሻስ ብላዕ ከይበልዎ፣ ጽብሑለይ ይብል“ ብዝብል ኣርእስቲ ሓጻር ሕጥበ-ጽሑፈይ ዝጀመርኩ።

ዕሉል ሃይል መንቀርዮስ፣ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ መጋብኣያ ብዛዕባ`ቲ ዘይሕጋዊ ማዕቀብን ግጭት ኤርትራን ጅቡቲን ካልእን ብሓንቲ ካናዳዊት ተሓቲቱ ከም „ኤርትራዊ“ ዝሃቦ ዘሕፍርን ነውራም መልስን ስጋብ ኤርትራዊን ጸሊምን ምኻኑን ዝረስዔ`ዩ ዝመስል ኔሩ። ኣብ ቅድሚ'ቶም ጎይቶቱን ኣሸቀልቱን ጸዓዱ ድማ ከም ኣብ ውራያ ስዋኣ ዝጠዓመላ ዝመሰላ በሃም [በሶሮ] ሰበይቲ ስጋብ ዝመስል እቲ ኩሩዕን ሕቡንን ኤርትራዊ መንነቱን ኣፍሪቃዊ መበቆሉን ረሲዑ፣ "ኣነ ኣብዚ ምሳኹም እየ ዓብየ፣ኣብዚ እየ ተማሂረ…" እናበለ ብምቅብጣር፣ ኣብ'ቲ ዝተሓተ ባይታ ወሪዱ ኮሸምሸም ክብልን ኣብ ሉቕምጽና ጥሒሉ ከይሓፈረ ክምድርን ኣብ ቅድሚ ምሉእ ዓለም ተራእዩ። ግዜ ንምቑጣብን ባዕልኹም ሰሚዕኩም ክትመዝንዎን ግን፣ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ጌረ ኣብ ታሕቲ ኣመሓላሊፈዮ ኣሎኹ። ግን ብእንግልሽ እዩ፣ ካባኻትኩም ጠለብ እንተ ኣልዩ ድማ ጸገም የለን ምስ ግዜ ተርጒመ ክልጥፍፎ እኽእል እየ።

„ዘይሓፍር ድሙስ፣ ገብረማያም ስሙ“ ወይ ድማ "ኣብ ዘይምልከተክን፣ ኣይተእትዋ ኢድክን"  ብዝብል ውሑድ ካብ ሓያሎይ ምስላ ለባማትን በላሕትን ኣቦታትና ወራዙት ኣዴታትናን ጌረ ድማ ኣብ`ዚ ይዓጹ፣ ኣይተስተወሓድዎ ኽኣ!!!

ኣብዚ ታሕቲ ዘለዋ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፋት ሕርሕራይ ጌርኩም ጠዊቕኩም ስምዕወን።

https://www.youtube.com/watch?v=fBJOcBnKGag

https://www.youtube.com/watch?v=P_wOsvCNhqo

እዚ ዎ`ደሓንኩም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!!!
ብርሃነ ሃብተማርያም
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

ኤርትራዊ ሃገራዊ ክሕደት`ዶ፣ ብጻያዊ ጥልመት ወይ`ሲ ብድምር ክልቲኡ?

ብመራሒ ጉጅለ-15 ዝፍለጥ ሃይለ ወልደትንሳኤ [ድሩዕ] ገለ ኣባላት ግምባርን መንግስትን ነበር ተሓባበርቱን ወኪሉ፣ ኣብ`ቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ውግእ ብሸምገልቲ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን መንገዲ ኣቢሉ ንጸላእትና ዓሌታዊ ስርዓት ህውሓት ዝምቡዕ ምስጢር ምምጣዉ [ምሕላፉ] ሃገራዊ ክሕደት ምፍጻሙን ብጭብጢ እንክግለጽ...........

ሃገርና ኤርትራ ኣንጻር ኣረሜናዊ ወራሪ ህውሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ርሱን ውግእ [1998-2000] እንከላ፣ ብኣብ`ቲ እዋን`ቲ ናይ መንግስትን ሃገረ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ዝነበረ ሃይለ ድሩዕ ብመንገዲ ዓረቕቲ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ጌሩ ንጸላእትና ህውሓት ናይ ሓሶትን ኣጸላምን [ጠቃኒ] ምስጢራዊ መልእኽቲ ከም`ዚ ዝስዕብ ኣመሓላሊፉ፣

„ካብቲ ሓያሎይ ዛጊት ብዕሊ ዘይተገልጸ ሓደ ንኡስ ክፋል ኣብ ብራሰልስ ቤልጁም ኣብ`ቲ ግዜ ውግእ ዝነበረሉ ዓቢ ናይ ሰላም ድርድር ኣኼባ ስለ ዝነበረ ሃይለ ድሩዕን ኣነን ካልኦትን መልእኽተኛታት ኤርትራ ዝነበርናዮ፣ ሃይለ ድሩዕ ንወያነ ብገለ ገላገልቲ ዝነበሩ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ወጻእተኛታት ጌሩ 'ምስ ዝዓበደ ኣይትዕበዱ ምስ ተጸለለ ኣይትጸለሉ ዕድል ንኽለኣዮም። ስለዚ እዚ ኲናት`ዚ ኢሳይያስ እዩ ጀሚሩዎ፣ ንስኹም ግን ኣይትእተዉ ናብ ኲናት ኣይትእተዉ ምስ ዕቡድ ኣይትዕበዱ ኲናት ምስ ተኣወጀ ንስኹም'`ውን ነቲ ህዝቢ ኣብ ክስታይ ኣይተእትውዎ እያ ኔራ እታ መልእኽቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰደዳ ባዕሉ [ሓወይ ሃይለ ወልደትንሳኤ 'ድሩዕ'] ንዓይ ዝነገረኒ.............. " ኢሉ ሰንጋል ወደልደትንሳኤ ብምስክርነቱ ኣብ መቛየቚ ድሕረ ገጽ ተዛሪቡ።

ነዚ ፍጹም ንኽትኣምኖ ኣዝዩ ዘሸግርን ፍጹም ሓላፍነት ዝጐደሎን ካብ ከምኡ ዝኣመሰለ ከም ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ መንግስትን ኣባልን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባርን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን ሰብ ዘይትጽበዮ መርድእ፣ ሃገር ብሃርጓምን ጎባጢትን ስርዓት መሳፍንቲ ሕውሓት ወራር ምኽንያት ኣብ ርሱን ናይ ሞትን ሂወትን ኲናት ተጸሚዳ ንድሕነታን ልዑላውነታን ኣብ ትከላኸለሉን ትዋደቐሉን ከቢድ መስዋእቲ ኣብ ትኸፍለሉን ዘነበረትሉ ህሞት ብጣዕሚ ተኣፋፍን ወሳኒ ግን ጠቃኒ ሃገራዊ ምስጢር ብባዕዳውያን ልኡኻት [ኣሜሪካውያንን ኤሮጳውያን ሸምገልቲ] ኣቢሉ መልእኽቲ ብትግራዎት ንዝምራሕ ዝነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ ምሕላፉ ወይ ምሃቡ......ንሕና ከም ህዝቢ ሃገራዊ ክሕደትን ጥልመትን ተፈጺሙ ክንብል`ዶ ኣይንኽእልን ኢና ወይ ኣይግብኣናን ድዩ?

ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዑይ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ትዕበ ትንኣስ ምስጢር እሞ ኸኣ ንመራሕ መንግስቲን ግምባርን ብሓሶት ዘጸልምን ዝኸስስን ብኢደ-ወነንካ ብፍላይ ኣሹንኳይ ክንድዚ ገዚፍ ስልጣንን ሓላፍነትን መንግስቲን ግምባርን ተሰኪምካ፣ ማንም ተራ ኤርትራዊ ከማን ንጸላእትኻን ክወሩኻን ክቐትሉኻን ኲናት ብዕሊ ኣዊጆምን ተሃንዲዶምን ክጎብጡኻን ንዝመጹ ደመኛታት ጸላእቲ ምምንጣው`ሲ [ምሕላፍ ምሃብ] ሓራም [ነውሪ] ኮይኑ፣ እዚ ከቢድ ፍጻሜ`ዚ ሃገራዊ ክሕደት ወይ ድማ ጥልመት ብግልጺ ክበሃል`ዶ ኣይግባእን? ብሰንኩ ምኽንያት ኣብ ሰብን ንብረትን ብፍላይ ኣብ ሃገር ድማ ብሓፈሻ ዝወረደ መስዋእትን ዕንወትን`ከ በቲ ኤርትራዊ ሕጊ ከም ክብደቱ ከም ሳዕቤን ተመጣጣኒ ኣራሚ ስጉምቲ ክውሰዶ ነውሪ ድዩ? ብወገነይ ቀደም ሒዘ ዝሰምዖን ዝጥርጥሮን ስለ ዝነበርኩ፣ ካብቶም ሓደ ኣብ`ቲ ጸወታ ተዋሳእቲ ዝኾነን ዝነበረን ሰንጋል ወልደትንሳኤ [ሓዉ ንሃይለ ድሩዕ] ሕጂ ባዕሉ ሓደ ክፋል ናይ`ቲ ምስ ጸላኢ ዝተገብረ ምስጢራዊ ርክብ በጨቕ ኣቢሉ ስለ ዝጸወዮ፣ ዓው ኢለ ይግባእን ፈረቓን ይብል።

እዛ ሰራምን ተበላጺትን ጉጅለ-15 እምበኣር፣ ኣብ`ቲ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣንጻር ወራሪ ስርዓት ህውሓት ናይ ሞትን ሕየትን ርሱን ውግእ ኣብ ዘካይድሉ ዝንበሩ ህሞት ኣሽሓት መንእሰያትን ዓበይትን ደቂ ተባዕትዮን ደቀ ኣንስትዮን ኣብ ዝወድቁሉን ከቢድ መስዋእቲ ኣብ ዝኸፍልሉን ዝነበሩ ትንፋስ ዘይህብን ዘየዛኒን እዋን፣ ኣብ ውሻጠ ኮይና ምስ ወጻእተኛታት ተመሓዝያን ተዃሺማን ኣንጻር ሃገር ሸርሒ ትኣልምን ኣዕናዊን በታታንን ዕላምኣ ንምዕዋት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ገለ ሰባት ኣደናጊራን ወዳዲባን ኣጻፊፋን ትሰርሕ ኔራ እያ። እዚ ጭብጢ ዘይብሉን ብስምዒትን ኣይኮንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ እንታይ ደኣ ብጭብጢ። ኣባላት`ዛ ብጉጅለ-15 እትፍለጥ ጋንታ፣ ናይ ስልቲ መሓዙታ ወራር መሳፍንቲ ሕውሓት ብህዝባዊ ሰራዊት ከቢድ መስዋእቲ ምስ ፈሸለን ምስ ተረኽሞሸን ፍሽለታ`ውን ስለ ዝነበረ፣ ንኣባት ንፍሳ ጋዜጠኛን ምናልባትውን ሰላይ ዶን ኮነል ብሃታ ሃታ ጸዊዓ ንባዕዲ ክንገር ዘይግባእ ታሪኽ ዘመነ-ሰውራን መሪሕነት ውልቀ-ሰባት ህግሓኤን ኣብቲ ውግእ ዝነበረ ኩነትን ኣብ ሕጓታት ዓሪዳ ብናታ ኣተራጓጉማን ብዝጥዕማ ኣገባብን ክትለፋለፍን ክትናሳሕን እያ ተጓይያ። ናይ`ዚ ምስክር ድማ ናይ ሓያሎይ ኣባላት`ዛ ጉጅለ ንስሓ`ዶ ክብሎ ቃለ-መሕትት ቃልዕ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

እቲ ውግእ ብትብዓትን ጀግንነትን ተኻፈልቱ ከቢድ መስዋእትን መውጋእትን ጀጋኑ ሰራዊት ኤርትራ ብፍላይ ብተባዕ ምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራን ብሓፈሻ ኣብ 2000 ዓም ምስ ፈሸለን ምስ ተዓወተን ግና፣ እዛ ጉጅለ-15 ብዝብል ስም ዝተጠመቐት ባእታ፣ ዝኣለመቶ ዕላማ ስዕረት ሰራዊት ኤርትራ ዘይቕዱስ ኪዳን ምስ ጸላኢና ህውሓትን ጥልመትን ዕልዋ መንግስትን ስለ ዘይሰለጣ ወይ ስለ ዝፈሸላ፣ ብሃትሃታ ካብ`ቲ ውሻጠ ወጺኣ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ኣየናይ ወዶም-ጓሎም ከም ተሰውኡን ብዝወጹዎ ከም ዝተረፉን ከይፈለጡን እዚ ዓቢ ሃገራዊ ኪሳራ ከየገደሳ፣ ጌግኣ ክትሓብእን ክትሽፍንን "ካባ ደሞክራሲ" ብዓቐና ኣስፍያን ተኸዲናን ጸጉራ ተመሻሺጣን ሎቖትኣ ኣጸባቢቓ ሒዛን ብማይ ዘይሓለፎ ኣምር "ዲሞክራሲ" ክትሽቅጥን ህዝቢ ከተታልልን በሎኽ ኢላ ወጺኣ። እዛ ጉጅለ-15 ብመንግስቲ ኤርትራ ተጋጊኺ ናብ ልብኺ ተመለሲ ተባሂላ ከተብቅዕ ግን፣ ነዚ ነጺጋ ኣብ ጽሑፍን ቆይቚን ዘለፋን ኣትያ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሕንፍሽፍሽ ክትፈጥር ተበጊሳን ብጻዕቂ ሰሪሓትሉን። እቲ መንግስቲ ድማ ነቲ "ጌጋኣ ንምሽፋን" በዛ ጉጅለ ዝካየድ ዝነበረ ኣዕናዊ ወፈራ ንምግታእ ብ2001 ዓም ሕጋዊ ስጉምቲ ወሲዱላ። እቲ ኩነታት ብመንግስቲ ኤርትራ ከይተገትኤ ብሸለልትነት ተገዲፉ ኔሩ እንተትነብር፣ ዕጫ ኤርትራ ልክዕ ከም ናይ ደቡብ ሱዳን [ውግእ ሓድሕድን መንግስቲ ምፍራስን] ምኾነ። ሳዕቤኑ ድማ ስርዓት ጭፍራ ህውሓት ኣብቲ ውግእ ዘይረኸበቶ ዓወት፣ ብሕጓ ሰተት ኢላ ኣትያ ብቐሊሉ ንኤርትራ ተመሊሳ ምስ ተቘጻጸረታ ኔራ።

ብናተይ ገምጋምን ሚዛንን፣ በዚ መራሕ ጉጅለ-15ን ኣባላቱን ዝተኻየደ ዘይሓላፍነታዊ ኣሉታውን ተግባር፣ ኣብ`ቲ ግዜ ወራር ንጸላኢኻ ምስጢር ኣልሒዂካ ምሃብን ሃገራዊ ክሕደት ጥልመትን ምፍጻምን ሳዕቤናቱ፣

1.ንተጻይ መንግስቲ ህውሓት እቲ መሪሕነት መንግስትን ግምባርን ኤርትራ ስምምዕ የብሉን ዝብል ግጉይ ግምት ብምሃብን ሞራላ ሓፍ ኣብ ምባልን እቲ ውግእ ካብ ዓቐኑን ግዜኡን ንኽምጠጥ ተራ ምጽዋቱን፣ ኣደዳ ኣሽሓት ምሩጻት መንእሰያት ኤርትራ ግዳያት መስዋእትን መውጋእትን ስንክልናን ምግባሩን፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝፈናቐሉ ኣብ ምግባርን፣

2. በዚ ፍጹም ሓላፍነት ዝጎደሎ ውልቀ-ሰብን ጉጅለኡን ነቲ ብመንግስትን ላዕለዎት ሓለፍቲን ዓቂቦም ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ፖለቲካውን ዞባውን ዓለምለካውን ምውሳእ [ዲፕሎማሲ] ወትሃደራዊ ቅዲ ኲናት ኣብ ግዜ ውዑይ ናይ ምትሕንናቕ ውግኣት ንጸላእትና ስለ ተመጠወ፣ ህውሓት ናይ ሓሶት ሞራል ሰኒቓ ነቲ ግጭት ብሸምገልቲ ብቕልጡፍ ብሰላም ንኽፍታሕ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ብተደጋጋሚ ዘይምኽኑይ ቅድመ ኩነትን ዕባራን ቀምሽ ኣደይ ሓንኮለኒን ዝመስል ሓንካስ ምኽንያትን ብምቕራብ ክትነጽጎን፣ እቲ ውግእ ከተናውሖን ክትደፍኣሉን ዕድል ሂቡዋ እዩ። ሳዕቤኑን ውጽኢቱን ድማ ከም`ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ እዩ።

3. ኣብ`ቲ ምስ ሸምገልቲ ሰላም [ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ብዝተሓተ ክብደት ድማ ምስ ኣፍሪቃዊ ሕብረት] ዝግበር ዝነበረ ምይይጥ ድማ ብሰንኪ`ቲ ምስጢር ሃገር ምልሓዂን ንጸላኢ ምምጣውን፣ ስርዓት ሕውሓት ነቲ ድርድር ከም ግዜ መግዝኢን ሓይሊ ሰባ መመልመሊን መዓለሚን መዳለውን ኣጽዋር መሸመትን ብግቡእ ተጠቒማትሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ናይ ሰላም ተኽእሎ ኣማህሚና ንውግእን ደም ምፍሳስን ጥራሕ ከም ተተኩር ጌሩዋ ኣዩ።

4. ናይ`ዚ ኹሉ ድምር ከኣ ብፍላይ ኣብ`ቲ ቅድሚ ድሮ ሳልሳይ ወራር ብወገን ኤርትራ ዝነበረ ቅኑዕን ምቕሉልን ናይ ሰላም ድሌት ቅሩብነትን ብግብሪ ንምርኣይ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብበይናዊ ዘይግዱድ ስጉምቲ ካብ ግምባር ቡረ ንኽልተ ዓመታት ብጽኑዕን ድልዱልን ዝሃነጾ ዕርድታቱ ኣስታት 37 ኪሎ ሜተር ንውሽጢ ኤርትራ ከም ዝሰሓበን ብተመሳሳሊ ኣገባብ`ውን ካብ ግምባር ዛላ ኣምበሳውን ከምኡ ከምዝገበረን፣ ብወገን ስርዓት ጭፍራ ወያነ ግን ነቲ ናይ ኤርትራ ምቕሉል ናይ ሰላም ተበግሶን ድሌትን ጻውዒት ዓለምለኻዊ ሸምገልቲ ሰላም ብትዕቢት ነጺጋ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብሰለስቲኡ ግምባራት ማለት [ግምባር ቡረ-ዓሰብ ንዓሰብ ንምሓዝ፣ ብግምባር ዛላምበሳ ንከበሳን ኣስመራን ንምሓዝ፣ ብግምባር መረብ-ሰቲት ንቆላዊ መታሕት ኤርትራ ንምሓዝ] ሓያል መጥቃዕትን ወራርን ኣበጊሳ።

5. ኣብ`ቲ ንሰላም ሽምግልና ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን`ውን መሳፍናዊት መሪሕነት ህውሓት "እናተዋጋእና ክንደራደር ኢና እናተድርራደርና ድማ ክንዋጋእ ኢና" ዝብል ጭርሖ ብዕሊ ኣዊጃ፣ ካብ መጀመርያ`ቲ ውግእ ክሳብ መወዳእታ ዝፈሸለትሉን ዝተሳዕረትሉን፣ ንሰላም ፍጹም ዕላማን ቅሩብነት ከም ዘይነበራ ብግብሪ ኣርእያ እያ። እዚ ኹሉ እኩይ ናይ ህውሓት ኢትዮጵያ ወርራ ግን ብሳላ ከቢድ መስዋእቲን ጅግንነትን ሰራዊት ኤርትራ ተባዕ ህዝቢ ኤርትራን ፈሺሉን ተሳዒሩን እዩ። እዚ ብድዔን ጥርዚ ምትብባዕ ወራር ጸላኢ`ውን ውጽኢት ክሕደት ጉጅለ-15 መራሕኡን ክበሃል ይከኣል።

6. እቲ ውግእ ኣብ 2000 ዓም ብውዕል ሰላም ጠጠው ምስ በለን እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ድማ ናብ ዓለምለካዊ ቤት ፍርዲ ምስ ተመርሐን፣ ቀዳም ዕለት 13 ሚያዝያ 2002 ድማ እቲ "ናይ መጨረሽታን እግባይ ዘይበሃሎ ፍርዲ" ምስ ተፈርደ፣ ስርዓት ህውሓት በቲ ናይ ሽዕኡ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ሓላፊ ስዩም መስፍን ኣቢሉ "ባድመን ከባቢኣን ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕና ዘይሓተትናዮ ናይ ኤርትራ መሬት ተፈሪዱልናን ተዋሂቡናን ኣሎ" ኢሉ ዓይኑ ብዘውጽኤ ጻዕዳ ሓሶት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣውጺኡ ከም ወራዶ ምነርዓ ከም ዝጭፍሩ ጌሩዎም፣ "ንሕና ምሉእ ብምሉኡ ተቐቢልናዮ ኣሎና፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንኤርትራ ኽትቅበሎ ከገድዳ ኣሎዎ" ኢሉውን ከይሓፈረ ተጠሊዑ ተዛሪቡ። "ሓሶትን ስንቅን እናሓደረ ይፎኩስ" ከም ዝበሃል ግን እቲ ኩሉ ነፍሒ ጥሩምባ ህውሓት ሓሶት ምዃኑ ንኽቃላዕ ግዜ ኣይወሰደን። ካብ`ዚ ሓሊፉ`ውን እታ ሓሳዊትን ሰራቒትን ስርዓት ህውሓት ቃላ ዓጺፉ ነቲ ናይ ዶብ ውሳኔ ተሓሲማ ንኣስታት 16 ዓመታት ንህዝቢ ጅሆ ሒዛቶ ጸኒሓ እያ። እቲ ብድሕሪኡ ዝተኸስተ ምዕባለን ለውጥን ግን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ገሊጸዮ ስለ ዝኾንኩ ኣብ`ዚ ምድጋሙ ኣየድልን። ስለዚ እዚ ጉዳይ እዚ ቀሊል ዘይኮነስ ከቢድ እዩ ነይሩ ሕጂ`ውን ከምኡ እዩ።

እቲ ሓቂ ግን መዓልቱ ሓልዩ እቲ ኩሉ ዝተፈጸመ ጉድ ብዕሊ ከም ዝውጽእ ፍሉጥ እዩ። ሒጂ ንግዚኡ ኣብዚ ጠጠው ከብሎ።

እዚ ዎደሓንኩም፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!

ዓወት ንሓፋሽ!

ብርሃነ ሃብተማርያም
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠
"ኣብ ብራሰልስ ቤልጁም ኣብ`ቲ ግዜ ውግእ ዝነበረሉ ዓቢ ኣኼባ ስለ ዝነበረ ሃይለ ድሩዕን ኣነን ካልኦትን መልእኽተና ኤርትራ ዝነበርናዮ፣ ሃይለ ድሩዕ ንወያነ ብገለ ገላገልቲ ዝነበሩ ኣሜርካውያንን ኤሮጳውያንን ወጻእተኛታት ጌሩ' ምስ ዝዓበደ ኣይትዕበዱ ምስ ተጸለለ ኣይትጸለሉ ዕድል ንኽለኣዮም። ስለዚ እዚ ኲናት`ዚ ኢሳይያስ እዩ ጀሚሩዎ፣ ንስኹም ግን ኣይትእተዉ ናብ ኲናት ኣይትእተዉ ምስ ዕቡድ ኣይትዕበዱ ኲናት ምስ ተኣወጀ ንስኹም'`ውን ነቲ ህዝቢ ኣብ ክስታይ ኣይተእትውዎ ኣያ ኔራ .............. ኢሉ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መልእኽትኡ ከም ዝሰደደ ንዓይውን ከም ዝነገረኒ"............ ኢሉ ምስክርነቱ ኣብ ፓልቶክ ተዛሪቡ።
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠
ኣብዛ ታሕቲ ዘላ ሰንሰለታዊት ሕጥበ-ጽሕፍቲ ጠዊቕኩም እቲ ትሕዝቶኡ ባዕልኹም ሰሚዕኩም ምዘንዎ።
https://www.youtube.com/watch?v=lobdqoN2zZI

ብርሃነ ሃብተማርያም

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠
ሰንጋል ወልደትንሳኤ ሓዉ ንሃይለ ድሩዕ G15 ገበነኛታት ሙዃኖም ገሊጹ፡ ካብ ቃል ሓዉ ዝሰማዕኩዎ ኢሉ ኣቃሊዑዎም
Sahel Kem hager

Am 07.10.2018 veröffentlicht
ተሓቢኡ ዝነበረ ምስጢርን ገበናቶምን ሽርሕታቶምን ናይ (ጉጅለ15) ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ይቃላዕ ኣሎ።ካብ ቃል ሓዉ፡ንሃይለ ወልደትንሳኤ ድሩዕ'' ሰንጋል ወልደትንሳኤ ።

ቡዙሕ ግዜ ብዛዕባ ጉጅለ-15 ምእሳር ገበናቶም ይነገረና ኣብ ፍርዲ ይቅረቡ፡እንታዩ ገበኖም ክበሃል ንሰምዕ ኔርና'ይና ሕጂ ግን ኣቶ ሰንጋል ወልደትንሳኤ ነቲ ንዓመታት ዓቊርዎ ዝነበረ ጥጅእ ኣብ ፓልቶክ ቶግ ኣቢሉ ኣውጺኡዎ።ኣቶ ሰንግል ይብል፣G15 ዝገብሩዎ ዝነበሩ ምንቅስቃሳት ብረቂቕ ይዕዘቦን ይከታተሎን ኔረ'የ፡ኣብ ጎኖም ውን ደው ኢለ ኔረ'የ ክሳብታ ናይ መወዳእታ ዕለተ-ምእሳሮም ውን ምስ ሃይለ ድሩዕ ሓወይ ይራኸብን ይዘራረብን ኔረ'የ ክብል ኣብ ~ፓልቶክ~ተዛሪቡ ።

ጉጅለ-15 ድሕሪ ምእሳሮም ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዘውጸኦ መግለጺ ኔሩ ኢዩ።ከምኡ ውን ኣባላት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ ዝተኣከቡሉ ውን፣ሙስጦፋ ኑር ሒሴን ብቃሉ ልክዕ ምስ ናይ ሰንጋል ትተኣሳሰር መልእኽቲ ኣተምቢሁ-ምንባሩ ይዝክር፡ንሳ ከኣ፥ኣብዚ ጉዳይ'ዚ እቶም ዜይፋቀሩ ዝነበሩ ሰባት'ዮም ተሰማሚዖም ነዚ ጉዳይ ፈጺሞሞ ክብል ከሎ እቶም ሰባት መን ኮን ይኾኑ ንብል ኔርና ንኸውን ወይ ትኾኑ/ከምዚ ናተይ? እታ ዘይተመለሰት ሕቶ ግን ሕጂ ኣቶ ሰንጋል ወልደትንሳኤ ኣብኣ'ኸላ ብዘይ ወልደፍደፍ መሊሱዋ ኣሎ።

ኣቶ ሰንጋል ከምዚ ይብል፣ጴጥሮስ ሰለሙንን ሃይለ ድሩዕን ኣይፋተዉን'ዮም ኔሮም። ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ግን ተዓሪቆም ክልቲኦም ምስ ሸሪፎ ኮይኖም ነቲ ምንቅስቃን ውዳቤታትን ይመርሑዎ ኔሮም። ኣብ ጎርጉስም ተራኺቦም ውን ብዛዕባዚ-ጉዳይ ንነዊሕ ሰዓታት ዘትዮም ክብል ነታ ሓቂ በጨቅ ኣቢሉዋ።

ጉጅለ15 ብቁጽሪ ኣዚዮም ዉሑዳት ኮይኖም ምስ ጸላኢ ወጊኖም ኣብ ግዜ ወራራት ነቲ ኲናት መሪሖም ኣንፈቱ ብምጥዋይ ንቡዙሓት መንእሰያት ጀጋኑ ሰራዊት ኣብ ሓዊ ከም ዝጥበስ ከም ዝገበርዎ ውን ብቡዙሕ ኣጋጣሚታት ይስማዕ ኔሩ'ዩ። ዘይተ-ገግረ'ምበር ዘይተገብረ የልቦን ከም ዝበሃል`ካብቲ ክግበር ዘይግበኦ ዘይ-ስነምግባራዊ ስራሓት ከም ዝተሰርሐ ውን ኣብቲ ፓልቶክ ክዛረቡሉ ቀንዮምን ከምኡ ክብሉ ከም ዘይብሎምን እዚ ብሂል ከሰማመዖም ከም ዘይክእል ውን ኣቶ ሰንጋል ብቃሉ ኣቀሚጡዋ ኣሎ።ቀደም ውን ብሩህ'ዩ ኔሩ !!

ጉጅለ-15 ይፈትሑ'ዶ ኣይፈትሑ ንዝብል ሕቶ ዝምልከቶ ኣካል ኣሎዎ።ጌጋ ኔሩዎም'ዶ ኣይነበሮምን ንዝብል ሕቶ ውን ኣብኡ ዝወዓሉ ዕልዋ መንግስቲ ክገብሩ ዝሓሰቡ ከም በዓል ሰንጋል ወልደትንሳኤ ብዘይ ቀለዓለም ግቡእ መልሲ ሂቦሙሉ ኣሎዉ። ምቅናይ ጥራሕ ዘይንሰምዖን ዘይንርእዮ እኳ የልቦን?

ኣብ መወዳእታ፣ኣቶ ሰንጋል ወልደትንሳኤ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ፓልቶክ እንዳ ሕድሪ ገዋኑ ውን ፈደረሽ ምስ ኢትዮጵያ ምቁራን ጸጋ'ዩ ነዓና፡ነዚ ፈደረሽን ብዝያዳ ክንደፍኣሉ ከም ዘለናናይ ኩሉና ሓላፍነት ስለ-ዝኾነ ብትሪ ክንሰርሕ ኣሎና ኢሉ ኔሩ። ስለዚ ወዲ ዱሙ ነይገድፍ ግብረ-ኡሙ ኢዩ ንገሩ-ስ!!!!
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

The Secret of G15 ሚስጢር ምእሳር ናይ G15 ኣብ 2001 ብሰንጋል ወልደትንሳኤ ሓዉ ንሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)።
991 Aufrufe
Wekema EPLF1
Am 20.10.2018 veröffentlicht
The Secret of G15-ሚስጢር ምእሳር ናይ G15 ኣብ 2001 ብሰንጋል ወልደትንሳኤ ሓዉ ንሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)።
****************************************************************************
https://www.youtube.com/watch?v=lobdqoN2zZI

 
 
 
 
 
 
 
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events