World News

>>>>ኣይረሳዕናዮን<<<<<ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ ካብ ከተማ ማንሃይም (ጀርመን)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 29 March 2019

        ኣይረሳዕናዮን

ኣይረሳዕናዮን ከመይ፥ ከመይ ገርና ክንርስዖ
ነቲ ህላወናን መነባብሮናን ዝበልዖ
ኣይረሰዕናዮን ደምና ዘይነቐጸ
ግብብሮም ኣብ ህርመት ክብና እናፋጸ

ኣይረሳዕናዮን
ረሲዖሞ ዲዮም  ንሶምከ ዉዕለቶም
ዘይሃሰሰ ኣብርእሰና ግፍዕታቶም
እምበርዶ ከምሰቦም  ኣእምሮ ተዓዲሎም
ብኽፍኣትን ተንኮልን ተገዚኦም

ኣይረሳዕናዮን
ከመይ ገርና ኢና ክንርስዖ
መንእሰያትና ክህደኑ  ኣረጋዉያን ብዓራት ክጽወሩ
ሕብሪ ዓይንኹም ርደስ ኣይበለናን ዝተባህሉ
ትናንዳ ማትና ኢኹም  ክብሉ ጋኖት
ሎሚክብሉና  ኣሕዋት

ኣይረሳዕናዮን
መንሰይ ብሕንቆ ክሰጉ ከባርሩ
ዓበይቲ ኣረጋዉያን  ብዓራት ዝጎሓፉ
ኣደይ ዝብል ቆልዓ ጡብ ኣደ ዘየልክፉ
ስድራበት ፈላሊዮም ስቅያት ዘንገሱ
 
ኣይረሳዕናዮን
ዘረፍቲ ንብረት ዘይረሃጽሉ ዳማቶም
ኣግላይዶ ኣይኮነን መቓብር ዝኾዓቱ
ጭፍራዶ ኣይኮንትን መቓብር ሓርበኛታት  ዝፈንጀሩ
በተክርስትያን በተ መቕደስ ዝደፈሩ
 
ኣይረሳዕናዮን  ከመይገርና
ዚጋታት ቀንጢጦም ወያናይ እንዳበሉ
ፋብሪካታት ብሓዊ ዘንደዱ
ምዕቡል ዝበልዎ ህንጻታት ዘዕነዉ
ዝጎየዩ ንጽባሒቱ ኣስመራ ክኣትዉ
ክዘምት ንብረት እንዳማቱ

ኣይረሳዕናዮን
ረኣናዮ ካሞ ዉዕሎ ዓዲበጊዖ
ባረንቱን ካባቢኡን ሓዊ ምስበልዖ
ከመይ ገርና ክንርስዖ

ሎሚ ግብሮም ረሲዖም ተለፍለፉ
መንግስቲ ኤርትራ ረጊጹና ሓሊፉ
ጉጅለ ባህሊ ረጊጹና ሓሊፉ
እዞም ጉጅለዚኦም ጽዩፋት ዘይሓፍሩ
ሕድገት ክብሃል ከሎ
ንሰላም ህዝብታት እንደኣሉ
ንሶምሲ ክሳብ ዝነጽሁ ኣብኣ ደኣይተሓመሱ
ጭፍራ ዝፈሓሰቶ ንመሪር ሕሰምና
ነዛ ብሰላም ምንባር ዝነሰገትልና 
ሎሚ ንሕና ረሲዕናዮ ረስዕዎ ክትብለና
ገና ኣይተስቆራን ከምዘይነቐጸ ንብዕትና
ዘፍረሰቶ መቓብር ሓርበኛታት ንጽግን ከምዘለና
ጋና ንኽፍኣት ዘይገደፋ ዘሎ ሕማማ
ተንኮል ክትእልም ትሓድር ኣላ ብሕልማ

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን  ንሰማታት 
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ  ተኸስተ  /ማንሃይም (ጀርመን)



7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events