World News

***መን ኣሎ ከማኺ*** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 10 March 2019

***መን ኣሎ ከማኺ***
 
         ስልማታ ቀንጢጣ ሃገር እትስልም
ማዕተበይ ሃገር ትብል ዕጥቕቲ ንሪም
ቦኽሪ ሂባ ሕሳስ ልደ እተስዕብ
ቁራጽ ዕትብታ ንርስቲ እትምግብ

      ሕሉባ ንጹፋ 
ናይ ኢዳ ነጊፋ
ድልድል መላግቦ ፥ማእከል ስሕበት ውርሲ
ኣርማ ጽንዓት ፥ኤትርራዊት ቅርሲ

       ለሰ ሰውሒ እንበር ኢኺ፣ጽላል ዳዕሮ
ኣፍራት መልማሊ ኣናብስ፣ ራራዊት ዋዕሮ
ዘይትግበዝ  ዘይትስልኪ፥ ወትሩ ኣብ ጽምዶ
ወዳኒት ጠማሪት ኣርግሄ፣ ኣሳሪት ማእዶ

       ቀላሲት ኣላይት ወሰን ፣ ዘየሰንፋ ጎርቢ
ስበት እትፍንቅል ፥ ንግስቲ ሽም ንህቢ
መን ኣሎ ሞ ዘይንስኺ ፥ኣንቲ ድምቕቲ ቀንዴል
ጥዋፍ  ቤተ-ልሄም ድባብ ፣ሕመረት ዓዲ ማእከል

        ነግሕና ክቖዱ ፥ትልምና ክንሰጥጥ ዕርፊ ከነጽንዕ
ጉዕዞ ከይሰናኸል ፣እንኸዶ ጎደና ከይቀንን ከይዝንብዕ
ኣጆኹም  ኣጆና ክትብሊ፥ መሪቕኪ ኣስኒቕኪ ክንተብዕ
ዓይኒ ማይ እንዲኺ ፣ሓላለይ ዋሕዚ ሓቒቕ እትነትዕ 

       ውራይ ሃገር መን ጸሚድሉ፥ ዘይንስኺ ዕጥቕቲ
መማዕረጊት  ዳስ ዓደ -ቦ፣ ኣካቢት ምህርቲ እንዳእቲ
ድርብ ሓልኪ ዘይእግማ  ፥ ቅናት ዲግድጊታ ኣስጢማ
ኤርትራዊት ጅግና ፣ኣርኣያ ጽንዓት ካብ ቀደማ ውፍይቲ ኣብ ዕላማ 

        ድራር ተጋደልትኺ ፥ካብተን ቁሩብ ቁራበኺ
ብሃያብ ልግስኺ  ሰውራኺ ዘታተኺ ፥ ትጽይኒ በትኪ
ሃበርም ትስሕሊ መብረድ ፥ መትብዒት ጫፋት ብልሒ 
ሰታሪት ምስጢር ደቃ ፣ማዕከን ማሕፉዳ  ጥፍሒ

       መን እሞ ከማኺ ንመኸተ ንኣብያ ንብድሆ
ቅድመ ግንባር እትስራዕ ፣ ፋኑስ ኢኺ ቀንዴል ጸላም እትጋልሆ
ብምንታይ እሞ ክሰፈር ፣በየናይ መለክዒ ክምዘን
ነካስ ኣብ ርስታ ፥ ከማኺ ከም ኤርትራዊት  መን ኣሎ መን

        ዕትብትኺ  ይባረኽ፥መድሕን ሃገር እተብቁሊ
ፍረ ማህጸንኪ መኒንኪ ንሪም፥ ዘይጽበይ ኳ ምቕሊ
መስዋእቲ ደቅኺ ኣብ ዕላማ፥ ብዕልልታ  እትቕበሊ 
ኤርትራዊት ሓበን ሃገር ኢኺ ሞ ፥ ወትሩ በርኺ ክብ ደኣ በሊ 

       መን ኣሎ ዘይንስኺ ፣ቀዳመቲ ኣብ መስርዕ
ፍናንኪ ርእየዮ ንያትኪ፥ ሓቦኺ ክንደይ ኮን ይጸንዕ
ድምጽኺ ሰሚዐዮ ሓራኒ ፥ መቓልሑ ሰማያት ክትርግእ
ዕልልታ ልሳንኪ ነጎድጓድ ኮይኑ፥ ጸማም  እዝኒ ክኹኩዕ

         ውዕሎኺ ሰሊጡ፥ሓሳብ ልብኺ ሰሚሩ  
ጸሎት ምህለላኺ ሰማይ ዓሪጉ ጠለለት ኣዝሚሩ 
በሊ ክብ በልለይ ንበሪ፣ ኣንቲ ሕላገት ጽንዓት
ክበሪ ንዘልኣለም፥ ይሰማዕኪ ሓበን ኩርዓት


         ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
        ጀርመን 
         1/ 3/ 2019

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events