World News

(ገጽ-መጽሓፍ) መርሃዊ ቅዱስ ዝተዓወተሉ ቢንያም ግርማይ 3ይ ደረጃ ዝሓዘሉን 2ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2019

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 26 February 2019

መርሃዊ ቅዱስ ዝተዓወተሉ ቢንያም ግርማይ 3ይ ደረጃ ዝሓዘሉን 2ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2019!



🇪🇷🇪🇷️መርሃዊ ቅዱስ ዕዉት 2ይ መድረኽ ድሕሪ ምዃን ብጫ ማልያ መንዚዑ!
🇪🇷🇪🇷️ ቢንያም ግርማይ 3ይ ደረጃ ሒዙ !
፨ሕጂ ኣብ ዝተዛዘመ 2ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ፕሮፈሽናል ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናይ ክለብ ኣስታና መርሃዊ ቅዱስ ንዓባይ ጉጅለ ናይ 2 ሰከንድ ፍልልይ ኣንጺፋ ዕዉት ዚ መድረኽ ኮይኑ።

፨ካብ መርሃዊ 2 ሰከንድ ድሒራ ዝ ኣተወት ዓባይ ግሩፕ ፖላንዳዊ ፕረዝምይስላው ናይ ኢጣልያዊት ክለብ ደልኮ ስለ ዝተዓወተላ 2ይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ ፣ ኣብ ዝሓለ ፈ ግዜ ኣብ ካሜሮን ንከም በዓል ግሪፐል ዝ ኣመሰሉ ክ ኢላታት ቅጽበታዊ ውድድር ዝሰዓረ ወዲ 18 ዓመት ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ድማ 3ይ ደረጃ ሒዙ ።
፠ ሲራክ ተስፎም መበል 11 ደረጃ 
፠ያቆብ ደበሳይ መበል 16 ደረጃ ሒዞም
፨ሄኖክ ሙሉብርሃን መበል 30
፨ውድድር ክዛዘም 39ኪሜ ምስ ተረፎ መውደቕቲ ዘጋጠሞ መኽሰብ ደበሳይ መበል 67.

------------------------------------------------------
፠ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽግሌታ ኤርትራ ኣብ ደረጃታት ግራን ቱር ዝበለ ደረጃ ዘለዎ መርሃዊ ቅዱስ ምስ ኩሉ ብሉጽነቱ ነዊሕ እዋን ዩ ካብ ናይ መድረኽ ዓወት ተኣልዩ ጸኒሑ እንሆ ምስዛ ሓዳሽ ክለብ ብዓወት ይፍልም ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነ መሪሕነት ብጫ ማልያ ውን ተረኪቡ !!ጽቡቕ ዕድል ንዝቕጽል.

ብራቮ መራ!!






Race information

Tour du Rwanda logoDate: 25th February 2019
Avg. speed winner: 39.60 km/h
Race category: Men Elite
Start/finish: Kigali › Huye
PCS point scale: 2.1.Stage




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events