World News

ሕጂ እውን ዓቅሊ

Posted by: Germay Berhane

Date: Saturday, 02 February 2019

                 ሕጂ እውን ዓቕሊ
መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝጅምር ሻምናይ ወርሑ ኣቕጺሩ ኣሎ። ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት መሰረታዉን ሓፈሻዉን ስምምዕ ዝሓቖፈ በዓል ሸውዓተ ነጥቢ ስምምዕ ኣብ ኣስመራን ጅዳን ከም ዝተፈረመ ዝዝከር እዩ።
እዚ ሓፈሻዊ ስምምዕ፡ ዝርዝራት ዘድልዮ፡ ጥንቁቅ መጽናዕቲ ዝሓትት፡ ዳግማይ ዘየጣዕስ ኮይኑ ክቀርብ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ዝምልከት ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ኩለን ሚንስትርታት ነናተን ስርሓት ኣጻፊፈን ክቀርባ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢኔ ምንስተራት ተገሉጹ ነይሩ። እቲ ስራሕ በዳህን ብዙሕ ነገራት ኣብ ውሽጡ ምህላዉ ደቂቕ ምስትውዓል ዝሓትት ስራሕ ስለዝኾነ ከይተጻፈፈ ተብተብ ኢልካ ዝግበር ኣይኮነን። 
ኣብ ሶሻል መድያ ብዙሕ ታህዋኽ ዘለዎ ቅድሚ ፈረስ ሰረገላ ዘቀድም ጨለ ዝኾነ ርእይቶታትን ምትኹታኹን ይርኤ ኣሎ። 
እቲ ቀዳማይ ንህዝቢ ዘደናግር ጉዳይና ወይ ንመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ንምንታይ ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ንሰምዖ ዝብል እዩ። ብሓቂ ግን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ርጉጽ ዝኾነ ነገር ዘቅረብኦ ሓበሬታ ኣሎ ድዩ። ብጀካ ሓርፋፍን ዘይተነጸረን ዘይተወደኤን ሓበሬታ፡ ተተግቢሩ ዝብሃል ዝቀረበ ስምምዓት ኣሎ ድዩ? ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዘይተወድኤን ዘይተጻፈፈን ሓበሬታ እንተቅረቡ ንዖዖም ይምልከት። ኣሰራርሓ መንግስቲ ኤርትራ ግን ኣብ ጩቡጥን ውዱእን ስራሕ እዚ ተጌሩን ተሰሪሑን ምባል እዩ። ኣብ ፍርቂ መንገዲ ዘሎ ከምውዱእ ምዝራብን ንኸምዚ ዘይኮነ ነገራት መልሲ ምሃብ ባህርያት መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮነን። 

ካልኣይ ገለ ሰባት ዶብና ይተሓንጸጽ ይብሉ ኣለዉ። ኩላትና ከም እንፈልጦ ግን ዶብና ቅድሚ ዓሰርተ ሽድሽተ ዓመት እዩ ተሓንጺጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ እውን ካብቲ ዶባትና ኣርሒቑ ከይዱ ኣሎ። ተሪፉ ዘሎ ምርኽኻብ ምሕደራ ሉዕላዊ መሬትና እዩ። ኣብ'ዚ መውዳእታ ፕረሲደንት ኢሰያስ ዝገበሮ ቃለ መሐትት ንጹር ዝኾነ "ንለባም ኣምተሉ" ዘብል ሓበሬታ ሂቡ ኣሎ። 

ኣብቲ ቃለ-መሐትት ውሳኔ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር እዩ ዝብል ነጥቢ'ውን ኣለዎ፡ ገስጋስ ትግባረ ናይ'ዚ ስምምዕ ከመይ ኣሎ ዝብል ዝቀረበሉ  ሕቶ ፕረሲደንት ዝሃቦ መልሲ "እወ ነዚ ክስተት እዚ ብግቡእ ክንርድኦ ኣለና። ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታትና ኮይኑ ንዑኡ ዝኸውን ባይታን ሃዋህውን ከነጣጥሕ ኣሎና።........ቅድሚ ዝኣገረ ግን ነዚ ኩነታት ከነደልድሎ ክንክእል ኣሎና። ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ከነሐይል ክንክእል ኣሎና።. .... ሓደስቲ ክስተታት ስለዝመጹ ኩሉ ጸገማትን ዕንቅፋትን ተፈቲሑ እዩ፡ ብዓለም ደረጃ ይኹን ብዞባ ደረጃ ዝህልዉ ዓንቀፍቲ ወይ ዘረግቲ ረቓሕታት የለዉን፡ ብስሩ ጠፊኦም እዮም ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።" ዝብል መብርሂ ሂብሉ ነይሩ እዩ። 

ብርግጽ ድማ ብወያነን ናይ ዓባይ ኢትዮጵያ ትምክሕተኛታትን ዝርኤ ዘሎ ምዕልባጥን ምግቡዕባዕን ንኩሉ ቡሩህ እዩ ። ካብቲ ቀንዲ ኣሳሓሓቢ ቦታ ናይ ዶባትና ምስ ምምሕዳር ትግራይ ዝዳወብ ስለዝኾነ ነቲ ነቲ ኣብ መንጎ ወያነን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎ ቁሩቁስ መደምደምታ ተጌርሉ መሬትና ክንርከብ መንግስቲ ኤርትራ ብሓላፍነትን ትዕግስትን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ከምዚ እቀዲሙ ዝተጠቅሰ እንተድኣ ምሕንጋድ ናይ ወያነ ሃልዩን ከምኡውን ዝኣረገ ናይ እምሓራን 
ካልኦት ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያውያን ምትኹታኽ ሃልዩ፡ ሃገራዊ ድሕነትና ንምርግጋጽ ክልተ ግዜ ክንሓስበሉ እንተዘይኮይና ብተብተብ ናብ ንቡር ይመለስ ዝብሃል ኣይኮነን። እዚ ስግኣታት ከየኸተመ ቅዋም'ዶ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምባል ንሃገርና ናብ ሓደጋ ምስጣሕ ምኻኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

ዋላ'ካ ርእይቶ ምቅራብ ጽቡቅ እንተኾነ፡ ኣብ ደገ ኮይንካ ልዕሊ እቲ ምስ ህዝቡ ኮይኑ ንሃገሩ ዘገልግልን ዘማሓድርን ዘሎ ደቂቅ ኩነታት ኣብ ባይታ ዘሎ ዝፈልጥ ሓለይይቲ ክንከውን ኣይግባእን።

ግርማይ የማነ

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events