World News

ገጽ-መጽሓፍ ፡ "ህዝቢ ኤርትራ ባርያ ኣይኮነን። ተጋዳላይ ኤርትራ ባርያ ኣይኮነን። እቲ ጅግና ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት እውን ባርያ ኣይኮነን። ባርያስ ናይ ባርያ ስራሕ ዝሰርሐ እዩ። እንቛዕ ኣብ ቱሽቱሽ ወያነ ተሸጒጠ ተላኣኣኺ ወያነ ኣይኮንኩ። ንሱ እዩ ባርነት!"።

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 26 October 2018

"ህዝቢ ኤርትራ ባርያ ኣይኮነን። ተጋዳላይ ኤርትራ ባርያ ኣይኮነን። እቲ ጅግና ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት እውን ባርያ ኣይኮነን። ባርያስ ናይ ባርያ ስራሕ ዝሰርሐ እዩ። እንቛዕ ኣብ ቱሽቱሽ ወያነ ተሸጒጠ ተላኣኣኺ ወያነ ኣይኮንኩ። ንሱ እዩ ባርነት!"።

ገዲም ተጋዳላይ ህግሓኤ ማሕሙድ ሳልሕ

app-facebook
25 October 2018

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገ/ማርያም ኣብቲ ምስ SBS ገይርዎ ዘሎ ቃለ-ምልልስ፡ "ኤርትራ ወዲቓ እያ፡ ፈሺላ እያ" ኢሉ ኣሎ። ኣስዒቡ እውን ከምቲ ክሉ ግዜ ዝደጋግሞ ንህዝቢ ኤርትራን ተጋዳላዩን ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎቱን ከም ባራዩ ገሊጹዎም ኣሎ።

ከምቲ ገለ-ገለ ዝብልዎ እንተዝኸውን፡ ኤርትራስ ቀደም ወዲቓን መሽሚሻን ተበታቲናን መብቀዓት ነይራ። ክንደይ ግዜ ወዲቕናን ፈሺልናን ዘይተበሃልና: ከም ህዝብን ሃገርን።

እንተኾነ ግን፡ ኤርትራ ደኺማን ዓቢራን ትሃሉ እምበር ኣይወደቐትን፡ ኣይፈሸለትን። ሃገርና ንኸይትወድቕ ግን ክሉ ግዱስ ዜጋ ካብ ስምዒት ዝወጸ ውድዓዊ ገምጋም ክገብርን ናብ ግብራዊ መደብ ዕዮ ዘሰጋግር ርኢቶታትን እማመታትን ክህብ ክፍትን ኣለዎ።

ኣምባሳደር ኣድሓኖም፡ ኤርትራ ወዲቓ ካብ በለ ግን፡ እቲ ቀዳማይ ክናዘዝ ዘለዎ ንሱ ባዕሉ እዩ። ኣምባሳደር ኣድሓኖምን ገለ ብጾቱን ኣብዚ ዝሓለፋ 17 ዓመታት፡ ብስም ተቓውሞ፡ ምስ ወያነ ተመሓዝዩ፡ እስትራተጂ ወያነ ኣብ ኤርትራ ክዉን ንምምግባር ኣብ ዝግበር ዝነበረ ውዲታት ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ተሰሪዑ ከምዘይተራባረበ!! እሞ ኸኣ፡ ወያነ ንብይን ዶባት ጥሒሱ ንሰላም ረጊጹ እንከሎ። እቲ ኣምባሳደር ኣድሓኖምን ብጾቱን ምስ ወያነ ዝኣተውዎ ዘይቅዱስ ኪዳን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካልእ ምርጫ ከምዘለዎ ንኸይሓስብን ንለወጢ ከይበራበርን ዝገትአ ዓንቃፊ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ቅድሚ ክሉ ነገር፡ ኣምባሳደር ኣድሓኖም፡ እቲ ምስ ወያነ ጠቢቑ ክገብሮ ዝጸንሐ ጻዕርታት ሰለምንታይ ከምዝፈሸለ ክግምግምን ብሓድሽ መንፈስን ስትራተጅን ክብገስ ኣለዎ። ንክ/ሰራዊትን ግንባርን ዘዋግእ ዝነብረ ሰብኣይ፡ መስርዕ ትኸውን ሰዓብቲ እውን ከጥሪ ኣይከኣለን። ስለምንታይ? [ንመንእሰይ ኤርትራ ክብሎ ዝደሊ፡ ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ክተውጽእ ከምዘይትኽእል ትፈልጥ ኢኻ እሞ ነግ-ፈረግ ኣይትበል። ዝቕጽል መድረኽ ኣባኻ እዩ። ብርጉእ ኣእምሮ ተመያየጥ። ታሪኽን ሰራውርን ዘለካ ሕቡን ዜጋ ኢኻ። ዕድልካ ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ]።

ከምዝመስለኒ፡ ኤርትራውያን ንጻውዒት ኣድሓኖምን መሰልቱን ክስዕቡ ዘይከኣሉ ባራዩ ወይ ኣገልገልቲ ኢሰያስ ስለዝኾኑ ዘይኮኑስ፡ ንበዓል ኣድሓኖም ኣገልገልቲ ወያነ ምንባሮም ገምጊሞም ስለዝኣመኑ እዮም። ኣሽሓት መንእሰያት 'ኮ በቲ በዓል ኣድሓኖም ዝነበሩዎ ትግራይ ሓሊፎም ናብ ኤውሮጳን ካልእ ቦታታትን ይኸዱ ነይሮም እዮም። እቲ ክፍለሰራዊታት ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ዝመርሕ ዝነበረ ጀነራል ኣድሓኖም ግን መስርዕ ትኸውን 'ኳ ክውድብን ክመርሕን ኣይከኣለን። ብላሽ። ብሓቂ ክንዛረብ እንተኰንና፡ ክናሳሕ ዘለዎ ሰብ ኣድሓኖም እዩ።

ኤርትራ ዓቢራን ደኺማን ክትከውን ትኽእል እያ። ግን ተስፋ ዘለዋ ሃገር እያ። ካብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቓ እውን ዝሓየለት እያ። ምኽንያቱ ውድቀት ሃገር ዝውስን ስነኣእምሮኣዊ ኩነት ዜጋታት ናይ ሓንቲ ሃገር እዩ። ውድቀት ናይ ኣተሓሳስባ ዜጋታት እዩ ንሃገር ዘውድቕ። እቲ ከም ቁጠባዊ ድኽነትን ምንቁልቋል ትሕተ ቅርጽን ዝኣመሰሉ ነገራት ክህነጽ ዝኽእል እዩ። ተስፋ ዝቖረጹ ዜጋታት ዘለዋ ሃገር እያ ፍሽልቲ ትበሃል። ተስፋ ዘለዎም ዜጋታት፡ ነቲ ጸገም ብግቡእ ኣለልዮም ንዕኡ ዝፍውስ ስትራተጂ ይሕንጽጹ። ኣድሓኖም ክኽተሎ ዝጸንሐ ስትራተጂ ንኤርትራ ዘድሕን ዘይኮነስ ዝበታትን እዩ ነይሩ። ሕማቕ ግዜ ኮይኑ ክንዛረብ ስለዝተገደድና እምበር ንኣድሓኖም ብኸምዚ ክዝክሮ ኣይምደለኹን። በቲ ንፈልጦ ምስሊ ናይ ቀደም ክዝክሮ ምደለኹ። ግን፡ እንታይ ይገበር፡ ከምቲ እንግሊዛውያን ዝብልዎ፡ "It is what it is" ንሱ እዩ እቲ ውሁብን ጭቡጥን ዘሎ ነገር።

ኤርትራ ብኽልቲኡ ወገን ማለት ብመንግስትን ገለ-ገለ "ተቓወምት"ን ተሃስያ ኣላ ግን ኣይወደቐትን። ኣዝዩ ትስፉው ህዝቢ እትውንን ሃገር እያ።

ስለ'ዚ፡ ሕጂ ዝድለ ዘሎ፥ ናይ "ጠፋእና፡ ጠፋእና" ኣውያት ዘይኮነስ፡ ንዘሎ ኩነት ከምዘለዎ ነቢብካ ፍታሕ ምንዳይ እዩ። ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ዘይኮነስ፡ ነብሰወከፍና ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ጸማልያ ኩነት ክትወድቕ እንታይ ኣበርኪትና ኢልና ንነፍስና ክንሓትት ኣለና። ስለ'ዚ፥

1. ርግእ ዝበለ ዘይበለጻዊ ትንተና ክንገብር ይግባእ፡ ቅድም-ቀዳድም ርእሰ-ግምገማ ክንገብር ኣለና። ካብ ናይ ፈጨው ፖለቲካ ክንወጽእ ኣለና።
2. ሃገራዊ ምትእኽኻብን ምምኽኻርን የድሊ ኣሎ።
3. መንግስቲ ነዚ ዝኸውን ጥጡሕ ባይታ ክፈጥር ኣለዎ፡ ምሁራትን ሰብ ሃብትን፡ ሲቪክ ማሕበራትን ክዕደሙ ኣለዎም፡ 
4. ናይ ኣውዲቕካ ወይ ቀቲልካ ሕለፍ/ተዓወት ፖለቲካ ወጊድ ክበሃል ኣለዎ
5. ህዝቢ ኤርትራ ሓበረታ ክረክብን ኣብዚ መስርሕ ክሳተፍን መሰሉ እዩ። መንግስቲ ግሉጽነትን ከዘውትርን ንህዝቢ ክሕብርን ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣንፈትን ተስፋን ዝህብ ጽምዶ መንግስቲ ይጽበ ኣሎ። መስርሕ ሰላም ካብ ዝጅመር ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሓሊፉ ኣሎ። ክሳብ ሎሚ ግን መራሕቲ ኤርትራ ዝርዝር ዝግበር ዘሎ ስምምዓትን ትርጉሞምን ንህዝቢ ኣይገለጹን ዘለዉ። ኤርትራውያን ካብ መርበባት ሓበረታ ኢትዮጵያ እዮም ዝጽበዩ ዘለዉ። ዘሕፍር እዩ። 
6. ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ እምበር፡ ብውሽጥን ደገን ኣብ ልዕሊኡ ክግበር ዝጸንሐ ሓደገኛ ጸቕጥታት ብትንትን መእተወሉ ነይሩ። ሕጂ እውን እዚ ሓላል ህዝቢ ካሕሳ ይጽበ ኣሎ። እቶም ተቓወምቲ ልዝብ በሉ፡ ግብራዊ ኣመታት ሃቡ፡ እቲ መንግስቲ እውን ልቡ ከዕቢ ኣለዎ። ሎሚ፡ ኣዕናዊ ሓጎጽታ ወይ ንጸጥታን ርግኣትን ዘናግዕ ክስተት ኣዕናዊ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ። ተቛሲሉ ምውዳቕ ዝኣበየ ህዝቢ እዩ ዘሎ። ክድበስ ኣለዎ። ርጥብ ዝበለን ምዙን ዝኾነ ርኢቶታት እዮም ነዚ ተኣፋፊ እዋን ብዓወት ክንሰግሮ ዘኽእሉና።
7. ኣተሓሳስባና ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዳግም ህንጸት እንኮላይ ፖለቲካውን ናይ ኣተሓሳስባናን ምስትኽኻል ለወጥን ዘካተተ ክኸውን ኣለዎ። ኣተሓሳስባና መንግስቲ ኣብ ምቕያር ጥራይ ዝተሓጽረ ክኸውን የብሉን። ብዛዕባ እወታዊ ለውጢ ክኸውን ኣለዎ። መንግስቲ ምቕያር ወይ ኢሰያስ ምውራድ ፍታሕ ኣይከውንን እዩ። ዝመጽእ ለውጢ ኪነው ኢሰያስ ዝጠመተ ኣካታቲ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከየምጸና ክንምድረሉ ኣይንኽእልን። ውዱቕ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ንኹሉ ነገራት ብመንጽር ውዱቕ ኣተሓሳስባኦም እዮም ዝርእይዎ። ህዝቢ ኤርትራ ባርያ ኣይኮነን። ተጋዳላይ ኤርትራ ባርያ ኣይኮነን። እቲ ጅግና ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት እውን ባርያ ኣይኮነን። ባርያስ ናይ ባርያ ስራሕ ዝሰርሐ እዩ። እንቛዕ ኣብ ቱሽቱሽ ወያነ ተሸጒጠ ተላኣኣኺ ወያነ ኣይኮንኩ። ንሱ እዩ ባርነት።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዋደደ ርኡይ ስግኣት ነይርዎ፡ ነዚ ድማ ተጸሚሙ ክከውን ይኽእል እዩ። ኩሎም ኣህዛብ ዘርእይዎ ተርእዮ እዩ። ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣብ ትኣትወሉ ግዜ፡ ዜጋታት ኣተኩሮኦም ናብ ምክልኻል ሃገር ይቐንዕ። እዚ፡ ብዝኾነ መገዲ ነቲ መንግስቲ ክክተሎ ዝጸንሐ፡ ንምክልባት ዜጋታትን ጥሕሰት መሰሎምን ዝምልከት ተግባራት ዝከላኸል ኣይኮነን።

8. ሕጂ ግን ኣይከምቀደምን ንብሎም ኣለና ንእንዳ ህግድፍ። ውሒጅ ከይመጸ መገዲ ውሒጅ ጽረጉ ንብሎም ኣለና። እዚ ሓላል ህዝቢ እዚ ብእንዳ-ኣድሓኖምን እንዳ ህግድፍን ተጎዲኡ እዩ እሞ ክኻሓስ ኣለዎ። ኤርትራዊ ምትእኽኻብ የድሊ ኣሎ። እዚ ግዜ እዚ፡ ኤርትራ ዓቕምታታ ክተኣኻኽበሉ ዘለዋ ግዜ እዩ። ካብ ሕሉፍ ገጋታት ተማሂራ ብሓድሽ መንፈስ ናይ ሰላምን ዕርቅን ትብገሰሉ ግዜ እዩ። ኣብ ሕልኽልኽን ጥፍሽናን ዝተሰረተ ፖለቲካ ከብቅዕ ኣለዎ። መንእሰይ ኤርትራ፡ እዚ መድረኽ እዚ ብፍሉይነት ሓላፍነት የሰክመካ እዩ'ሞ ብዝሓደሰ መንፈስ ተላዓል። መጻኢ ዕድል ኤርትራ ኣብ እንግድዓኻ እዩ ዘሎ።
ቃለ-ምሕትት ኣምባሳደር ኣድሓኖም

SBS.COM.AU
 
SBS Tigrinya : Interview with AdHanom Gebremariam: ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግምባርን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ድማ ኣማሓዳሪ ዞባ፡ ኣምባሳደር ኣብ ስዊድንን ናይጀሪያን ዝነበረ፡ ኣባል ምስቶም ን ኣካይ.....
 
 
 
 
Gefällt mir
 
 
Love
 
 
Haha
 
 
Wow
 
 
Traurig
 
 
Wütend
 
 
 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events