World News

BBC.com: "ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣሎ ንምባል ኣይከኣልን" ጃዋር መሓመድ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Tuesday, 03 July 2018

3 ጁላይ 2018

ጃዋር መሓመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተወለዐ ህዝባዊ ናዕቢ ብድሕሪት ኮይኑ ዝመርሐ ሰብ ከምዝኾነ ይእመን።

ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ንዘሎ ለውጢ ብፍላይ ውፅኢት ቃልሲ ጃዋር ዓወት ገይሮም ዝሪኡ ውሑዳት ኣይኮኑን። ይኹን 'ምበር፡ በትረ ስልጣን መንግሰቲ ክጭብጥ ኣይደልን ይብል፤ ጃዋር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኬንያ ናይሮቢ ንስራሕ ኣብ ዝመፀሉ እዋን ብኣካል ረኺብና ሓደ ሓደ ሕቶታት ኣልዒልናነሉ ነይርና።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ሃገር ንምእታው ምኽንያት ዝኾነካ እንታይ እዩ?

ጃዋር፡ ብ2003 ኣብ 17 ዓመተይ እየ ንትምህርት ንደገ ወፂአ፡ እናተመላለስኩ ድማ ትምህርተይ ይቕፅል ነይረ። ምስ መንግስቲ ዝነበረኒ ርክብ እናሓርፈፈ ምስ መፀ፡ እዚ ሐዚ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝገብሮ መይላ ቃልሲ ንምክያድ ወሲነ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት በዚ ንሕና ዝመረፅናዮ እስትራተጂ ቃልሲ ብመሕበራዊ ሚድያን ብአካዳሚን እናካየድና ፀኒሕና።

እቲ ቃልሲ ሐዝ'ውን ኣይተዛዘመን፡ ግን ድማ ኣብቲ ስርዓት ለውጢ ንምምፃእ ኣኽኢሉና እዩ። ሃዋህው ፖለቲካ ናይዛ ዓዲ እናሰፍሐ መፂኡ እዩ። ናብ ሓቀኛ ዲሞክራሲ እንገብሮ ስግግር እናተፈጠነ ይርከብ። ካብዚ ኣንፃር፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣቲኻ ምስራሕ ተመራፃይ'ዩ።

ብፍላይ እቲ ከይዲ ስግግር፡ ብምሁሮ፣ ሚድያን ህዝብን ኣተሓባቢርካ ኣብቲ ገዛኢ ግንባር ፅዕንቶ ፈጢርካ ናብ ስግግር መንግስቲ ብቕልጡፍ ከምርሕ አለዎ። ተቓወምቲ ውድባት ድማ ጎልቢቶም ነቲ ስግግር መንግስቲ ክሕግዙ ምግባር ኣድላይ'ዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ክሳዕ ሐዚ ዘለኒ ትምህርትን ልምድን ንምክፋል ድልው እየ። ማዕኸናት ዜና ንምምራሕን ንምውዳብን ኣገዳሲ'ዩ ኢለ ስለዝኣመንኩ ኣብዚ ግዜ ናብ ዓደይ ንኽምለስ ወሲነ ኣለኹ።

ቢቢሲ፦ ንስኻ እትፍለጠሉ ስልቲ ቃልሲ ኣሎ። ድሕሪ ሕዚ እቲ ስልቲ ንሱ ድዩ ክቕፅልስ ሐድሽ መገዲ ኣለካ?

ጃዋር- ሰላማዊ ቃልሲ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓደ ምልካዊ ስርዓት ንምውጋድ ክትጥቀመሉ ትኽእል። ካብ ኩናት ዝበለፀ ውፅኢት ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ ቅድሚ ዓሰረት ገለ ዓመታት ክካታዕ ከለኹ ሰባት ይስሕቑ ነይሮም።

ነቲ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ መፂኡ ዘሎ ለውጢ ዓብዪ መስዋእቲ ተኸፊሉ እዩ፤ ብኩናት እንተዝኸውን ግን መስዋእቱ ካብኢ ንላዕሊ እዩ ክኸውን ነይሩ። እቲ ዝመፅእ ለውጢ'ውን እንተኾነ ልዑል ዕንወት ከስዕብ ይኽእል ነይሩ እዩ።

ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምስጋር እውን ብዙሕ ዕድል ኣይምሃለወን ነይሩ። ስለዝኾነ ህዝብና ምስ ሰላማዊ ቃልሲ ክፋለጥን ኣብ በረኻ ዘለዉ ዓመፅቲ ካብ ምፅባይ ኣብ ዘለዎ ኾይኑ ክቃለስ ምግባርን ጠቓሚ እዩ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/517C/production/_102306802_jawarmohammed.jpg

ካልኣይ ድማ ምልካዊ ስርዓት ምስኣወገድካ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትሃንፅ ይሕግዘካ።

እቲ ሕዚ እትሪኦ ዘለኻ ንቐዳማይ ሚኒስትር ዝግበር ናይ ድጋፍ ሰልፊ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጥራሕ ከይኮነስ ለውጢ ንምትብባዕን ናብ ዲሞክራሲ ዝግበር ስግግር ክቕልጥፍ፤ ነቲ ስግግር ዘዐንቅፉ ሓይልታት ድማ ተስፋ ክቖርፁ ንምግባር እዩ።

ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ሓይሊ እዩ ዘሎ። እቲ ሓደ ናይ መንግስቲ ሓይሊ እቲ ካልእ ድማ ናይ ህዝቢ ሓይሊ።

ናይ መንግስቲ ሓይሊ ሕዚ'ውን እንተኾነ ብኣብዝሓ ኣብ ኢድ እቶም ለውጢ ዘይደልዩ እዩ ዘሎ።

ንሶም'ዮም ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሊኾም ከውድቕዎ ኢሎም ዝነበሩ። ግና ህዝብና ብሰላማዊ ቃልሲ ብኣግባቡ ስለዝተሃነፀ፤ ብቐሊሉ ከፍሽለሎም ክኢሉ። ናብ ዲሞክራሲ ምስ ሰገርና'ውን እዚ ስልቲ ሓጋዚ እዩ። ኣብ ፀረ ግዕዝይና ክትሰርሕሉ ትኽእል።

ሓላፍነት መራኸብቲ ሓፋስ ኣብ ምጥንካር ክትጥምት ትኽእል። ኣብ መንጎ ህዝብታት ጎንፂ ከይፍጠር እትከላኸለሉ ብዙሕ ስልቲ ኣሎ። ነዞም ነገራት እዚኦም ክምህር እደሊ። ናብ ዓዲ ምስኣተኹ ሓደ ክገብሮ ዝደሊ ብመንፅር መራኸብቲ ሓፋሽ 'ቲንክ ታንክ' ከጣይሽ እደሊ። ምስዚ ተዛሚዱ ድማ ትካል መሰልጠኒ ኣመራርሓ፤ ነቲ ካብ ታሕቲ ዝመፅእ መንእሰይ ብቑዕ ንምግባር።

ቢቢሲ፤ ብዙሕ ግዜ ንናፅነትን ለውጥን ክቃለሱ ዝፀንሑ ሰባት ነቲ ዕድል ምስረኸቡ ካብ ተቓዋምነት ናብ ኣመስጋናይነት ዝሰግርሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። ንዓኻ እንፈልጠካ ነቲ ስርዓት ብምንቃፍ እዩ። ሕዚ ኣብ ስልጣን ምስዘለዉ ሰባት ዘለካ ፅቡቕ ርክብ ካብቲ እትፍለጠሉ ቃልሲ ክንደይ ዝኣክል ክልውጠካ እዩ?

ኣነኳ ስሩዕ ተቓዋሚ ከይከውን እየ ዝሰግእ። ምኽንያቱ ኣነ ናይ መንግስቲ መዝነት ናይ ምሓዝ ድልየት የብለይን።

መንግስቲ ድማ ኩልግዜ ክትደፍኦ ኣለካ። መናእሰይና መንግስቲ እንተዘይደፊእኻዮ ኣፀጋሚ ምኻኑ ክፈልጡ'ለዎም።

ምድጋፍ ፅቡቕ እዩ። ግን እንተደጊፍካዮ ኣብ ውሽጢ ኣቲኻ ብዘለካ ፍልጠትን ክእለትን ክትሕግዝ ኣለካ።

ምስ ናይ ኦህዴድ ቆልዑ ዘካትዓና ዝነበረ እውን እዚ እዩ። ኮፍ ኢልካ ንኦፒዲኦ ምጥቓዕ ዋጋ የብሉን።

ንኣብይ ሰልፊ ምውፃእ ምጥቃዕ ናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ መለስ ዜናዊን ኢህወዴግን ፍልጠትን ክእለትን ዘለዎ ተደፊኡ ወፂኡ እዩ።

ሕዚ ነቲ ክእለትን ፍልጠትን ንሱ ናብ ዓዲ ብምምላስ ኣብታ ዓዲ ናይዘለዉ ሰብሞያ ዓቕሚ ክብ ምባል ኣድላዪ እዩ።

ንመንግስቲ ዝፈትዉ፤ ንኣብይ ዝፈትዉ፣ ነቲ ዝተቐየረ ኢህወዴግ ንፈቱ ኢና ዝብሉ ሰባት ከጣቕዑ ኣይኮነን ዘለዎም። ኣትዮም ብክእለቶም ክሕግዙ ኣለዎም።

ብፖለቲካ ናብ መንግስቲ ክንኣቱ ዘይንደሊ ኣብ ሲቪክ ማሕበረሰብ ክንፀንሕ እንደሊ ሰባት ድማ ፈተና ፀላእና ተቓወምቲ ኮይንና ኢና ክንቅፅል። ከም ተቓዋሚ ውድብ ዘይኮነስነቐፍቲ መንግስቲ ኮይንና ኢና ክንቅፅል።

ምኽንያቱ ኣክቲቪስት እንተኾይንካ ክትዓግብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ዝገበረ እንተገበረ መንግስቲ ከሐጉሰካ ኣይክእልን።

ምኽንያቱ ሓደ ነገር እንተማሊኡልካ ሕዚ'ውን ዝጎድል ካልእ ነገር ኣሎ።

ኣሸምባይዶ ስእነት ፍትሒ፣ ፀገም ቁጠባን ካልኦት ፀገማትን ዘለውዋ ኢትዮጵያስ ኣነ ኣብ ዝነብረላ ኣሜሪካ ወይ ድማ ገነት ኣብ ዝበሃለ በዓል ስዊድንን ኖርዌይን እውን ኣክቲቪዝም መሰረታዊ ድልየት እዩ።

ኣብ መፃኢ ኣብ ዝገብሮ ከይዲ ብርግፅ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ህልም ኣብ ዝበለ ተቓውሞ ኣይቅፅልን።

ነዚ ኣፍርሱ ነቲ ድማ ኣዕንዩ ክብል ኣይክእልን። ምኽንያቱ ድማ ኣነን ካልኦትን ዘለና ሓደ ፀገም፤ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣመታት መንእሰይ መንግስቲ ከፍርስ ኣሰልጢንናዮ ኢና። ኣብዚ ሕዚ እዋን እኮ ብተግባር መንግስቲ ኣሎ ንምባል ኣይከኣልን።

ኣብ ታሕቲ ዘሎ መሓውር ኣፍሪስናዮ ኢና። ነዚ መንእሰይ ዳግም ዲሞክራሲ ምህናፅ፣ ሃገር መሊስካ ናይ ምህናፅ ክእለት ከነምህሮ ክንክእል ኣለና። ነዚ ምስ መንግስቲ እናተረዳዳእና እንሰርሖ ብዙሕ ነገር ኣሎ።

ብፍላይ ድማ ኣብቲ ሕዚ ዘሎ ስግግር፤ ንመንግስቲ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክድግፍ እየ።

ምኽንያቱ ድማ ናብ ፀድፊ እናኣተወት እናሃለወት እዩ ንሱ ፈንተት ኣቢልዋ።

ሕዚ ዘለና ዕድል፤ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ደው ብምባል ንዝጋገዮም ነገራት እናነቐፍና ግን ድማ ነዚ ለውጢ ከፍሽሉ ንዝደልዩ ሓይልታት ግና ብዘለና ፍልጠትን ስልትን እናዳኸምና ነታ ሃገር ናብ መፃኢ ክነሰጋግራ ኣለና።

ቢቢሲ፡ ቅድም ክብል ኣይተ ለማ መገርሳ ቀዳማይ ሚኒሰተር ክኾኑ ትድግፍ ነይርካ። ብፍላይ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ድማ ትቃወም ነይርካ። ሐዚኸ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ተድግፍ ዘለኻ፡ ካብ ልቢ ኣእሚንካሉ ዲኻ?

ጃዋር፡ ሓደ ሓደ ጥርጣረታት ነይሮምኒ፡ ሐዚ'ውን ኣሉውኒ። ይኹን'ምበር ሕዚ ብዘሎ ወድዓዊ ኩነታት መንግስቲ ኮነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ይድግፍ'የ።

ምኽንያቱ እታ ዓዲ ናብ ገደል ክትኣቱ ምስበለት እዩ አድሒንዋ።ናብ ገደል ክትኣቱ ዝደልዩ ሰባት ኣለዉ። ምስኣቶም ክንሓብር ኣይንኽእልን።

እታ ዘላትና ኣማራጺ ኣብ ጎኒ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይንካ ጉድለታቱ እናነቐፍና ብፍላይ ነዚ ለውጢ እዚ ከተዓናቕፉ ንዝደልዩ ሓይልታት ብዘጥረናዮ ተሰማዕነትን ፍልጠትን እናዳኸምና እታ ሃገር ንቕድሚት ክትስጉም ክንገብር ኢና።

እታ ዓዲ ናብ ህውከት ከይተምርሕ ኢሉ እውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ውልቀ መላኽነት ከይደፋፍእዎ ይሰግእ'የ።

እናተነኻኸፍዎ እንድሕር ከይዶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓይሊ ናብ ምጥቃም ክግደድ'ዩ፤ ከይዱ ከይዱ ድማ ናብ ውልቀ መላኽነት ከምርሕ ይኽእል'ዩ።

መብዛሕቲኦም ውልቀ መለኽቲ ፈትዮም ኣይኮኑን ናብኡ ዝኣትዉ፡ ዝደፋፍእዎም ነገራት ስለዘለዉ'ዩ።

ወይ ድማ ንዕኡ ኣልዮም ናብ ዝኸፍአ ኵናት ከይእተዉና። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀቲሎሞ እንተዝኾኑ ነይሮም ብወገንና ድማ ተመሰሳሊ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ነይርና ኢና።

እዚ ድማ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከእትወና ነይሩ እዩ። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ከይንኣቱ ምስ መንግስቲ ክንዛተ ኢና።

ብኣውርኡ ድማ ዓቕሚ ተቓውሞ ከጠናኽር ይደሊ እየ። ተቓዋማይ ወይ እውን ኣባል ተቓውሞ ውድብ ክኸውን ግን ኣይደልን። ዘጥረኽዎም ዓቕምታትን መላታትን ግን ኣለዉኒ። ዕድመ ልክዐይ እዚ እየ ሰሪሐ።

ተቓወምቲ ክጠናኸሩ ቀጺሉ ድማ ናብ ሓደ መስመር ተጸምቢሮም ቃልሶም ብእስትራቴጂ ክምራሕ ክሰርሕ ይደሊ እየ።

ጠንካራ ተቓዋሚ ኣብ ዘይብላ ሃገር ስርዓት ዴሞክራሲ ክትሃንጽ ኣይትኽእልን፣ ህዝብና ዝተፈላለዩ ኣማራጽታት ክህልውዎ ይግባእ።

ጸብሒ ደርሆ ጥራሕ ዝምገብ ሰብ ደርሆ ምብላዕ ይሞንዮ'ዩ። ጸብሒ ሽሮ ክህሉ ኣለዎ። ንሕናን ካልኦትን ስርዓቱ ንክዳኸም ዓብይ ነገር ኢና ሰሪሕና። ኣብ 2020 ኢና ኣብዚ ክንበፅሕ ኢልና ተሊምና ነይርና።

ይኹን'ምበር እቲ ከይዲ ብጣዕሚ ፈጢኑ ኣብዚ በፂሑ። እዚ ንባዕሉ ፀገም ኣለዎ። ሐዚ ኣብ መፃኢ ክልተ ዓመታት መሊኡ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክሰጋገርን ቀፂሉ ድማ እቲ ዝመፅእ መንግስቲ ቁጠባዊ ፀገማት እቲ ሕብረተሰብ እናፈትሐ ክኸይድ ኢና ነተሓሳስብ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events