World News

(ድምጺ ኣመሪካ) "ኣብ አዲስ አበባ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ 98 ሰባት ቆሲሎም፡ዝሞተ ሰብ ግን የለን" ኮሚሽን ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 23 June 2018

"ኣብ አዲስ አበባ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ 98 ሰባት ቆሲሎም፡ዝሞተ ሰብ ግን የለን" ኮሚሽን ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል

ሰነ 23, 2018

ዋሽንግተን — 

ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ 98 ሰባት ምቁሳሎም ዝሞተ ሰብ ግን ከምዘየለ ኮሚሽን ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ንድምጺ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም። ካብቶም ዝቖሰሉ 15 ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ምኳኑ በተወሳኺ ተፈሊጡ'ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ንዘተአታትውዎ ዘለው ለውጢ ንምድጋፍ ሎሚ አብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ሰልፊ ካብ ዝተሓባበሩ ሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ አምቦ መምህር ዝኾነ ስዩም ተሾመ “ ኣብቲ መድረኽ ስለዝነበርኩ ቁሩብ ነገራት ክርእይ ክኢለ እየ። ቅድሚ’ቲ ፍንጀራ ቁሩብ ዕግርግር ኔሩ” ድሕሪ ምባል ድሒሩ ኣብ ናይ ፖሊስ መኪና ዝተጻወዱ ነታጊ ከምዝተረኽበ'ውን ሓቢሮም።

እቶም ፖሊስ ኮሚሽነር ብተወሳኺ ብምክንያት’ቲ ፍንጀራ ዝሰዓበ ምድፍፋዕን ምርግጋጽን ሓደጋ ዝበጽሖም ሰባት ከምዘለው ገሊጾም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ ካብቶም ዝቖሰሉ ሰባት 57 ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጥቁር አንበሳ ሆስፒታል አገልግሎት ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሮም።




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events