Date: Saturday, 23 June 2018
ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ብዘጋጠመ ናይ ፍንጀራ መጥቓዕቲ 98 ሰባት ምቁሳሎም ዝሞተ ሰብ ግን ከምዘየለ ኮሚሽን ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ንድምጺ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም። ካብቶም ዝቖሰሉ 15 ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ምኳኑ በተወሳኺ ተፈሊጡ'ሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ንዘተአታትውዎ ዘለው ለውጢ ንምድጋፍ ሎሚ አብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ሰልፊ ካብ ዝተሓባበሩ ሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ አምቦ መምህር ዝኾነ ስዩም ተሾመ “ ኣብቲ መድረኽ ስለዝነበርኩ ቁሩብ ነገራት ክርእይ ክኢለ እየ። ቅድሚ’ቲ ፍንጀራ ቁሩብ ዕግርግር ኔሩ” ድሕሪ ምባል ድሒሩ ኣብ ናይ ፖሊስ መኪና ዝተጻወዱ ነታጊ ከምዝተረኽበ'ውን ሓቢሮም።
እቶም ፖሊስ ኮሚሽነር ብተወሳኺ ብምክንያት’ቲ ፍንጀራ ዝሰዓበ ምድፍፋዕን ምርግጋጽን ሓደጋ ዝበጽሖም ሰባት ከምዘለው ገሊጾም ኣለው።