World News

( ቢቢሲ) ኣቢይ ኣሕመድ፡ "ገበርቲ እከይ ኣይክቀንዖምን እዩ"

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 23 June 2018

ኣቢይ ኣሕመድ፡ "ገበርቲ እከይ ኣይክቀንዖምን እዩ"



ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ንዕኦም ንምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ቦምባ ኢድ ከምዝሓዘኑ ገሊፆም።

"እዛ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ተደሚሮም ብፍቕርን ብይቕሬታን ኣብ ሰማይ ኢትዮጵያ ፍቕሪ ንኽዘንብ ዝገበሩላ መዓልቲ እዩ" ኢሎም።

ነዚ ዘይደልዩ ሓይልታት ብዝተፀንዐን ብዝተተለመን መገዲ ብሙያ ተሓጊዞም፤ ህይወት ሰብ ንምጥፋእን ደም ንምፍሳስን ልዑል ፃዕሪ ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

"ዕላምኦም ዘይተዓወተ ዝወደቐን ዝኸሰረን እዩ" ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር፡ ውሑዳት ህይወቶም ዝሰኣኑን ዝቖሰሉን ሰባት ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ነዚ ዕላማ ህይወቶም ንዝኸፈሉን ንዝቖሰሉን ስድራ ፅንዓት ተመንዮም።

"እዚ መስዋእትነት ንሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ኢትዮጵያውያን ዝተኸፈለ መስዋእቲ ስለዝኾነ ኩል ግዜ ክንዝክሮ ኢና።" ኢሎም።

"ፍቕሪ ይዕወት፣ ይቕሬታ ይዕወት ምቕታል ግን ስዕረትን ውርደትን እዩ።" ድማ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ

ኣብቲ ዕለት ታሕጓስን ፍቕርናን ንምፅልማት ከምኡ'ውን ሓድነት ንምፍራስ ዝሓሰቡ ሓይልታት ከምዘይተሳኽዐሎም ተዛሪቦም።

"እቶም ደለይቲ እከይ ትማሊ ኣይተሳኽዐልኩምን፡ ሎሚ ኣይተሰኻዓልኩምን ፅባሕን እውን ኣይሳኽዐልኩምን" ዝበሉ ኣቶ ኣብዪ፡ "መንግስትን ህዝብን ናብ ዘይድለ ኣንፈት ንከይኸዱ ጥንቃቐ ምግባርን መአረምታ ምውሳድን እንተዝከኣል ፅቡቕ እዩ።" ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ዝተጀመረ ናይ ኢትዮጵያውያን ናይ ምድማር፣ ሓድነትን ፅንዓትን ሓሳብ ብናኣሽቱ ፍፃመታት ናብ ድሕሪት ከምዘይምለስ ብምሕባር፡ "ነዚ ተግባር ብዝፈፀሙ እኩያት ሰባት ሓዚንና ኣለና።" ኢሎም።

ንሶም ከምዝገለፅዎ እቲ ተግባር ከመይ ከምዝተፈፀመ ፖሊስ ሰፊሕ ምርመራ የካይዱ ምህላዎምን እቲ ምርመራ ምስተወድአ ንህዝቢ ከምዝግለጽን ሓቢሮም።

"ክሳብ ሽዑ ግን ኣብቲ ቦታ ዝነበርኩም ሰባት ዝረኣኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ዝኾነ ዓይነት ምልክት ንፖሊስ ክተፍልጡ ሓደራ እብል።" ክብሉ ፀዊዖም።

"ተሓባቢርና ብምስራሕ ንኽፍኣትን ፅልኣትን ክንስዕር ኢና' ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር፡ ንኢትዮጵያ ካብ ዝጀመረቶ ናይ ፍቕርን ይቕሬታን መገዲ ክገትኣ ዝኽእል ሓይሊ ከምዘይህሉ ተዛሪቦም።

"ብዝወደቐን ብዝተስዓረን ሓሳብ ዳግም ደው ከምዘይንብል ከረጋግፀልኩም እደሊ።" ከኣ ኢሎም።

ብዙሓት ሰባት ነቲ መጥቃዕቲ ዝገልፁ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ገፆም እናጠቅዑ እዮም።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events