World News

BBC.com: መምሀሪ ዝርርብ መፅሓፍ ትግርኛ-ሩስያኛ ተሓቲሙ ንንባብ በቒዑ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 13 April 2018

ያሮስላቭ ጉትጋርጽ

ያሮስላቭ ዝተብሃለ ኣብ ደቂ ሩስያን እስራኤልን ዝተረኸበ ፀሓፊ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ናብ ምድረ ሓበሻ ቅልቅል በለ።

መሬት ሓበሻ ካብ ዝሓቖፎም እንቅዓ ሽሻይ ኣልባቡ ናብ ዝሰሓቦ ቁውምነገር ኣድሀበ። ናብ መፅናዕቲ ቋንቋታት ግእዝን ኣምሓርኛን ኣተወ። እንትብል እንትብል ግና ሓዱሽ ነገር ምስ ደለየ ትግርኛ ዝተብሃለ ቋንቋ ምህላዉ ተረዲኡ ቀልቡ ኣኪቡ መፅናዕቲን ምርምርን ትግርኛ ጀመረ።

መሬት ኢትዮጵያ ኣሒሚዱ ናብ ኤርትራ ሰገረ። ኣብ ኤርትራ ናብ ከተማ ኣስመራ፣መንደፈራ፣ከረን፣ባፅዕ፣ደቀምሓረ፣ባረንቱን ኣቁርደትን ብምዝዋር እንታይነት ቋንቋ ትግርኛ ኣፅኒዑ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ መፅሓፍቲ ኣንቢቡን ምስ ሊቃውንቲ እቲ ቋንቋ ተራኺቡን ዘትዩን።

ኣብ ትግራይ ካብ ኣላምጣ ክሳብ ሑመራ ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረሉ መሬት ደጋጊሙ ብምኻድ ብዛዕባ እቲ ቋንቋ ብዕምቆት ክፈልጥን ክርዳእን ፅዒሩ።

"ቀንዲ ጠመተ መፅናዕተይ ኣብ ስነ ጽሕፈትን ስነ ላህጃን እዩ፤ብፍላይ ሙሳ ኣሮን ኣብ ዝፀሓፎም ስራሕቲ ዝያዳ ይግደስ" ይብል ያሮስላቭ።

ካብቶም ኣብ ኤርትራን ትግራይን ብቋንቋ ትግርኛ ዝተፀሓፉ እሞ ድማ ያሮስላቭ ተገዲሱ ዘንበቦም ይፀርሕ።

መፅሓፍ ያሮስላቭ ጉትጋርጽ

"ኣብ ኤርትራ መፅሓፍቲ ሙሳ ኣሮን፣መንፈሳዊ መፅሓፍቲ ንምሳሌ ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና፣ ካብቶም ዘበነዎት ፀሓፍቲ ድማ ናይ ኣለምሰገድ ተስፋይ፣ ካልኦት ብርክት ዝበሉ መፅሓፍቲ ስነ ልሳን ኣንቢበን የንብብን ኣለኹ።

ኣብ ትግራይ ድማ መፅሓፍቲ ገብረኪዳን ደስታ፣ ግርማይ ገብሩ ከምኡ እውን ካብቶም ዝፀንሑ መፅሓፍቲ ናይ ብርሃነ ኣቻሜ ኣንቢበ ኣለኹ" በለ።

እታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተሓቲማን ናብ ንባብ በቒዓን ዘላ ፈላሚት መፅሓፉ 452 ገፃት ኣለዉዋ።

እቲ መፅሓፍ ነቶም ትግርኛ ዝዛረቡን ናብ ሩሲያ ዝብገሱ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝሕግዝ መፅሓፍ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ ያሮስላቭ::

ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተዓዘቦ ኣፈላላይ ይዛረብ:: ኣብ ኤርትራ ዝበዝሕ ሰብ ላህጃ ሓማሴን እዩ ዝጥቀም::

ኣብ ትግራይ ድማ ብጣዕሚ ብዙሕ ላህጃዊ ፍልልይ ኣሎ::

"ኣብዚ ዝፀሓፍኩዎ መፅሓፍ ላህጃ ሓማሴን እየ ተጠቒመ:: ምክንያቱ ካብቶም ላህጃታት ትግርኛ እቲ ዝዓበየን ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦን ዳርጋ ፍርቂ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝጥቀምሉ ላህጃ ስለዝኾነ እዩ:: እቲ ዝበዝሕ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፃሒፉ ዘሎ ስነ ፅሑፍ ኣብ ላህጃ ሓማሴን ዝተመስረተ እዩ" ኢሉ::

ሓማሴን ጉጅለ ላህጃታት እዩ: ፍሉይ ላህጃ ኣይኮነን:: ኣብ ውሽጡ ሓማሴን:ሰራየ: ኣካለጉዛይ ጥራሕ እንተይኮነስ ሰሜን ትግራይ እውን ይሓቁፍ:: እዚ ላህጃ'ዚ ሑመራ: ሽረ: ኣክሱም ን ዓድዋን ክሳብ ዓሰብ ይበፅሕ ብምባል የብርህ::

ያሮስላቭ ጉትጋርጽ ኣብ መድረኽ ስነ ፅሑፍ መፅሓፍ ትግርኛ እንተንብብ

ያሮስላቭ ብሞሳ ኣሮን ዝተፀሓፈ "ወርቅሃ" ዘርእስቱ መፅሓፍ ናብ ሩሲያኛ ይትርጉም ምህላው ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ ተዛሪቡ::

ያሮስላቭ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ዝጀመሮን ዛጊድ ዘይትመለአን መፅሓፍ መዝገበ ቃላት የሰናድእ ኣሎ:: እቲ መፅሓፍ እንተወሓደ 30,000 ቃላት ክሕዝ እዩ::

"ኣብ ቋንቋ ትግርኛ እቲ ቐንዲ ነገር ደረጃ ስነ ፅሕፈት ክህልዎ ይግባእ:: እቲ ዘሕዝን ነገር ክሳብ ሕዚ ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ ዋላ ሓንቲ ስጉምቲ ኣይተወሰደን" እንትብል ኣገዳስነት ስነ ፅሕፈት ትግርኛ ይገልፅ::

"ላህጃ ምትንካፍ ህይወት ህዝቢ ምትንካፍ እዩ:: ላህጃ ፀጋ ህዝቢ እዩ:: ላህጃ ምቕያር ድማ ብፍፁም ኣይከኣልን:: ቋንቋ ስነ ፅሑፍ ግና ሓደ ዓይነት ክኸውን ከምዘለዎ ግልፂ እዩ" ብምባል ርእይትኡ ሂቡ።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events