World News

(ቢቢሲ) ድሕሪ ባህጊ ነጻ ንግዲ ኣፍሪቃ ዘሎ ታሪኽ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 22 March 2018

ድሕሪ ባህጊ ነጻ ንግዲ ኣፍሪቃ ዘሎ ታሪኽ

ኣፍሪቃ ናፋ ንግዲ ኣብቲ ኣህጉር ክፍጠር ትደሊAFP

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣዉሮጳን ስምምዕ ነጻ ናይ ንግድ ክምስርታ ዓሰርታት ዓመታት እዩ ወሲዱለን። ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ነገር ክትገብር ኣብ ጻዕሪ ትርከብ። ይኹን እምበር ኣብ ምጅማር እቲ ፈላሚ ተበግሶ ናይጀሪያ ከምዘይትጽንበር ብወግዒ ድሕሪ ምፍላጣ እቲ ጉዳይ ማዕረ ክንደይ ኮን ክሳለጥ ይኽእል ይኸውን ዝብል ሕቶታት የልዕል ኣሎ።

ስምምዕ ናጻ ንግዲ፡ ጽቡቅ ሓሳብን ንመጻኢ ዝድለን'ዩ። እዚ ካብ ኬፕታዉን ክሳብ ካይሮ ንዘለዉ 1.2 ቢሊዮን ሰባት ይሓቁፍ።

እዚ ስምምዕ'ዚ፡ ኣቑሑን ኣገልግሎትን ሰራሕተኛታትን ኣብ 50 ሃገራት ኣፍሪቃ ብነጻ ክኣትዉን ክወጹኡን ዘፈቅድ'ዩ። ኣብቲ ኣህጉር ዘሎ ስእነት ስራሕ መናእሰይ ብምንካይ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸር ዕድል ስራሕ ክፈጥር'ዉን ይሕሰብ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዉዉጥ ንግዲ ብምዕባይ ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን ጥረ ኣቕሐ ደልየን ዝመጽኣ ኣህጉር ካብ ምዃን ዘናግፋ'ዉን ክኸዉን'ዩ።

ስግኣታት

ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ ጥቡቕ ድሌት ኣለዎም። ኣብ ሩዋንዳ፡ ኪጋሊ ዝእከቡ መራሕቲ ድማ ነዚ ስምምዕ ክፍርሙ ትጽቢት ኣሎ።

ክፍሊ ንግድን ኢንዳስትርን ደቡብ ኣፍሪቃ "ኣብ ዉሽጢ ኣፍሪቃ ዝካየድ ንግድን ዝተዋሃሃደ ዕዳጋን ብምዕባይ ንልዕሊ ቢሊዮን ሰባት ዓመታዊ 2.6 ትሪሊዮን ዶላር ኣታዊ ንምፍጣር ድሉዋት ኢና" ኢሉ።

ሚኒስቴር ንግዲ ኬንያ ብወገኑ፡ ናጻ ዕዳጋ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ተወዳዳሪ ኢንዳስትሪን ኢንተርፕራይዛትን ንምጉልባትን ክብሪ ዝተወሰኾም ምህርታትን ከምኡ'ዉን ቑጠባዊ ዓቕሚ ንምግባልን ክሕግዘና'ዩ ኢሉ።

እንተኮነ ግና እዚ ስምምዕ ገና ከይተፈረመ ብወገን ናይጀሪያ ዝመጸ ዕንቅፋት ገጢሙዎ'ዩ።

ሓደ ስድራ ኣብ ዕዳጋ ካይሮAFP

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ናይጀሪያ ሙሐመድ ቡሃሪ ኣብዚ መድረኽ ከምዜእሳተፍ እንተፍልጥ መንግስቲ ናይጀሪያ ኣብ ዘዉፈኦ መግለጺ ድማ "ኣብ ናይጀሪያ ዘለዉ መዳርግቲ ኣካላት ስለዘየማኸረ እዚ ስምምዕ ዘተሓሳስቦም ጉዳይ ኣለዎ'ዩ" ክብል ኢሉ።

እዞም ቁልፊ መዳርግቲ ኣካላት ዝተብሃሉ ማሕበረሰብን ማሕበራትን ንግዲ'ዮም። እቶም ማሕበራት ንግዲ ብዛዕባ እዚ ስምምዕ ገለ ስግኣት ኣለዎም ዝተብሃሉ እንትኾኑ፡ እዚ ናጻ ቐጠና ንግዲ ኣብ ከባቢ ዶባት ናጻ ምንቅስቓስ ክህሉ ዝገብር ስለዝኽእል ንዕድላት ስራሕ ናይጀሪያ ሓደ ስግኣት ክኸዉን ይኽእል'ዩ ዝብል'ዩ።

ብዚ ስምምዕ ናጻ ንግዲ፡ ኩለን እተን ዝፍርማ ሃገራት ቐረጽ ንግድን ኣታዊ ዝኾን ኮታን ክንክያን ልዉዉጥ ንግዲ ኣፍሪቃ ከዕብያን ክሰማምዓ'የን ማለት'ዩ።

ኣብ ፈለማ ግና ናብ ጥቡቕ ቑጠባዊ ምትሕብባርን ዉህደትን ክመጻ ኣለወን። እቲ ቐጻሊ ጉዕዞ ናብ ጥምረት ጉምሩክ ክመጻን ምስቲ ዝተረፈ ዓለም ዘሎ ቐፍ ንግዲ ማዕረ ክመጻ ወይ ድማ ዝተሓተ ወይ ናጻ ቐጠና ንግዲ ክህልወንን'ዩ።

ድሕሪ እዚ ምስቲ ካልእ ዓለም ጽቡቕ ምሕዝነት ንግዲ ዝፈጠረ ቐጠና ክህሉ ብምግባር ፖለቲካዉን መተዓዳደጊ ገንዘብ ዉህደትን ክፍጠር ዝዓለመ ክኸዉን'ዩ።

ዓበዪ ሕቶ

እዚ ኩሉ መገዲ ሕብረት ኣዉሮጳ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ልዕሊ 50 ዓመታት"ዩ ወሲዱዎ። ኣብ ኣፍሪቃ ግና ከም ኢኮዋስን ማሕበረሰብ ንግዲ ደቡብ ኣፍሪቃን ዝበሉ ኣብነት ክኾኑ ዝኽእሉ ዝተወደቡ ጥምረታት ኣለዉ'ዮም።

ይኹን'ምበር፡ ብብርኪ ኣህጉር ንምትግባር ከቢድ ፈተና ክኸዉን ይኽእል'ዩ። መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ምስ ተመሳሳሊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ምስ ካልኦት ሃገራት ልዉዉጥ ንግዲ ክህልዋ'ያ ትደሊ።

ብልክዕ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ልዉዉጥ ንግዲ 16 ሚኢታዊት እንትሕዝ፡ ምስ ኤዥያ 51 ሚኢታዊት፡ ኣዉሮፓ ድማ 70 ሚኢታዊት ዝሓዘ'ዩ።

ክንደይ ሃገራት እየን እዚ ስምምዕ ክቕበላ ዝብል ድማ ካልእ ፈተና"ዩ። ሕብረት ኣዉሮፓ ኣብ 1950ታት ከይዲ ዉህደት እንትጅምር ሽዱሽተ ሃገራት ጥራሕ ነይረን ዝተጸምበራ።

ሰራሕተኛታት ኣብ ህንጸት መገዲ ባቡርAFP

ድሕሪ ልዕሊ 60 ሃገራት ሕብረት ኣዉⶂጳ 28 ሃገራት እየን ዘለዉኦ። ኣፍሪቃ 54 ሃገራት ኣለዉኣ። ስለዝኾነ ተግባራዉነትን ምትሕብባርን ወሳኒ'ዩ።

ነዚ ፓርላማ ኩለን ሃገራት እዚ ስምምዕ ከጽድቆ ኣለዎ። ቐጠና ናጻ ንግዲ ኣፍሪቃ ዓብዪ ዕዮን ሕቶን'ዩ። ኮይኑ ግና፤ ንቑጠባዊ ዉህደትን ንግድን ዝከዶ ርሕቀት ክህሉ እንተኽኢሉ፡ ዜጋታት እቲ ኣህጉር ረብሕኡ ክርድኡዎ'ዮም።

ክንደየናይ ቐልጢፉ ተግባራዊ ይኸዉን ዝብል ኣብ ትኹረትን ቐርጸኝነትን'ዩ ዝዉሰን።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events