World News

(ድምጺ ኣመሪካ) "መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ህዝቢ ንፍትሕን ናጽነትን ንዝገብሮ ቃልሲ፡ መኣዝን ንምስሓት ግዳማዊ ክገብሮ ምፍታን ልሙድ ባህሪኡ`ዩ" ውድብ ሓርበኛታት-ግንቦት ሸውዓተ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 22 March 2018

 "መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ህዝቢ ንፍትሕን ናጽነትን ንዝገብሮ ቃልሲ፡ መኣዝን ንምስሓት ግዳማዊ ክገብሮ ምፍታን ልሙድ ባህሪኡ`ዩ" ውድብ ሓርበኛታት-ግንቦት ሸውዓተ


መጋቢት 22, 2018

ተወልደ ወልደገብረኤል



ዋሽንግተን — 

ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ህጹጽ ግዜ አዋጅ መግለጺ ዝሃቡ ኮሚሽነር ፖሊስ ኣሰፋ ኣብይ፡ ብኣተሓባባርነት ኤርትራ ጸረ-ሰላም ዝበልዎም ሓይልታት ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ገሊጾም ኔሮም።

ኮሚሽነር አሰፋ አብይ: ናይ ሰሙን’ዚ ኣፈጻጽማ ኮማንድ ፖስት ዕውት ኔሩ ድሕሪ ምባል ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት መንገድታት ከምዝተዓጽወን ኣገልግሎት መጉዓዝያን ካልኦት ኣገልግሎታትን ምትዕንቓፋት ከምዝነበሩን`ውን ገሊጾም`ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኻብቲ ክቆጻጸሮ ዘይኽኣለ ውሽጣዊ ቕልውላው-ጸጥታ ንምህዳም ዝገብሮ ምስምስ`ዩ ኽብል መሊሱ’ሎ።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝረኽቦ ብረት ከምዘየለን፡ ሰራዊቱ ምስ ወያነ ኣብ ኩናት ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑን ገሊጹ። ኣብ ቀረባ ኣብ ከባቢ ሞያለ ስጉምትታት ከምዝወሰደ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል-ኦነግ፡ “ዝሓለፈ ሰንበት መጋቢት 18 ኣብ ምዕራባዊ ወለጋ ናይ ነዳዲ ቦጥን ዓጃቢታን ተሃሪመን፡ ብኽልተ ኦራል መካይን ዝጉዓዙ ዝነበሩ ወተሃደራት`ቲ ስርዓት`ውን ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኮይኖም`ዮም” ኢሉ።

ውድብ ሓርበኛታት-ግንቦት ሸውዓተ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “ስርዓት ወያኔ፡ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘስፈኖ ምልካዊ ኣገዛዝኣ፡ ህዝቢ ፍትሕን ናጽነትን ንምርካብ ንዝገብሮ ቃልሲ፡ መኣዝን ንምስሓትን ግዳማዊ ንምግባርን ዝፍትኖ ልሙድ ባህሪኡ`ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ምስ ኤርትራን ካልኦት ናይ ደገ ሃገራትን ዘተሓሕዝ የብሉን ይብል።

ብኻልእ ወገን፡ ኣባላትን ደገፍትን ዓረና ትግራይ ኣብ ዲያስፖራ ዝተባህለ ማሕበር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ናይ ሕወሓት ውልቀ-መለኽቲ መራሕቲ፡ ዙርያኦም ብወተሃደራዊ ሓይሊ ተኸቢቦም እንተረኣዩ፡ ፈረስቲ ምዃኖም ካብ ታሪኽ ኣይምሃሩን`ዮም ይብል።

“ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ነታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ህውከትን ምፍሳስ-ደምን ንኽትኣቱ ዝዕድም ስለዝኾነ ብህጹጽ ክልዓል ንሓትት።”

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events