World News

(ቢቢሲ) ቅልውለው ሞያሌ ሕጂ'ውን ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 20 March 2018

ቅልውለው ሞያሌ ሕጂ'ውን ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ


20 ማርች 2018
ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ ላስቲክ ኣብ ዝተሰርሐ መዕቖቢ ይነብሩ ኣለዉ

ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ካብ ኢትዮጵያ ሃዲሞም ኣብ መዕቆቢ መዓስከራት ንዝርከቡ ስደተኛታት ብምብጻሕ ኩነታቶም ተዓዚቡ።

ካብ ሞንጎ እዚኦም ሰብ ሙያ ሕክምና 'ዕድለኛ' ኢሎም ዝጽዉዑዎ ጉዮ ጃርሶ'ዩ። ጉዮ ኣብ ከተማ ሞያሌ ኣብ ስራሕቲ ጎሚስታ'ዩ ተዋፊሩ።

''እቲ ኩነታት ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ'የ ነይረ። ዝኣበስናዮ ነገር ኣብዘየሎ ኣብ ልዕሌና ተኵሶምልና። ኣነ ብኽልተ ጥይት ተወቒዐ'የ። ክልተ መሓዙተይ ሽዑ እንትሞቱ፡ እቲ ሓደ ሕዚ'ዉን ኣብ ሆስፒታል ኣሎ" ክብል ኣምሪሩ ይዛረብ።

ኣብቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝረኸብናዮም ሰብ ሙያ ጥዕና ማሕበር ቐይሕ መስቀል ናይዚ ሰብ ህይወት ምትራፋ ከምዝገርም'ዮም ዝገልጹ።

ጉዮ ጃርሶ፡ ብኽልተ ጥይጥ ተወቒዑ

ኣደ ክልተ ቖልዑ ዝኾና ወይዘሮ ከድጃ መሃመድ ሓንቲ ካብቶም ስደተኛታት'የን። ኣብ ከተማ ሞያሌ ብሸቐጣ ሸቐጥ ዝመሓደራ ዝነበራ እንትኾን "ንዓይን ንደቀይን ዘስግእ ስለዝኾነ ሃዲመ መጺአ" ክብላ ይዛረባ።

ወይዘሮ ከድጃ ''ኣነ ተኻርየ ኣብ ዝነብረሉ ገዛ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ሰባት ሞይቶም'ዮም። ማዕጾ ገዛይ ኸፊተ እንትወጽእ ድማ ኣብ ልዕለይ ተተኲሱኒ። ኣላህ ሓልዩኒ ህይወተይ ተሪፋ። ድሕሪኡ ግና ማዕጾይ ዓጽየ ክሳብ ዝሓልፉ ተጸብየ ደቀይ ሒዘ እታ ከተማ ገዲፈ መጺአ" ክብላ እቲ ዝነበረ ኩነታት ይዛረባ።

ደቀንን ደቂ ጎረቤተንን ኣብቲ ብላስቲክ ዝተሰርሐ ቴንዳ አዕሪፎም ነይሮም።

ህጻን ራሄል

ካብቶም ቖልዑ፡ ንጓል 10 ዓመት ኢቅራን፡ ጓል 15 ዓመት ራሄል ቢቢሲ ብፍቓድ ስድርአን ኣዘራሪብናየን።

ኢቅራ ተምሃሪት ሓምሻይ ክፍሊ ኮይና "ህጻናት ክቕተሉ ርእየ። ክመሃር'ኳ ድሌት እኳ እንተለኒ ግን ናብቲ ከባቢ ክምለስ ኣዝየ'የ ዝፈርሕ" ኢላ።

ራሄል ብወገና እቲ ዝነበረ ኩነታት እንትትገልጽ፡ ''ኣብቲ ፍጻመ ብዙሕ ደም ርኢና። ንዓና'ዉን ክቐትሉና'ዮም ኢልና ድማ ናብዚ መጺእና" ትብል።

ካብ ሞያሌ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ ኬኒያ ሃዲሞም ኣትዮም

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሞያሌ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ብጌጋ ምንበሩ ብምሕባር ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ዝሓለፈ ቐዳም ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ጀነራል ኣሰፋ ኣብዪ ተዛሪቦም'ዮም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬኒያ ዲና ሙፍቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ድማ ካብ ሞንጎ እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ናብ ዝመጽሉ ክምለሱ መንግስቲ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ'ዮም ተዛሪቦም። እንተኾነ ግና ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ግና ብርክት ዝበሉ ሰባት ዶብ ኣቋሪጾም ናብቶም መዕቖቢታት ይኣትዉ ከምዘለዉ እዩ ልኡኽ ቢቢሲ ተዓዚቡ። ካብ ሞንጎ እቶም ዘዘራረብናዮም ድማ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ድሌት የብሎም።

ካብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኢን ኤች ሲኣር) ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ እቶም ዶብ ሰጊሮም ኣብ ኬንያ ተዓቚቦም ዘለው ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ልዕሊ 10 ሽሕ ይግመቱ።

ወርልድ ቪዥን ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ከኣ 80 ሚኢታዊት እዞም ተመዛበልቲ ቆልዓ ሰበይቲ እዮም። ኣብቲ ሶመሬ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዕቆብ ስደተኛታት ልዕሊ 3ሽሕን 500ን ሰባት ይርከቡ።

ኣብቲ መዓስከር ሰባት ተጸቓቒጦም ስለዝነበሩን ብቑዕ መሳለጥያ ንጽህና ብዘይምህላዉን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከይክሰቱ ስግኣት ከምዘለዎ ወኪል ወርልድ ቪዥን ደንከን ኦዳዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብዚ ግዚያዊ መዕቖቢ ብርክት ዝበሉ ህጻናትን ነፍሰ ጹር ኣደታትን ስለዝርከቡ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ተቓላዕቲ ከምዝኾኑ ብምግላጽ ምልክታት ዉጽኣት ከምዝተርኣዩ'ዮም ዝዛረብ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ቀልጢፉ ምርግጋእ ዓሲሉ ቑጽሪ ስደተኛታት ቀልጢፉ እንተድኣዘይነክዩ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ክኸዉን ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።

ኬንያዉያን ኽዳዉንቲ እናዓደሉ

ህዝብን መንግስቲ ኬኒያ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬኒያን ወርልድ ቪዥንን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓገዝ ይህቡ'ዮም ዘለዉ።




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events