World News

( ድምጺ ኣመሪካ ቋ/ ትግርኛ ) ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብታ ሃገር ክወጽእ ሚ.ወጻኢ ጉዳያት’ታ ሃገር ሓቢሩ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 18 January 2018

ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብታ ሃገር ክወጽእ ሚ.ወጻኢ ጉዳያት’ታ ሃገር ሓቢሩ 

ጥሪ 18, 2018
  • ተወልደ ወልደገብረኤል














ዋሽንግተን — 
ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን ዘሙይ ፡ ኣስገዳድ ቀረጽ ተኽፍሉ ኣለኹም ብዝብል ካብ`ታ ሃገር ክወጽእ ብሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት`ታ ሃገር ተነጊርዎ።
ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን ብወገኑ፡ ኣገልግሎት መንግስቲ ኤርትራ ዝሓተተ ዜጋ፡ ብፍቓዱ መሕወይ ግብሪ ክኸፍል ዝጸንሐ ሕጊ `ዩ፡ ንሕና ግን ክፈል ኢልና ዘገደድናዮ የለን ይብል።
ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮውሃንስ ድማ፡ ፓርላማ ሆላንድ ብዝገበሮ ምርመራ ኣባላት ፓርላማ ክሳብ ምዕጻው ኤምባሲ ኤርትራ ሓቲቶም ኔሮም`ዮም ፡ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኔዘርላንድስ ግን ንኣቶ ተኸስተ ብምብራር ማእከላይ ውሳነ ክወስድ መሪጹ ይብል።






EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events