ኣይትተሃመል
ኣይንህመልን ኢና ዘይህመሉ ንዲዮም ኣዉሪሶምና
ብንጽል ዘይኮነ ብማዕበል
ንኹልና ኢዩ ማዕድ ኦም ንቀበል
ንመንሰይ ጥራሕ ኣይኮነን
ኣለዉና ዝሓተሉ ኣረጋዉያን
ፍጹም ዘየሕፍሮም ምዉያን
መንእሰዩ ሆዝብል ዘሎ ንሃገሩ
ዝምክት ዘፍሪ ጻሕቲሩ
ብዕሩቕ ዝባኑ ኣፍራዛ ዓቲሩ
ገለ የማዕዱ ኢዱ ኣጣሚሪ
ከማርሩ ዝዉዕሉ ሓንቲ ከገበሩ
ወረ ክንደይ ይደፍሩ ዘይሓፍሩ
ንዘማ ኣይትተሃመል ሰሚዕም ዝዓፍሩ
ኣብክንዲ ብተግባሮም ተጣዒሶም ዝርዕሙ
ኣይንህመልን ተሳሒልና ኢና ብተመኩሮ
ኣሕሊፍናዲና ነቲ መሪር ዝመረሮ
ንጠላማት ንሓንቀሉ ዘለና ጎሮሮ
ዘይሓዊ ሕማም ኣሕዲርናሎም ምንሽሮ
እነዉለ ፋሕፋሕ ይብሉ ይጽበዩ ቀባሮ
ኣይትተሃመል ሃገርካዩ ሃገርካ
ረሳኻኮ ኣይተፈልዮን ኣይኮነንዶ ሂወትካ
ናብ ኣ ኢኻ ዊዒልካ ሓዲርካ
ስደት ጊዝያዊዩ ክሳብ ዝሰጎካ
ወልካም ተበሉ ከጽንቱኻ
ምጉሕጋሕ ክጥዕሞም ሃብትኻ ኣይትህመልን እበር አሪትራዊ እንዲኻ
ኣይንተሃመል ከየዘንግዑና
ጽረ ሃገራዉነት ከየልምሱና
ዝሓሰቡ ከባልዑና ነንሕድሕድና
ኣይከ ኣሉን ተሪሩ መሰረት መንደቕና
መሲልዎም ከም ማለሊት ዝገማምዑና
ንሕና ብሓድነት ተሪርና
ናይ ሎሚ ወሪዱ ዘሎ ምፍንጫል ማለሊት ይከታተሉ ዘና
ክብርን ዝኽርን ንሰማታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ
ማንሃይም (Germany)