World News

ኣይትተሃመል - ወልዳይ ተኸስተ - ማንሃይም

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 14 January 2018

ኣይትተሃመል 

ኣይንህመልን ኢና ዘይህመሉ ንዲዮም ኣዉሪሶምና
ብንጽል ዘይኮነ ብማዕበል
ንኹልና ኢዩ ማዕድ ኦም ንቀበል
ንመንሰይ ጥራሕ ኣይኮነን 
ኣለዉና ዝሓተሉ ኣረጋዉያን
ፍጹም ዘየሕፍሮም ምዉያን
መንእሰዩ ሆዝብል ዘሎ ንሃገሩ
ዝምክት ዘፍሪ ጻሕቲሩ
ብዕሩቕ ዝባኑ ኣፍራዛ ዓቲሩ
ገለ የማዕዱ ኢዱ ኣጣሚሪ
ከማርሩ ዝዉዕሉ ሓንቲ ከገበሩ
ወረ ክንደይ ይደፍሩ ዘይሓፍሩ
ንዘማ ኣይትተሃመል ሰሚዕም ዝዓፍሩ 
ኣብክንዲ ብተግባሮም ተጣዒሶም ዝርዕሙ
ኣይንህመልን ተሳሒልና ኢና ብተመኩሮ 
ኣሕሊፍናዲና ነቲ መሪር ዝመረሮ
ንጠላማት ንሓንቀሉ ዘለና ጎሮሮ
ዘይሓዊ ሕማም ኣሕዲርናሎም ምንሽሮ
እነዉለ ፋሕፋሕ ይብሉ ይጽበዩ ቀባሮ
ኣይትተሃመል ሃገርካዩ ሃገርካ 
ረሳኻኮ ኣይተፈልዮን ኣይኮነንዶ ሂወትካ 
ናብ ኣ ኢኻ ዊዒልካ ሓዲርካ
ስደት ጊዝያዊዩ ክሳብ ዝሰጎካ
ወልካም ተበሉ ከጽንቱኻ
ምጉሕጋሕ ክጥዕሞም ሃብትኻ ኣይትህመልን እበር አሪትራዊ እንዲኻ
ኣይንተሃመል ከየዘንግዑና 
ጽረ ሃገራዉነት ከየልምሱና 
ዝሓሰቡ ከባልዑና ነንሕድሕድና 
ኣይከ ኣሉን ተሪሩ መሰረት መንደቕና 
መሲልዎም ከም ማለሊት ዝገማምዑና 
ንሕና ብሓድነት ተሪርና 
ናይ ሎሚ ወሪዱ ዘሎ ምፍንጫል ማለሊት ይከታተሉ ዘና
ክብርን ዝኽርን ንሰማታትና 
ዓወት ንሓፋሽ

ወልዳይ ተኸስተ 
ማንሃይም (Germany)

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events