World News

Tigrigna.VoaNews.com፡ 'ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ኣፈታትሕኡን' ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝቀረበ ጽሑፍ መዘራረቢ - 1ይን 2ይን ክፋላት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 10 January 2018

'ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ኣፈታትሕኡን' ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝቀረበ ጽሑፍ መዘራረቢ ኮይኑ (1ይ ክፋል)

ጥሪ 10, 2018
ኣብ`ዚ ጠዊቕካ ስማዕ፡

መበገሲ’ዚ ፍሉይ መደብ’ዚ ኣቶ ኣማኑኤል ኣለማየሁ ኣብ’ዚ ቀረባ ዘዳለዎ ‘ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ኣፈታትሕኡን’ ዝብል ጽሑፍ’ዩ።

እቲ ሰፊሕ ጽሑፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራት ዝሓለፉ ኣስታት 40 ዓመታት ይትንትን። ዓወትን ውድቀትን ውድባት ኢትዮጵያን ኤርትራን’ውን ይጠቅስ።

ነቲ ጽሑፍ ዘንበበ ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ ‘ጽሑፍ ኣቶ ኣማኑኤል ኣለማየሁ፣ ንህወሓት ካብ ውድባዊ ናብ ውልቀ ሰባዊ ትካል ዝቐየረ መለስ፣ ህወሓት ክሳብ 99 ጽቡቕ ነይራ፣ ዳሓር ውልቀ ምልኪነት ነጊሱ ብርእሲ መለለ ምሕሳብ ተጀሚሩ፣ ናይ መለስ ራኢ’ምበር ካልእ ፖለቲካዊ ራኢ የለን ዝብሉ ብፍላይ ካኣ ካብ ሓደ ተጋዳላይ ዝነበረን ዘይተጸበቕኽዎን ዘገረመለይ’ ይብል።

ኣማኑኤል ገ/ትንሳኤ ወሲኹ ‘መለስ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፈተነ ቅትለት ገይሩ ህወሓት ሓሚማ ንሱ ግን ቀዲሙዋ ከይዱ' ዝብል ኣገላልጻ ኣቶ ኣማኑኤል ኣለማየሁ 'እሞ ንመለስ ዝፈልጥ ሰብ ከም’ዚ ምባሉ ትኽኽል ዘይኮነን እቲ ጽሑፍ ጸግዒ ዝሓዘ ምኻኑ’ዩ ዘርእየኒ’ ኢሉ።

ኣማኑኤል ኣለማየሁ ብወገኑ ‘መጀመርያ ነገር ኣማኑኤል ገ/ትንሳኤ ኣይትደንግጽ፣ ተጋዳላይ ህወሓት ንመለስ ብከመይ ይሪኦ ዝብል ሕቶ ብዙሕ ከደንግጸና የብሉን። ምኽንያቱ፣ ዕላማ ቃልሲ ሓሳብካ መታን ብናጻ ክትገልጽ’ዩ፣ ብሪኢቶ ዘይስንብዱ መራሕቲ’ዮም ዘድልዩና’ ይብል።

ንሱ ወሲኹ ‘ሪኢቶ ዝህብ ዘለኹ ብዛዕባ ውዳበ’የ። ውዳበ ምፍራስ ማለት ንሓንቲ ሃገር ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ከምዝኾነ’የ ገሊጸ’ምበር መለስ ትኽኽለኛ ዕላማ ድዩ ተኸቲሉ ኣብ ዝብል ኣይኮነን’ በለ።

*******************************************************************************

'ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ንህወሓት ኣበይ ኣብጽሕዋ?' ዘርእስቱ ክትዕ ኣማኑኤላት ኣብ ቪኦኤ (2ይ ክፋል)

ጥሪ 08, 2018
ኣብ`ዚ ጠዊቕካ ስማዕ፡

ድሕሪ ናይ 35 መዓልታት ኣኼባ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ስዒቡ ዝተተግበረ ምትዕርራይን ኣቶ ኣማኑኤል ኣለማየሁ ‘ጠንቂ ፓለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ኣንፈት ኣፈታትሕእኡን’ ዝብል ገምጋማዊ ጽሑፍ ከምዘቅረበ ዝዝከር’ዩ።

ጸሓፋይ ኣማኑኤል ኣለማየሁ ተጋዳላይ ህወሓት ዝነበረ ሎሚ ኣብ ኣዲሳበባ ኣብ ናይ ውልቀ ስራሕ ተዋፊሩ ዝርከብ ሰብ’ዩ። ካልኣይ ጋሻና ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ መቐለ እዩ።

ኣማኑኤል ኣለማየሁ ‘ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፣ ሓባራዊ መሪሕነት እናሞተ፣ እቲ ዕድል ዝህብ ህወሓት እናደኸመ እዩ ከይዱ’ ይብል። ኣማንኤል ወሲኹ ‘ህወሓት ቅድሚ ሕዚ ናይ መሪሕነት ምልመላ ስርዓት ነይሩዎ፣ ስርዓት ስልጠና ነይሩዎ፣ ስርዓት ምልመላን ስልጠናን ካድረ ነይሩዎ፣ ነዚ ስርዓት’ዚ እዩ ኣጥፊእዎ ዝብል ዝለኹ’ውን’ ይብል።

ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ ብወገኑ ‘ውድብ ባዕሉ ገምጊሙ ኣብ ተሃድሶ ከምዘሎ ንሪኦ ኣለና። እቲ ነጥቢ ኣማኑኤል ኣለማየሁ ቅድመን ድሕረን 93 ዓም ብዝብል ምጽሓፉ’ዩ። ምስ ዘይነጻጸር ኣይነነጻጽር ኢና ዝብል ዘለኹ። ቅድሚኡ ዝነበረ ኣገባብ ቃልሲ ካልእ’ዩ፣ ድሕሪ ዘሎ ቃልሲ ካልእ’ዩ’ውን ይብል።

 


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events