World News

BBC.com: ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ፡ 'ኣብ ጉዳይ እሱራት ብጌጋ ተጠቒሰ'የ'

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 05 January 2018

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ፡ 'ኣብ ጉዳይ እሱራት ብጌጋ ተጠቒሰ'የ'

ወርሒ ጥሪ ዕለት 5, 2018
ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማረዕኣም ደሳለኝ፡ ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣቡጃ ጥቅምቲ 29, 2017
Image copyrightAFP
ናይ ምስሊ መግለጺ
ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ከምዝፍትሑ ተዛሪቡ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ'ዮም ንዝብል ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ብጌጋ ከምዝጠቐሶ ብምግላጽ፡ ገለ ፖለቲከኛታት ጥራይ'ዮም ምሕረት ዝግበረሎም ኢሉ። ምኽንያት እቲ ግጉይ ጸብጻብ ናይ ኣተረጓጉማ ጌጋ ምዃኑ ሓደ ሓጋዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እሱራት ይግረፍሉ'ዮም ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ክዕጾ ምዃኒ ድማ ኣፍሊጡ። ካብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ንደሓር፡ ኢትዮጵያ ብፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ክትናወጽ ጸኒሓ'ላ።

እቲ ስጉምቲ "ኣብ ኢትዮጵያ ንዝጸንሐ ደማዊ ዘመነ መድቆስቲ ከምዘብቅዕ ክገብር'ዩ" ኢሉ ተጥባቒ መሰል ደቂ ሰባት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል። እንተኾነ ግን ምዕጻው ቤት ማእሰርቲ ማእከላዊ፡ ኣብቲ ቦታ ንዝተፈጸሙ "ኣሰቀቕቲ" ተግባራት መሸፈኒ ክኸውን ይብሉን ክብል ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባትን ተቓወምቲ ውድባትን ኣብታ ሃገር ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣለዉ ንዝብልዎ ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።

"ሃገራዊ ምርድዳእ ንምስፋንን ፖለቲካዊ ምሕደራ ንምስፋሕን፡ ገበን ፈጺሞም'ዮም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዝጸንሑን ዝተፈረዱን ገለ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ውልቀ-ሰባትን፡ ጉዳዮም ተመርሚሩ ምሕረት ክግበረሎም ወይ ድማ ጉዳዮም ክቋረጽ'ዩ" ይብል እቲ ብሓሙስ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝወጽአ መግለጺ። ክንደይ ሰባትን መዓስን ከምዝፍትሑ ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ሓደ ቀንዲ ካብ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝኾነ፡ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ሕብረት (መድረኽ)፡ መብዛሕትኡ እዋን እቲ መንግስቲ "ኣብ መንቀራቕሮ ምስ ኣተወ"፡ "ጊዜ ንምግዛእ" ከምዚ ዓይነት ስጉምትታት ይወስድ'ዩ ኢሉ። እቲ ዘተ ሓቀኛ እንተኾይኑን ናብ ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ዘምርሕን እንተኾይኑ ግን፡ መድረኽ ምስ መንግስቲ ክዛተ ቅሩብ ምዃኑ፡ ተሓጋጋዚ መራሒ'ቲ ሰልፊ ዝኾነ በየነ ጴጥሮስ ኣፍሊጡ።

እቶም እሱራት በዓል መን'ዮም?

እቶም እሱራት ኣብተን ማእከላት ናይ'ቲ ኣብ 2015ን 2016ን ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኮይነን ዝጸንሓ ምምሕዳራት ዞባ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ሰባት፣ ንመንግስቲ ዝነቕፉ ጋዜጠኛታትን እዮም ኢሉ ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣማኑኤል ኢጉንዛ። ከም ኣብ 2014 ኣብ ጉዕዞ እንከሎ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ የመን ተጨውዩ ናብ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ዜግነት ናይ ብሪጣንያ ዘለዎን ብምኽንያት ኣንጻር መንግስቲ ዝገብሮ ምንቅስቓስን ኣብዘይተሳተፎ መጋባኣያ (ብኣብሰንስያ) ንሞት ዝተፈርደን ኣንዳርጋቸው ጽጌ ድማ ይርከብዎም።

ብርግጽ ክንደይ ዝኣኽሉ እሱራት ከምዘለዉ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ'ዩ፡ ልኡኽና ግን ዓበይቲ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝርከብዎም ብመሰረት ሕጊ ኣንጻር ሽበራ ናይታ ሃገር ዝተኣስሩ ኣስታት ሓደ ሽሕ እሱራት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ይግምት። እንተኾነ ግን ካልኦት እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ድሕሪ ምእዋጁ ዝተኣስሩ'ሞ ገና ጉዳዮም ዘየብቅዕ ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት'ውን ኣለዉ ይብል ንሱ።

ብሓቂ ግን ክፍትሑ ድዮም?

እቲ መንግስቲ ገና ናይ ምፍትሖም ናይ ጊዜ መቐን ኣይሃበን። ልኡኽና ግን ብዙሓት ካብቲ ጉዳያት ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ክኾነ እንከለዉ፡ ካልኦት እቲ መንግስቲ ግብረ-ሽበራውያን'ዮም ምስ ዝብሎም ጉጅለታት ምትእስሳር ዘለዎም'ውን ኣለዉ ይብል። ዓሰርተ ትሽዓተ ምስቲ ኣሸባሪ'ዩ ተባሂሉ ዝተመደበ ግንቦት ሸውዓተ ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ንማእሰርቲ ተፈሪዶም። ኩሎም ክፍትሑ ድዮም ኣይፍትሑን ግን ጸኒሕካ ዝርኤ'ዩ።

ዝኾነ ይኹን ዘተ ነተን ከም ፈደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ዝኣመሰላ ሕጋውያን ተቓወምቲ ሰልፍታት ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ፡ ተኣሲሮም ዘለዉ መራሕተን ድማ ኣብቲ ዝግበር ዘተ ምሉእ ብምሉእ ንኽሳተፉ ክፍትሑ ኣለዎም ይብል ልኡኽና።

እቲ ቤት ማእሰርቲ'ኸ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማሪያም እቲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ "ሰላማውያን ሰልፈኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ነቲ ስርዓት ክቃወም ንዝፈተኑ ሰባት ብጭካነ ንምግራፍ ዝጥቀምሉ ማእከል'ዩ" ዝበሎ ቤት ማእሰርቲ ማእከላዊ ክዕጾ ምዃኑ'ውን ገሊጹ'ዩ።

"ሓድሽ ምዕራፍ ንምኽባር መሰል ደቂ ሰባት ክዉን ክኸውን እንተኾይኑ፡ ኩሉም'ቶም ጠቐነታት መግረፍትን ሕማቕ ኣተሓሕዛ እሱራትን ብግቡእ እንተ ተመርሚሮምን እቶም ፈጸምቶም ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ እንተተገይሩ ጥራይ እዩ" ኢሊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።

እቲ መንግስቲ ግን ንኹሉ ጠቐነታት መግረፍቲ ክነጽጎ ጽደኒሑ፡ ሕጂ ግን እቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ "ዘመናዊ ቤተ-መዘክር" ክቕየር ወሲኑ'ሎ። እታ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለት ጋዜጣ'ውን ኣብ ናይ 2016 ርእሰ-ዓንቀጻ ከምኡ ክግበር ጸዊዓ ነይራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማሪያም ከምዝበሎ፡ መተካእታ ናይታ ትዕጾ ቤት ማእሰርቲ ካልእ ዓለም-ለኻዊ መለክዕታት ዘማልእ ሓድሽ መመርመሪ ማእከል ከምዝስራሕ'ውን ኣፍሊጡ።

ንምንታይ ሕጂ? ንምንታይ ሕጂ?

ልኡኽና ከምዝብሎ፡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ወትሩ ዓቢ ሻቕሎት ክፈጥራ ጸኒሐን'የን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ድማ ነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት ንምዝካር ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ገጻት መዓልቲ ስጉምቲ ኢሎም ዝሰመይዋ ሓንቲ መዓልቲ ዘኪሮም ውዒሎ።

እዚ ስጉምቲ ናይ መንግስቲ ግን ንኣኼባ ናይተን ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኪዳን ኢህወደግ ዘቖማ ኣርባዕተ ሰልፍታት ስዒቡ'ዩ መጺኡ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ንልዕሊ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ኣብ ስልጣን ዘሎ ኪዳን ውፍጣዊ ግርጭት ከምዝጸንሐን፡ ለውጢ ከምዘድልን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተኣሚኑ'ዩ።

ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ሰፊሕ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ ስዒቡ፡ ኣባላት ናይቲ ኪዳን ዝኾና ደሞክራስያዊ ውድብ ኦሮሞን ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን ንዝሰፍሐ ፖለቲካዊ ባይታን "ክብሪ ናይ ህዝበንን" ክደፍኣ ጸኒሐን'የን።

ሃይለማርያም ደሳለኝ መን'ዩ?

ስልጠና ምህንድስና ዝቐሰመ ሃይለማርያም ድሕሪ ሞት ናይ'ቲ ካብ 1991 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መለስ ዜናዊ'ዩ ኣብ 2012 ስልጣን ተረኪቡ። ዋላ'ኳ ጥቡቕ መሻርኽቲ መለስ እንተነበረ፡ እወታ መራሕቲ ኢህወደግ ንምርካብ ተሸጊሩ'ዩ።

ነቐፍቱ ድማ በንጻር'ቲ ዝብሎ፡ ተቓውሞ ኣይጻወርን እዩ ይብሉ። ሓደ ዓመት ድሕሪ እቶም ዝተኣስሩ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓምደኛታትን ጋዜጠኛታታን ሓቀኛታት ጋዜጠኛታት ኣይኮኑን፡ ምስ ግብረ-ሽበራ'ውን ርክብ ኣለዎም ምባሉ ድማ ኣብ 2016፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ኦሮሚያ ንዝተኻየደ ጎንጺ "ጸረ-ሰላም ሓይልታት" እዮም ወዲቦሞ ኢሉ።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events