World News

ሓዳስ ኤርትራ: “ደጊም ደድሕሪ ቦጣት ምጒያይ ኣብቂዑ እዩ” ነበርቲ ከተማ ከረን፡

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 30 December 2017

“ደጊም ደድሕሪ ቦጣት ምጒያይ ኣብቂዑ እዩ” ነበርቲ ከተማ ከረን፡

 
 

ነበርቲ ከተማ ከረን፡ ውሑስ ቀረብ ማይ፡ ኣብ መነባብሮ ርግኣት ከምዝፈጠረሎም – ንዝነበሮም ጸገም ብምጥቃስ ሓቢሮም።

ብመሰረት ዝተዋደደ ውሑስ ምንጪን ዝተዘርግሐ መስመራትን፡ ስሩዕ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝበቕዑ ብምሕባር፡ “ደጊም ደድሕሪ ቦጣት ምጒያይ ኣብቂዑ እዩ” ክብሉ ገሊጾም።

ግዝያዊ ሓላፊ ኣገልግሎት ቀረብ ማይ ከተማ ከረን፡ መንእሰይ ኣብርሀ ግርማጼን፡ እቲ ዝከፋፈል ዘሎ ማይ ካብ ሰለስተ ነቚጣታት – ማለት ካብ ጸባብ፡ ቀረብ ማይ ከተማ ከረን ‘ውሕስነት’ ረኺቡ ማእከላይ ዓንሰባን ጀበል ግሩድን ከም ዝምንጩን፡ ብሓይሊ ጸዓት ኤለክትሪክ ኣብ ቃጼታይን ሽፍሽፊትን ናብ ዘሎ ዓበይቲ ባስካታት ድሕሪ ምጭንጓዑ – ብስሕበት ናብ ህዝቢ ከም ዝባጻሕን ኣረዲኡ።

እቲ ዕደላ – 70 ሚእታዊት ብዝተዘርግሐ መስመራት፡ እቲ 30 ሚእታዊት ብቦጣት ከምዝካየድን መሰረታዊ ፍታሕ ንምርግጋጽ ይስራሓሉ ከምዘሎን ድማ ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ከባቢ ሽፍሽፊት፡ እንዳፍላ፡ በተርየት፡ ብሎኮ፡ ከባቢ ቤት- ትምህርቲ ዖናን ገዛ-ባንዳ ላዕላይን ልዕሊ 1230 ሓደስቲ መስመራት ከምእተዘርግሑ፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ዝነበሩ 5210 ዓማዊል እውን 295 ዜጋታት ሓደስቲ ቈጸርቲ ከምእተዓደሉ ገሊጹ።

ማይ ብመስመር ንዘይበጽሖም ከባቢታት ንምብጻሕ፡ ትካሎም – ካብ ጸባብ ናብ ፎርቶ 11 ኪሎ-ሜትር ዝዝርጋሕ መስመር የዋድድ ከምዘሎ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሑ ጸበብቲ መስመራት ብገፋሕቲ ንምትካእ እውን ይስራሓሉ ምህላዉ መንእሰይ ኣብረሀ ኣረዲኡ።

ግቡእ መአረምታ
ሓዳስ ኤርትራ መበል 27 28 ታሕሳስ 2017 – ገጽ 2 ዓመት ቁ.102

ፊናንሳዊ ትውጊታት፡ ብሕጋዊ መገዲን ብባንካታትን ክፍጸም ከምዝግብኦ ባህርያዊን ብዓንተቦኡ እዉጅን እዩ። ኣብ ታሕሳስ 2015 ኣብ ዑደት ዝነበረ ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋ ብሓድሽ ኣብ ዝተተክኣሉ እዋን ድማ፡ ምቕያር ባጤራ፡ ዝጸንሐ ቁጠባዊ ሕቶታት ብምልኣት ንምፍታሕ ዘንቀደ፡ ብዙሕ መኣዝናትን ዕላማታትን ዘጣመረ መደብ ስለዝኾነ፡ ምስኡ ተኣሳሲሩ ሕጋዊ ኣሰራርሓን መምርሒታትን ጽኑዕ ምክትታል ክግበረሉ ምዃኑ ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሓበሬታን ዝርዝር መብርሂን ከምዝተዋህበ ኣይርሳዕን።

ሓደ ካብቲ ምስ ምቕያር ባጤራ ተኣሳሲሩ ክተኣታቶ ዝተወሰነ ኣገባብ ኣሰራርሓ፡ ንግዳዊን ውልቃዊን ትውጊታት ኣብ ክንዲ ብጥረ-ገንዝብ ብኻልኦት ዝሰለጡን ዝያዳ ውሕሰነት ዝህቡን መሳለጥያታት ማለት ብቸክን ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ ብምስግጋርን ከምዝትክኡ ምግባር እዩ። በዚ ድማ ባንካታት፡ ህዝቢ ነዚ ኣሰራርሓ’ዚ ክለምድ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መስርሕ ስሉጥ ኮይኑ ብካሽ ምስራሕ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ንምውራድ ልዑል ጻዕሪ የካይዳ ኣለዋ። ይኹን’ምበር፡ ምምዕባል ኣሰራርሓ ባንክታት፡ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ፡ ሰብኣዊ ዓቕሚን ተሞኩሮን ዝሓትት መስርሕ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ በጺሑ ክበሃል ኣይከኣልን። ይስርሓሉ ግን ኣሎ።

ብጥረ ገንዘብ ዝካየድ ትውጊታት ብኹሉ መዳያት – ጸጥታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን ካልእን – ኣሸጋሪን ኣሰካፊን እዩ። ብተወሳኺ ብጥረ-ገንዘብ ዝካየድ ትውጊታት፡ ምሉእ ሰነዳት ስለዘይህልዎ፡ ግብርን-ቀረጽን ካልእ ሕጋዊ ግዴታን ኣብ ምጥሓስ፡ ጸሊም-ዕዳጋ ኣብ ምትብባዕ፡ መጠን ሸርፊ ሃገራዊ ባጤራ ኣብ ምብራዝ፡ ከም ውጽኢቱ ዝቕባበን ዋጋታትን ኣብ ምዕራግ፡ ባጤራ ወጻኢ ኣብ ምዝራቚ ዝህልዎ ግደን ማህሰይቱ ኣብ መነባብሮ ህዝቢን ቀሊል ኣይኮነን።

ሕጋዊ ኣሰራርሓ ከም ባህሊ ንምስራጽን ምድልዳልን ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ ጻዕሪ፡ እዚ ንነዊሕ ተለሚዱ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ዕንቅፋት ክኸውን ምጽንሑ ርኡይ እዩ። ሕጂ እውን ካብ ሕሳባቶም ጥረ ገንዘብ በብግዜኡ እናውጽኡ፡ ናብ ባንክ ተመሊሶም ጥረ ገንዘብ ዘየእትዉ፣ ብሕጋዊ መገዲ ክሰርሑ ኮነ ምንጪን መጠንን እቶቶም ከፍልጡ ዘይደልዩ፣ ግቡእ መአረምታ ቸክ ምቕባል ዝኣብዩ፣ ግብሪ ዘይከፍሉ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈት ከም ምሽርራፍን ምዝራቚ ናይ ወጻኢ ባጤራን ዝተዋፈሩ ኣይተሳእኑን። በዚ ድማ፡ መንግስቲ ዘድሊ ክትትል እናገበረ፡ ስጉምቲታት ይወስድ ኣሎ።

ከም ኣካል ናይዚ ቁጽጽር’ዚ፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ኣብ ልዕሊ ዘይተኸተላ ኣስታት 450 ዋኒናት (መብዛሕትአን ኣአንገድቲ ትካላት) ከም ቀዳማይ መጠንቀቕታ፡ ክብደት ዝፈጸምኦ ጥሕሰት እናተራእየ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ሾሞንተ ኣዋርሕ ዝዝርጋሕ ግዝያዊ ዋኒን ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ተወሲዱለን ኣሎ። ቁጽሪ ናይዘን ሕጋዊ ስጉምቲ ተወሲዱለን ዘሎ ዋናኒት ምስቲ ብሃገር ደረጃ ዘሎ ልዕሊ 58,000 ብዝሒ ፍቓዳት ዋኒን ክነጻጸር እንከሎ ብዙሕ እኳ እንተዘይኮነ፡ ከም ተርእዮ ግን ዕሽሽ ክበሃል ዘይብሉ እዩ። እዚ ስርዓት ናይ ምትሓዝ ግቡእ መአረምታ፡ ዕላማኡ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ከም ባህሊ ምድልዳል ምዃኑ ብምግንዛብ እምበኣር፡ ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ወነንቲ ትካላት ድማ ብፍላይ፡ ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ብሕጋዊ መገዲ ክሰርሑ ሃገራዊ ግዴታ ኣለዎም። እቲ ምንታይ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ምሕያል ሃገራዊ ቁጠባን ምርግጋጽ ረብሓን መሰላትን ህዝቢ ብምዃኑ።

 
ERi-TV: Local Media Interview With President Isaias Afwerki, January 14, 2018

Hdri Media Books on Amazon.com
visit hdrimedia.com