World News

BBC.com: "ድንጉይ ስጉምቲ ህወሓት": ሐዚኸ ናበይ የምርሕ?

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 30 November 2017

"ድንጉይ ስጉምቲ ህወሓት": ሐዚኸ ናበይ የምርሕ?

Nov. 30, 2017
ወይዘሮ ፈትለ ወርቅን ዶክተር ደብረፅዮንን
Image copyrightTPLFOFFICIAL1967/FB
ናይ ምስሊ መግለጺ
ኣቦ መንበርን ምክትል አደ መንበርን ህወሓት

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቦ መንበር፥ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ድማ ምኽትል ኣደ መንበር እቲ ዉድብ ገይሩ መሪፁ።

ካብ ካልእ ግዘ ብዝተፈለየ፡ ንዉሕ ንዝበለ እዋን በሩ ዓጽዩ ክግምግም ዝጸንሐ ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ዉድብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ዘዉጸኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ኣመራርሓ ጸረ-ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ከምዝሰረጸ፡ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ከምዘየጸግዕን ኣብ ምጥቕቓዕ ተጸሚዱ ከምዝፀንሓን ኣሚኑ'ዩ።

እቲ ዉድብ ኣብ ዝመርሖ ክልል ትግራይ፡ ብደረጃ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ህዝቢ ዘዕግብ ስግግር ልምዓት ምምጻእ ከምዘይኽኣለ'ዉን ኣልዒሉ'ዩ።

ቅድም ክብል'ዉን ዉድብ ህወሓት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ከምዚ ዓይነት ገምጋማት ከምዘካየደ ዘመላኽቱ መግለጽታት ከምዝሃበ ይዝከር። ስለዝኾነ፡ ኣብ ቀረባ ዘዉጸኦ መግለጺ፡ "ካብቲ ሕሉፍ ዝተፈለየ ኣይክኸውንን" ኢሎም ነይሮም ቢቢሲ ዘራረቦም ብዙሓት መንእሰያት።

ይኹን'ምበር፡ ድሕሪ ሃንደበታዊ ሕልፈት ቀዳማይ ሚኒሰቴር ነበር መለስ ዜናዊ፡ ነቲ ዉድብ ኣቦ መንበር ኮይኖም ክመርሑዎ ዝጸንሑ ኣቦ መንበር ኣባይ ወልዱን ኣይተ በየነ መክሩን ካብ ኣባልነት ፈጻሚት ስራሕ ናብ ማእኸላይ ኮሚቴ ትሕት ኢሎም ክሰርሑ ወሲኑ

ከምኡ ድማ ኣባል ፖሊት ቢሮ ዝነበራ ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን፡ ካብኡ ተላዓለን ካብ ኣባልነት እቲ ኮሚቴ ድማ ተኣጊደን ንክፀንሓ ምውሳኑ ዘይተሓለየ (ዘይተገመተ) ብምንባሩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ይርከብ።

ዝዘንግዐ ስጉምቲ

ካብዚ ብዝሰገረ፡ንክልተ ሽሞም ዘይተገለጹ ኣባላት ፈጻሚት ስራሕ መጠንቀቕታ ምሃቡ ድማ እቲ ኮሚቴ ገሊፁ።

እዚ ማለት ካብቶም 9 ኣባላት ፈፃሚት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓሙሽተ ስጉምቲ ተወሲዱ'ሎ ማለት እዩ።

ኣብ ዝተረፉ ኣባላቱ ድማ፡ ከቢድ ነቐፌታን ዓርሰ ነቐፌታን ከምዝገበረ ብሰፊሑ ይዝረብ።

ኣባል ኣመራርሓ እቲ ዉድብን፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ዝነበሩ፡ ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ

ፖለቲካዊ ቅልውላው መዕለቢ ክረክብ፡ ህወሓትን ካልኦት መሓዙት ውድባት ገዛኢ ፓርቲ እታ ሃገርን ኢህወዴግን ጭቡጥ ፖለቲካዊ ለዉጥን ምምሕያሽ ፖሊሲን ክገብሩ ይመኽሩ።

"ኦህዴዉ ዘካየዶ ለዉጢ ኣመራርሓ ዝነኣድ ኮይኑ፡ ህወሓትን ብኣዴንን ግና ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣድላዪ ገምጋምን ፖለቲካዊ ምትዕርራይን ከይገበሩ ምጽንጾም ይሕመዩ እዮም"ይብሉ።

ዶክተር ደብረፅዮን
Image copyrightTPLF OFFICIAL

እቲ ሕዚ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት መበል 12 ዉድባዊ ጉባኤ ዝተገበረ ተመሳሳሊ ገምጋምን ዓርሰ ነቐፍታን ክኸዉን ዝነበሮ ብምዃኑ እቲ ስጉምቲ ዝዘንግዐ'ዩ ብምባል ድማ ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት ንቢቢሲ ይገልጹ።

እዚ ጥራሕ ኣይኾነን፡ ካብ ኣባልነት ፈጻሚት ስራሕ ዝተልዓሉ ሰባት መን'ዩ ዝትክኦም ዝብል ሕቶ ወሳኒ ከምዝኾነ ይዛረቡ። [ እቲ ቃለ ምልልስ ቅድሚ እቲ ውሳነ እዩ ተኻይዱ]

" ብፍላይ ድማ፡ ሓደሽቲ መናእሰይ ዝመጹ እንተኾይኖም፡ ዓብዩ ናይ ለዉጢ ኣፋፍኖት ክኸዉን'ዩ" ዝብል እምነት የጉልሁ። "እቲ ዉድብ ናበይ ከምዝኸይድ ዘመላኽት'ዩ" ብምባል። ካብዚ ወጻኢ ግና ጸረ ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ኣብቲ ዉድብ ከምዝዓሰለን፡ ዝተምሃረ ሓይሊ ኣየጥብቕን ዝብል፡ ቅድም ክብል ባዕሎም ሓዊሱ ብብዙሓት ክበሃል ዝነበረ ጉዳይ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

"ምእማኖም ሓደ ነገር ኾይኑ፡ ካብዚ ድሑር ኣተሓሳስባ ከመይ ከምዝወፁ መፍትሒ ኣቐሚጦም ድዮም?" ክብሉ ይሓቱ።

ኣብ 1993 ዓመተ ምሕረት ኣብቲ ውድብ ብዝተፈጠረ ምፍንጫል ዝተኣለዩ ኣባል ኣመራርሓ እቲ ዉድብ ዝነበሩ፡ኣባል ኣመራርሓ ፓርቲ ዓረናን፡ መድረክን ኣይተ ገብሩ ኣስራት፡ ሕዚ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ሞንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ኣይተ መለስ ዜናዊ ( ቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ነበር) ዝተፈጠረ ምብልላጽ ዝወለዶ እምበር፡ ምልክት ለዉጢ ከምዘይኾነን ሕቶ መናእሰይን ህዝብን መሰረት ዝገበረ ከምዘይኮነ'ዮም ዝገልጹ።

"ኣነ ከምዝመስለኒ፡ ን6ተ ዓመት ዝጸንሐ ጎንጺ እዞም ጉጅለታት ምጥቓቓዕ 'ዩ። ካብዚ ወጻእ ንምልክት ዝኸዉን ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ኣይተልዓለን" ይብሉ።

እቲ ገምጋም ንህዝብን ሃገርን ዝጠቕሙ ኣጀንዳታት ዘይኾነ መሰረት ዝገበረስ ንሕንሕ ዉልቃዊ ስልጣን ዝተሞርኮሰ'ዩ ነይሩ ዝብል መእሰሪ ዘረባ ኣይተ ገብሩ ኣስራት'ዩ።

ኣቦ መንበር ቲንክ ታንክ ፖሊስን መጽናዕትን ትግራይን (ብሓልዮት ውድብ ህወሓት ዝተጣየሸ) ምኽትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ዓዲ-ግራትን ዶክተር ኣለም መብራህቱ፡ ብወገኖም፡ ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሐ ብምንኣድ ሕዚ'ዉን እቲ ዉድብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ "ዝሓሸ ነገር ንምስራሕ'ዩ" ይብሉ። ምጥቕቓዕ ዘይኮነ መስመር ናይ ምጽራይ ስራሕ ይስራሕ ምህላው ይዛረቡ።

"ይኹን'ምበር" ኢሎም ዶክተር ኣለም "ሐዚ ዘሎ ኣመራርሓ፡ እዚ ዘበንን ኣብታ ሃገር ዘሎ ድሌት ለዉጥን ዘማልእ ክኸዉን ዝገብር ከይዲ'ዩ ኢለ'የ ዝወሰድ" ይብሉ።

ገምጋምምን ዓርሰ ነቐፌታን ናይቲ ዉድብ ባህሪ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ሕዚ ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ኣባላት ኣመራርሓ ኣብዚ ሐዚ ዘለናዮ ብርኪ ዘብጽሑና ስለዝኾኑ ክነኽብሮም ይግባእ ድማ ኢሎም።

እቲ ዉድብ ናበይ'ዩ የምርሕ ዘሎ?

ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት፡ ካብ ኣይተ ገብሩን ዶ/ር ኣለምን ዝተፈለየ ሓሳብ'ዩ ዘለዎም። ዝዘንግዐ'ኳ እንተኾነ እቲ ዉድብ ዓርሱ እንተሪኡ፡ ብብርኪ ሃገር ዘለዉ ዝተሓላለኹ ፖለቲካዊ ቅልዉላዋት ምፍታሕ ይኽእል'ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። "እቲ ገምጋም ትኽክል እንተኾይኑ፡ ለዉጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ ዓቕሚ ዘለዎም መናእሰይ ከምጽኡ ይኽእሉ'ዮም"ዝብል ተስፋ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

"ህወሓት ሐዚ ብዘለዎ ቑመና ግና ክቕጽል ኣይኽእልን። ኣብ ዉሽጢ እቲ ህዝቢ ዘሎ ዘይተጸንቐቐ ተስፋን ደገፍን ተጠቒሙ ብሓቂ ክልወጥ እንተደኣኾይኑ ግን ንፉዓትን ሙሁራትን መናእሰይ ናብቲ ኣመራርሓ ከምጽእ ኣለዎ" ድማ ይብሉ።

ሓደ ኣባል ንዝተፈላለየ ብርኪ መሪሕነት ክሕጸ፡ እንተዉሓደ ን6ተ ኣዋርሕ ብኣባልነት ክጸንሕ ከምዘለዎ ብምምልኻት ፡"እቲ ጉባኤ ከመሓይሾ ዝኽእል'ዩ" ዝብል ተወሳኺ ሓሳቦም'ዩ። በዚ መገዲ፡ ቅኑዓት ምሁራትን መናእሰይን ምምጻእ እንተተኻኢሉ፡ እሞ ድማ እንተዉሓደ 50 ሚኢታዊ ዝኾን እንተሒዞም: ኣብቲ ዉድብ መሰረታዊ ለዉጢ ኣመራርሓ ምምጻእ ከምዝከኣል ይዛረቡ።

"እዚ ማለት ሓዱሽ ኣመራርሓ ክርከብ ኣለዎ። ሙሁር ሙሁር'ዩ ዝጽዉዕ፡ ደንቆሮ ድማ ደንቆሮ፡ ሓደ ፕረዚደንት ደንቆሮ እንተኾይኑ፡ ደንቆሮ ምክትል ክህልዎ ይደሊ" ብምባል ይገልጹዎ።

"ኣብ ውሽጢ ጭቃ ተአዚኾም 'ዮም"

"ከም ናተይ እምነት ካብ ክልተን ሰለስተን ሰባት ወጻኢ ኣብቲ ፈጻሚ ስራሕ ንጹህ ኣባል የለን" ይብሉ ጀነራል ኣበበ።

"ኣብ ዉሽጢ ጭቃ ተኣዚኾም እዮም ዘለው:: ካብዚ ከምይ ክወፁ ይኽእሉ?" ይሓቱ።

ኣርማ ህወሓት
Image copyrightTPLFOFFICIAL/FB

"ርስሓት ጠሚዕኻ ሙሉእ ንሙሉእ ንፁህ ኮይንካ ምውፃእ ኣይከኣልን" ብምባል "ብርግፅ ሐዚ'ዉን መፍትሒ ክህብሉ ዘኽእል ዕድል ኣለዎም" ይብሉ።

ዶ/ር ኣለም ሐዚ'ዉን ኣብቲ ውድብ ብዙሕ ዓቕሚ ዘለዎ ኣመራርሓ ከምዘሎ ይኣምኑ። ጥንኩርን ቅኑዕን መንእሰይ ኣመራርሓ ካብቲ ዉድብ ርሒቑ'ዩ ዝብል ርእይቶ ኣይቕበሉዎን።

"ህወሓት ከም መሪሕ ዉድብ ዓርሱ ገምጊሙ'ዩ፡ እቲ ሙሁር'ዉን ስልጣን 'ናዓ እንካ ውሰድ' ተባሂሉ ክወሃቦ ክጽበ የብሉን" ብምባል ኣጥቢቑ ኣትዩ ክቃለስ ከምዘለዎ የመልክቱ። ኣብ ደገ ኾይንካ ምቑዛም ለውጢ ኣየምፅእን ብምባል።

ጀነራል ኣበበ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝጸንሐ ምሁር እየ ዝብል ኣባል፡ መብዛሕትኡ ዘየንብብን ሓሳብ ዘየመንጩን ዝመኸነ ወለዶ ይብሉዎ።

ጥንኩርን ዝተምሃረን መንእሰይ ካብቲ ዉድብ ወጻኢ ከምዝኾነ ዝኣምኑ ጀነራል ኣበበ ኩለን ዉድባት እታ ሃገር፡ ሓደሽትን ጥንኩራት መናእሰይ እንተሓዊሰን፡ እታ ሃገር ኣጋጢሙዋ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ሓዱሽ ሓሳብ ዘመንጩ ክኸዉን'ዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎም።

ኣይተ ገብሩ ኣስራት ግና፡ እቲ ዕንክሊል ብሰዓራይነት ሓደ ወገን ከምዝተዛዘመን ዝፅበዩዎ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ለውጥን ከመዘየለን ይዛረቡ።

ከምዚ ዓይነት ተስፋን ፍረን ዘይብሉን ከም ውፅኢቱ ድማ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ሒዙዎ ዝኸይድን ኣንፈት ከምዝኾነ ይሕብሩ:: "እዚ ጎደሎ ምንቕቓፍ'ውን ናይቲ መንእሰይ ቃልሲ ውፅኢት እዩ: ሐዚ'ውን መንእሰይ ዝረአ ለውጢ ክሳብ ዝመፅእ ቃልሱ ጠጠው ከብል የብሉን" ይብሉ::

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events