World News

Tigrigna.VoaNews.com: ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት 'ኣብ ሞንጎ ክልተ ድምበ ዝካየድ ምስሕሓብ'ዩ' ኣቶ ገብሩ ኣስራት' እቲ ኣኼባ ህወሓት ከምንስሪ ሓዪላ ትወጸሉ መስርሕ'ዩ' አቶ ያሬድ ዓለምሰገድ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 28 November 2017

ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት 'ኣብ ሞንጎ ክልተ ድምበ ዝካየድ ምስሕሓብ'ዩ' ኣቶ ገብሩ ኣስራት' እቲ ኣኼባ ህወሓት ከምንስሪ ሓዪላ ትወጸሉ መስርሕ'ዩ' አቶ ያሬድ ዓለምሰገድ

መወዳእታ ዝተሓደሰ ሕዳር 28, 2017
  • ገብረ ገብረመድህን

ኣቶ ገብሩ ኣስራት
ኣቶ ገብሩ ኣስራት

ንኣቶ ኣባይ ወለዱ ካብ ኣቦወንበርነት ብምልዓልን ካብ ኣባልነት ፖሊት ቢሮ ብምትሓት ኣባል ማእኸላይ ኮምቴ ክኾኑ፣ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ትእምት ንዝኾኑ ኣቶ በየነ ሙክሩ ካብ ኣባልነት ፖሊት ቢሮ ብምውራድ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኖም ክቕፅሉ፣ንዋና ፈፃሚት ስራሕ ትእምት ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ድማ ካብ ካብ ፖሊት ቢሮን ማእኸላይ ኮሚቴ ኣባልነተን ዝኣገደን ማእኸላይ ኮምቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህውሓት/ ኣብ ከተማ መቐለ ኣኼብኡ ሎሚ እውን ቀፂሉ’ሎ።

ክልተ ኣባላት ፖሊት ቢሮ እውን መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም ኣለው።ንካልኦት ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ናይ ምእጋድን መጠንቀቕታ ምሃብን ስጉምትታት ከምዝውሰድ ትፅቢት ይግበር።

ንነዊሕ ዓመታት ኣባል ፖሊት ቢሮን ማእኸላይ ኮሚቴን ህውሓትን ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝነበሩ፣ቅድሚ 16 ዓመታት ኣብ ውሽጢ ህውሓት ብዝተፈጥረ ምክፍፋል ካብ ህውሓት ዝተባረሩን ኣቶ ገብሩ ኣስራት እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ገምጋምን ምንቕቓፍን ኣብ ውሽጢ ተኣጂሉ ናይ ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ውፅኢት እዩ ይብሉ።

‘ድሕሪ ሕልፈት ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ መንጎ ስዓብቲ ሌጋሲ መለስን ምትኽኻእ ብዝብል ካብቲ መሪሕነት ዝወፁ ነባራት ተጋደልቲን ብዘሎ ጎንፂ እዩ ናይዚ ምኽንያት’ይብሉ ኣቶ ገብሩ።ኣብ መንጉኦም ናይ ሓሳባትን ፖሊስታትን ኣፈላላያት ኣይሰማዕናን ዝበሉ ኣቶ ገብሩ ኣስራት እዚ ናይሕዚ ገምጋም ብስዓራይነት ‘ተዲፊኦም ወፂኦም’ ናይ ዝበሉዎም ኣባላት ይካየድ ኣሎ ይብሉ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መቐለ ቀጺሉ ዘሎ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣመልኪትና ምስ ኪኢላ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ያሬድ ዓለምሰገድ’ውን ኣዘራሪብና ኣለና። ‘ከም’ዚ ዝዓይነቱ ጽዑቕን በሊሕን መስርሕ ግምገማን ነቐፌታን ዓርሰ ነቐፌታን፣ ንውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ህወሓት ከምንስሪ ሓይሊ ረኺባን ተሓዲሳን ትወጸሉ መስርሕ’ዩ’ ይብል ኣቶ ያሬድ ዓለምሰገድ።

ሪፖርት ብዛዕባ ውሳነ ማ/ኮ ህወሓት

https://tigrigna.voanews.com/a/4140680.html

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events