World News

EriGazette.org: ህውተታ ጽሓፍቲ ወያነ ናበይ?…

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 28 November 2017

ህውተታ ጽሓፍቲ ወያነ ናበይ?…

ብ በሪሁ ተስፋይ

http://www.erigazette.org/wp-content/uploads/2012/11/aigareport.jpg

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብሙሁራትን ብፈላጣትን ኢና ዝብሉ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያውያን ጸሓፍቲን ዝተጻሕፉ ንሃገራዊ መንነትን ባህልን ኤርትራውያን ዝምልከቱ ጽሑፉት ብብዝሒ ክንዕዘብ ጸኒሕና ኣለና። እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ንነዊሕ ክብሃል ዝጸንሐ ግዚኡ በሊዑ ድማ ዝተሰዓረ ሞጎትዚ፡ በቲ ደጋፊኹምን መቓልስትኹምን ዝብል ወያነ ካብ ዝተሓብኣሉ ውሻጠ በብቑሩብ ንደገ በጨቕ ክብል ጸኒሑ ሎሚ ብዓውታ ክጋዋሕ ንሰሞዖ ዘለና ፉሹል ኣትሓሳስባዩ።

እዚ ዳግም ዝንዛሕ ዘሎ ናይ ዓባይ ኢትዮጵያ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተዚ፡ ቀደም ዘረብረበናን ዝኣክል ዝተባህሎን ዝተጻሕፎን ዝተሞጎቶን ስልዝኾነ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ኣቓልቦ ከይሃበ ዕሽሽ ኢሉ ዝሓልፎ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣተሓሳስባን ዋናታቱን ስዒሩ ነጻን ሉኡላዊትን ሃገር ካብ ዝምስርት እንሆ 26 ዓመታት ሓሊፍዎስ ኣብዚ እዋን ዘገድሶ ጉዳይ ካልእዩ። ስለ ኣብ ዝሞተ ጉዳይ ምዝራብ ፋይዳ ከምዘይብሉ ፈሊጥና ስቕ መሪጽና ጸኒሕና። እቲ ሓቂ እዚ ይኹን ድኣምበር ሓሶት ምስ ዝደጋገም ሓቂ ክመስል ስለዝኽእልን ብቐጻሊ ንኽትስምዖውን ሕልናዊ ሰላም ዝለዝኸልእን ነዞም ብሕማም ደግሲ ተለኺፎም ዘህተፍትፉ ዘለዉ ሑሉፋት ወየንቲ ነቲ ዝቐልውልዎም ዘሎ ሓድሽ ተርኽቦ ስምዒት ሑሉፍ ኢትዮጵያውነት ፈውሲ እንተኾኖም ንእሽተይ ሕንጥጥ ከብለሎም መሪጸ ኣለኹ።

ብሕጽር ዝበለ እቲ ዝብሃል ነዚ ይመስል፦

  1. ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኔራስ ጥልያን ቆሪሱ ወሲድዋ። ወይ ድማ ሃጸይ ሚኒሊክ መታን ናይ ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ ክዳኻመሎም ኢሎም ንኤርትራ ካብ ኣዲኣ ትግራይ ገሚዖም ንጥልያን ሂቦማ
  2. ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ድኣምበር ግዝእቲ ወይ (colony)ኣይነበረትን፡፥ እኳድኣ ሓለፋ ኔርዋ! እኒ ጀነራል ኩስቶን እኒ ዶክተር ኩስቶን ኤርትራዊ መብቆሎም ዘለዎም ክንሶም ኣብ ስልጣን ኣይነብሩን? ስለ ኤርትራውያን እንታይ ከፊእኩም? ዶክተር በረኸት ሃብተሰላሴ ከማን ነዛ ሕቶዚኣ ብርትዕቲ ስለዝኾነት የለኹላን! ኢሎምዮም መሊሶማ
  3. ህዝቢ ኤርትራ ናይ መንነት ቅልውላው ስለዘለዎ ሓንሳብ ሓበሻ ሓንሳብ ጥልያን ሓንሳብ ዓረብ ክኸውን ደልዩ ናብ ዘብሎ ጠፊኡዎ ተደናጊሩ የዕነይንይ ኣሎ ንሕና የሕዋቱ ተጋሩ መንነቱ ከንነግሮ
  4. ህዝቢ ኤርትራ ረፈረንደም ከካይድ ከሎ ብዕጸ ፋርስ ደንዚዙን ዓይኑ ተዓሚቱን ባርነት ዋላስ ናጽነት? ዝብል ኣደናጋሪ ሕቶ ተሓቲቱስ ብጌጋ 99.8% እወ ንናጽነት ኣድሚጹ

ዝብሉን ተመሳሰልትን ኮይኖም ከመወሰኽታ ድማ፦

  1. ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ወያነና ኣብ ሳሓል ተዓኒዱ ምስተረፈ ኔሩ
  2. ሻዕብያ ዝጸሓፎ ታሪኽ ኩሉ ሓሶት! ንኣብነት ትርጉም ደርፊ ኣውቶብርሃን ሰጊድ ተወልደ ረዳን የማነ ባርያን ካልኦትን ከምሓድሽ ክንነግረኩም ኢና ጽን ኢልኩም ኣዳምጹ፡
  3. ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ስለዝረኸበ እንታይ ረኺቡ? ምስ ወላዲት ሃገሩ ምሓሾ! ነቲ ዝተሰደኸ ኣየዕቁብናንዲና? ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣይምሃርናንዲና? ስለዚ ሓውና ህዝቢ ኤርትራ ተቛዳሲ ናይ በጺሕናዮ ዘለና ወያናይ ዲሞክራስን ዕብየትን ንክኽውንስ ምሳና እንተሓበረ ይሕሾ
  4. መዝሙር ሰላም ሕውነት ክንዝምር ኢና ምሳና ዘምሩ! ዝብሉ ይርከብዎም።

እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ዘረባታት ንነፍስወከፎም ርእሱ ዝኻእለ ዓንቀጽ ክጽሓፈሎም ዝኽእል እንተኾነ፡ ኣነ ግን ብዝተኻእለኒ መጠን ኣብ ሓደ ጠሚረን ብሓጺርን መንገዲን ከቕርቦም ክፍትንየ። ከም ኩለን ብኤውሮፓውያን ገዛእቲ ዝተመስረታ ሃገራት ኤርትራውን ካብኡ ብዘይፍለ መንገዲ ብኢጣልያውያን ገዛእቲ ዝተመስረተት ምዃና ማንም ዘይክሕዶ ሓቂዩ፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ካብ ኢትዮጵያ ተቖሪሳ ተወሲዳ ዝብል ዘረባ ፍጹም ካብ ሓቂ ዝርሓቐዩ። ብመጀምርያ ኤርትራ ነዚ ናይ ሕጂ ቅርጻ ኣብ ትሕዘሉ ዝነበረት እዋን ንርእሳ ኢትዩጵያ ብዉሽጣዊ ግርጭታት እናተሓመሰት ኣብ ናታ መስርሕ ምርግጋጽ መሬታዊ ግዝኣትን ምቛም ኣሃዳዊ መንግስቲን ዝነበረት ካልእ ቅርጽን መልክዕን ዝነበራ ሃገር ኔራ። ብወገን ኤርትራ ድማ ገማግም ባሓራ ንነዊሕ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታት ቱርክን ግብጽን ዝጸንሐ፡ ሰሜናዊን ምዕራባዊ ክፋላ ዝያዳ ምስ ሱዳን ዝተኣሳሰር ኮይኑ ከበሳታታ ድማ ናቱ ፉሉይ ምሕደራ ዝነበሮን ምስ ገዛእቲ ትግራይ ኣብ ቀጻሊ ኲናትን ግርጭትን ዝነበር ዝነበረ ህዝቢዩ። ጥልያን እምብኣር ነዞም ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ሓደ ጠሚሩ ነዛ ሕጂ ንፈልጣ ኤርትራ ፈጢሩ። ገዛእቲ ኣምሓራን ትግራይን እምብኣር ይትረፍዶ ንምልእቲ ኤርትራ ንከብሳታት ኤርትራውን ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ቁጽጽር ይእትዮሞ ኣይፈልጡን። ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዋላኳ ቋንቁኦም ሓደ ይኹንምበር ናይ ቅድመ መግዛእቲ ታሪኾም ግን ብረጽምን ኩናትን ዝተመልአ ክልተ ዝተነጻጸልን ዝተፈላለየ መንነት እዮም ዝውንኑ።.............................

......................ምንባብ ቀጽል


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events