World News

Tigrigna.VoaNews.com: ግብጺ መራሒኣ ምስ ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን መዘነኦም ንዝፈረምዎ ውዕል ትጥሕስ'ላ ኢሎም ወሃቢ ቃል ሚ/ር ወጻኢ ኢትዮጵያ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 26 November 2017

ግብጺ መራሒኣ ምስ ናይ ኢትዮጵያን ሱዳንን መዘነኦም ንዝፈረምዎ ውዕል ትጥሕስ'ላ ኢሎም ወሃቢ ቃል ሚ/ር ወጻኢ ኢትዮጵያ

ሕዳር 26, 2017

መለስ ዓለም
መለስ ዓለም

መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ኣብ ዚምባብዌ ዝተኸሰተ ለውጢ መሪሕነት፣ ካብ ኢትዮጵያ ሃዲሞም ኣብ ዚምባብዌ ንዘዕቆቡ ኮሎኔል መንግስቱ ኃይለማርያም ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ዕድል ፈጢሩ’ሎ ኢሉ ከምዘይኣምን’ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ገሊጾም።

ኣቶ መለስ ዓለም ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ጉዳይ ዚምባብዌ ሰላማዊ መዕለቢ ንክረክብ ድልየት ኢትዮጵያ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ኮሎኔል መንግስቱ ኣብ ዚምባብዌ ዕቑባ ካብ ዝረኽቡ ነዊሕ ጊዜ ኮይኑ’ሎ፣ ከምኡ ኮይኑ’ውን ኢትዮጵያ ብይን ቤት ፍርዲ ናይ ምትግባር’ምበር ኣብ ምህዳን ውልቀ ሰባት እምነት የብላን’ ኢሎም።

ብካልእ ወገን ‘ኣብ ጉዳይ ህንጸት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ግብጺ ንውሳነታት መራሕቲ ሰለስተ ሃገራት ዝጻባእ ተግባር ትፍጽም ከምዘላ’ ኣቶ መለስ ጠቒሶም።

ሙሉእ ሪፖርት መግለጺ ኣቶ መለስ ዓለም

https://tigrigna.voanews.com/a/4135753.html

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events