World News

BBC.com: "ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጉዳይ ሞትን ሕየትን እዩ"፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 24 November 2017

"ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጉዳይ ሞትን ሕየትን እዩ"፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ሕዳር 23, 2017
ኣይተ መለስ ዓለምን ፕረዚንት ኣል-ሲሲን
ናይ ምስሊ መግለጺኢትዮጵያን ግብፅን ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንዓመታት ክዝትዩ ፀኒሖም።

ትካላት መንግስቲን ሚድያን ግብፂ ብዛዕባ ግድብ ሕዳሰ ኣብዚ ሰሙን ክብትኑዎ ንዝቐነዩ ሓበሬታ ግብረ መልሲ ዝሃቡ፥ ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣይተ መለስ አለም: ኣብ ህንፀት ዝርከብ ግድብ ሕዳሰ ንኢትዮጵያ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣይተ መለስ እዚ ዝበሉ: ሎሚ መዓልቲ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ኣመልኪቶም መግለፂ ኣብ ዝሃብሉ እንትኸውን ሎሚ ቕነ ካብ መንግስቲ ግብፅን ሚድያታት እታ ሃገርን ብዛዕባ ማይ ምምላእ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ክንዛሕ ዝቐነየ ዘረባ፥ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንትምልሱ እዩ።

ፕረዚደንት ግብፂ ኣብድል ፈታሕ ኣል-ሲሲ ሎሚቕነ ካብ ማእኸለይ ምብራቕ እቲ ዝዓበየ መፍረዪ ዓሳ ሃገሮም መሪቖም ኣብ ዝኸፈትሉ መድረኽ፥

"ግብፂ ካብ ብፅሒታ ነጣብጣብ ማይ ኣይጎድላን ፥ ንዓና ማይ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ እዩ።

ብሄራዊ ውሕስናና እዩ። እዚ ንምሕላው ድማ እኹል ዓቐሚ አለና፥ ኣርባዕተ ነጥቢ" ዝብል ዘረበኦም ብዝተፈላለዩ ሃገር ለኸን ዓለም ለኸን ሚድያታት እናተረቖሐ ክቃላሕ ቀንዩ። ከምኡ ድማ እቲ ግድብ ብሓገዝ ገንዘብ ኳታር ይስራሕ ከምዘሎ ሚድያታት ግብፂ ፀብፂበን።

ኣይተ መለስ ድማ "ማይ ኣባይ ንግብፃውያን ሂወቶም እንተኾይኑ፥ ንኢትዮጵያውያን ድማ ህዳሰ ግድብ ጉዳይ ሞት ሕየትን እዩ" ዝብል መልሲ ከምዝሃቡ እቲ መግለፂ ዝተኸታተሉ ፍልፍላት ሓበሬታ ቢቢሲ ኣረጋጊፆም።

ትካላት ሚድያን ትካላት መንግስቲ ግብፅን ክነዝሑዎ ዝቐነዩ ሓበሬታ መሰረት ኣልቦን ጎዳእን ምዃኑ ድማ ወሲኾም ገሊፆም።

ሕዳሰ ሓፅቢ ኢትዮጵያImage copyrightMFA
ናይ ምስሊ መግለጺዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ

ብመሰረቱ እቲ ግድብ ኣብ ታሕዎት ተፋሰስ ሃገራት ዝኾነ ይኾን ጉድኣት ከምዘየብፅሕን፥ የግዳስ ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ የረድእ።

ዝኾነ ከሕድሮ ዝኽእል ከባብያዊ ፅልዎ ከይህሉ ድማ ምስ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ማለት'ውን ግብፅን ሱዳንን ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ክመኽሩሉን ከፅንዑዎን ፀኒሖም።

ማይ ምልኢት ህዳሰ ግድብ፥ ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 1959 ኣብ ዘመነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተፈረመ ኢትዮጵያ ዘግለለ ስምምዕነት መሰረት ብዝገበረ መልክዕ ክኸውን ተዛተይቲ ግብፂ ብዘቕረቡዎ ሕቶ እቲ ዘተ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ንግዚኡ ተቛሪፁ ነይሩ።

"እዚ ኣረጊት ስምምዕነት ሐዚ ደጊምካ ምልዓል ንዝኮነ ኣካል ኣይረብሕን" ዝብሉ ኣይተ መለስ፥ " ፀጋታትና ንምጥቃም ድማ ናይ ካሊእ ባርኾት ኣይከድልየናን" ኢሎም


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events