Dehai

መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ ሃገረ ኤርትራን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 12 July 2022

መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ ሃገረ ኤርትራን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልን

12 ሓምለ 2022


ኤርትራን ሶማልን ኣብዚ ዝስዕብ ጉዳያት ይሰማምዓ፦

  • ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት እንተላይ ማሕበረኮማት ዲያስፖራ ምዕዛዝ፣
  • ሃገራዊ ረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ንምዕቃብን ምጥንኻርን ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ምትሕብባር ምሕያል፣
  • ኣብ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ውሕስነት ማይ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ጥዕናን ትምህርቲን ፍሉይ ኣተኩሮ ብምግባር ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምትሕብባር ምስፋሕ፣
  • ኣብ ባህላዊ፡ ስነጥበባዊን ስፖርታዊን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ኣብ ስነ-ፍልጠታዊን ቴክኖሎጂያውን መዳያት ርክባትን ምትሕግጋዝን ምድልዳል፣
  • ኣብ ምግታእ ተፈጥሮኣዊ ሃስያን ለበዳን ብምትኳር ኣብ ምዕቃብን ምስሳንን ኣከባቢ ምትሕብባር ምዕዛዝ፣
  • ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ንምውሓስ ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ምትሕብባር፣
  • ምውቕ ዝምድና ብምፍጣር፡ ንቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ውህደትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ምጽዓት፣

ሎሚ 12 ሓምለ 2022 ኣብ ኣስመራ ተኸቲሙ።

ሃገረ ኤርትራ ብምውካል                                                   ሃገረ ሶማል ብምውካል

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ                                           ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ