Dehai

መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ ሃገረ ኤርትራን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 12 July 2022

መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ ሃገረ ኤርትራን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልን

12 ሓምለ 2022


ኤርትራን ሶማልን ኣብዚ ዝስዕብ ጉዳያት ይሰማምዓ፦

  • ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት እንተላይ ማሕበረኮማት ዲያስፖራ ምዕዛዝ፣
  • ሃገራዊ ረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ንምዕቃብን ምጥንኻርን ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ምትሕብባር ምሕያል፣
  • ኣብ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ውሕስነት ማይ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ጥዕናን ትምህርቲን ፍሉይ ኣተኩሮ ብምግባር ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምትሕብባር ምስፋሕ፣
  • ኣብ ባህላዊ፡ ስነጥበባዊን ስፖርታዊን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ኣብ ስነ-ፍልጠታዊን ቴክኖሎጂያውን መዳያት ርክባትን ምትሕግጋዝን ምድልዳል፣
  • ኣብ ምግታእ ተፈጥሮኣዊ ሃስያን ለበዳን ብምትኳር ኣብ ምዕቃብን ምስሳንን ኣከባቢ ምትሕብባር ምዕዛዝ፣
  • ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ንምውሓስ ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ምትሕብባር፣
  • ምውቕ ዝምድና ብምፍጣር፡ ንቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ውህደትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ምጽዓት፣

ሎሚ 12 ሓምለ 2022 ኣብ ኣስመራ ተኸቲሙ።

ሃገረ ኤርትራ ብምውካል                                                   ሃገረ ሶማል ብምውካል

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ                                           ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events