Dehai

(ሰራውር) ዕሉል ኣማንኤል ኣሰና ኣብ ለንደን ተቓሊዑ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 28 November 2019

ዕሉል ኣማንኤል ኣሰና ኣብ ለንደን ተቓሊዑ

ንሓሶት  ረድዮ ኣሰናን ካልኦት  ማዕከናት ድዘርግሕዎ ዘቃልዕ ብቪድዮን ጽሑፍን ዝተሰነየ ሓበሬታ ናብ ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል በጺሑሎ። እቲ ብረድዮ ኣሰና ዝቐረበ ጽንጽዋይ ኣማንኤል እያሱ ዓቢ ጅግንነት ከምዘርኣየን ንያቆብ ኣማሪኹ ሒዙ ንፒሊስ ከምዘረከቦ እዩ ገሊጹ።

ያቆብ ብመሰረት በቲ  ኣብ ናይ ዓባይ ብርጣንያ ፖለቲካ ብሉሙድ ዝጥቀምሉ ምጭንጓዕ እንቃቖሖ’ዩ ኣብ ልዕሊ ኣማንኤል እያሱ ኣካይዱ። ግን  ከምቲ ኣማንኤል ኣሰና ኣውጺዎ ዘሎ ጸብጻብ ወይ ከምቲ ብድሕሪ ኮምፒተር ኮይኑ ዝፍክሮ ዘይኮነ እቲ ናይ በሓቂ ባህርያቱ ዝተጋሃደሉ እዩ ኔሩ። ከምዚ ኣብዚ ተንቃሳቓሲ ቪድዮ ዘርእዮ ኣማንኤል ብኸቢድ ራዕዲን ስንባደን እዩ እግረይ ኣውጽኒ ኢሉ ኣዲሙ ኣብ ናይ ባቡር ስተሽን ተዓቒቡ። 

ብተወሳኺ ያቆብ ከምቲ  ረድዮ ኣሰና ዝዘርገሖ ኣማንኤል ንያቆብ ኣማሪኹ ሒዙ ንፖሊስ ኣረኪብዎ ዘይኮነ ያቆብ  ፖሊስ ስጋብ ዝመጹ ከምዝጽበይ ብትብዓት ኣነጺሩ። ፖሊስ ስጋብ ዝመጹ ድማ ንኣማንኤል ምስ ደመኛታት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፣ ወያነ ወጊኑ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዘካየዶ ክድዓትን ገበናትን ይገልጽ ኔሩ። ፖሊስ ምስ መጹ ኣማንኤል ዘካይዶ ኣንጻር ረበሓ ህዝቢ ኤርትራ መርገጺኡ ንምፍላጥን ምቅልዑን ኢሉ ከምዝገበሮን ገሊጽሎም። ንያቆብ ነቲ መስርሕ ንምክያድ እንዳ ፖሊስ ከምዝወሰድዎን ወዲኡ ናብ ቦቱኡ ተመሊሱ ከምዘሎ እቲ በጺሕና ዘሎ ሓበሪታ ይገልጽ። 

ኣማንኤል ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ገበናዊ  ዓምጽ ጭብጣዊ ሰነዳት ክንህበካ ምስተባህሎ እዩ ኣብቲ ከባቢ ስርሑ ቆጸራ ጌሩ ከም ስጋ ዝረኸበ ዝብኢ ሃነፍ ነፍ እንዳበለ ብጉያ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ።

ኣማንኤል እያሱ ብስም ፍትሒ ቀንዲ ተለኣኻኺ ናይ ወያነ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ስጋብ ምስቶም ዝልዓሉ መራሕቲ ወያነ እንከላይ ምስ መለስ ዜናዊን ናይ ሕጂ መራሕትን ቀጥታዊ ርክብ ዝነበሮን ዘለዎን ናይ ወያነ ኣጀንዳ ኣብ ኤርትራ ንምትግባር ተዓኣሲቡ ዝነጥፍ ሰብ እዩ። 

ኣብ 2009 ሚስጥራዊ ሰነዳት ዊክሊክ ኣምባሳደር ናይ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ንመንግስቲ ኣመሪካን ሲኣይኤ ዝሰደዶ መልእኽቲ ረድዮ ኣሰና ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ከምዝከታተላን ኣብ ኣጀንደኦም ንምትግባር ተስፋ ከምዘንበሩላ ገሊጹ። 

ግን ዋላ ተስፋ እንተገበረላ እቲ ኣምባሳደር ናይ ሓሶት ማዕከን ከምዃናን ተኣማንነት ዘይብሉ ወረታት ከምትዝርግሕን ገሊጺ። ገለ ኣብነታት ኣማንኤል ኣሰና ዝዘርገሖ ፕረሲደንት ኢስያስ ሚልዮናት ዶላራት ኣብ ቻይና ባንክ ከምዘለዎ ዘርኢ ዝተሰነዐ ሰነድን ከምእዉን እቲ ኤምባሲ ኣጸቢቑ ዝፈልጦም ጉዳያት ረድዮ ኣሳና ብሓሶት ከምዝቀረበት ገሊጹ። ስክፍታ ናይቲ ኣምባሳደር ግን ሓልዮት ናይ ሓቂ ዘይኮነ ምብዛሕ ሓሶት ንኣሰና ዝኣምና ከይትስእን ንምባል እዩ ኔሩ። እዚ ገምጋም ናይ ኣመሪካ ኣምባሳደር ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ግን ኣይነበረን ኣብ መወዳእትኡ እታ ብኣሰና ተጠሚቃ ዝተመስረተት ረድዮ ብኣመና ሓሶት ብህዝቢ  ረድዮ ሓሲና ተባሂላ ዳግማይ ንኽትስመ ዝበቐዐት ማዕከን እያ።

ወያነ ድሕሪ ናብ መቐለ ምስጓጉ ተኾነ’ውን ንኣሰና ብዝጸዓቐ መንገዲ ናብ ሳተላይት ቲቪ ኣፕግረይድ ጌሩ ኣብ ኤርትራ ኡናዕቢ ንምልዕዓል ካብቲ ዝኣተዎ ዓዘቕቲ ንምውጻእ ክጥቀመላ ክፍትን ጸኒሑ።  ንህዝቢ ኤርትራ ንምልዕዓል እዚ ዘይበሃሉ ሓሶታት ተሰኒዖም ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብ ዝሓለፈ በዓል ናጽነት መንግስቲ ኤርትራ ከምዝእለይን ህዝቢ ክቕረብ ፕሮፓጋንዳ ኣካይዶም። ብተወሳኺ ልክዕ ከምቶም ኣብ ሓዲሽ ናይ ሰላም ሃዋሁ ከሲሮም ዝወጹ ኣብ ናይ ወያነ ታንኪ ተወጢሑ ኣስመራ ክኣቱ ከምዘይሓለመን ዘይሰረሐን ግልብጥ ኢሉ ካባ ሃገራውነት ተኸዲኑ ነቶም ንወያነን ዓለምን ዘንበርክኹ መሪሕነት ኤርትራ ሃገር ተሸይጣ ዝብል ጎስጓስ ኣካይዱ። 

ወያነ ነዚ ሓዲሽ ናይ ሰላም ሃዋሁ ንምዝራግን ምምራዝን ኣብ ቅድመ ግንባር ኣሰሊፉ ከጋልቦ ዝጸነሐ ተለኣኻኺን ንወልቃዊ ረበሓን ጅብኡ ንምህጣር ብዋጋ ደምን ረበሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝገብሮ ታሪኻዊ ክድዓት እምበር ፍትሒ ይኹን ካልእ ዝኾነ ነገር ንኣማንኤል ኣገዲስዎ ኣይፈልጥን። እዚ ያቆብ ዝሰለሞ ናይ ሕፍረት ሽልማት ነቲ  ምስ ባዕዳውያን ወጊኑ ኣብ ህዝብን ረበሓ ሃገርን ዝፍጸሞ ገበናትን ዝሓልሞን ፉሹል ምዃኑ ንምርኣይ እምበር ዋጋ ስለዝሃቦ ኣይኮነን። ያቆብ ሎሚ ወይ ዓሚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት ቡዙሕ ተበግሶታት ሰላማዊ ሰልፍታት ዘካየድን ንሃገር ዘርብሑ ንጥፈታት ዘካየደ ሃገራዊ እዩ።

Nov 28, 2019Serawr


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events