Dehai

ሕ ድ ሪ - ብብጻይ ተስፋይ ትኳቦ - ካርልስሩሀ (ጀርመን)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 14 June 2019


ሕ    ድ    ሪ       

ዮሃና  ዮሃና  እንቋዕ  ’ሓጎሰና
እንቋዕ ከኣ  ኣብዚ  ኣብቅዓና
ኩሉ በሪሁ‘ሎ መጻኢ ዕድልና፡ 
      ብግዜ ደግያት ውበ ከምኡዉን ኣሉላ
      ብሰንኮም ሃገርና ክትናወጽ ከላ
      ንመራሕትና ከምበርክኹ ኢሎም
      ኩሉ ምዃን ምስ ኣበዮም
      ብማሕላ ከደናግሩ ዘየሕፈሮም።
ጥልያን ዉን መጸ ብዘይ  ፍ ሬ ኖ
ተመለስ ተ‘ልናዮ ዘለ  ኖ ! ኖ ! ኖ! ።     
ከምኡ‘ዉን እንግሊዝ  ብግዲኡ
ሓጸዊን ክኣራሪ ንጁባኡ፡
      ጃንሆይ  ከኣ  መጸ እንዳወጣወጠ
      ከምኡ‘ዉን መንግስቱ እንዳፋጠጠ
      ንጅግና ክርኢ ነፈርቱ ዝገላበጠ
      ብኽብሪ ቀበሮ እንዳንቀጥቀጠ።                       
ናጽነት መጸ እንዳንበልበለ
ሓፋሽ ብሓጎስ ንሰማይ ዘለለ
እንታይ‘ሞ ክኸዉን ወያነ ‘ንዶ ፈለለ፡
“በጃኻ ‘ንዶ ቀስ በል“ ‘ተበሎ ‘ባጎብየ
ፈለለ ደኣ  ኣበየ ! ኣበየ ! ኣበየ!፡
“ኣይደልየካን ወዲ ዓከር
ንዓ ናባይ  ጆኒ ዎከር፡
ዓባይ ትግራ  ዓባይ ትግራይ                                    
ቀላይ ሒዝኪ  ንዒ ናባይ»
ጋለበ ደኣ  በለ  ሃረም  ሃረም  ሃረምረም
ከምዚ ‘ኳ ‘ይርኣናን ካብ ጌጋ ዘይእረም።
   ጃንሆይ ‘ኳ ‘ተተጋገየ ከምኡዉን መንግስቱ
   ዘይ ሎቶርያ ‘ዩ በጺሑዎም በየን ክጥምቱ
   ናይ ወያነ ገረመና ከምዘይ ተጋዳላይ 
   ይመስል  ቀዲሑ  ዝሓለፈ ተምሃራይ።
ናይ ሕጂ ገደደ ምስ ‘ዞም ሰብ ሃምበርገር
ላዕልን ታሕትን ዝብሉ  ንኽሸጡ ሃገር
ሓፋሽ እንተበሎም ሓደራ ሓደራ
ክቋየቑ ጥራይ ዘሕልፍዎ ናብራ።
    ንዝክሮዶ ብግዜ ህደም ህደም ንህደም
    እንታይ  ከምዝድረፍ  ዝነበረ  ቀደም?
   “ክሳዕ መዓስ እዩ ተወጢጡ  ከብዲ
   ጥዑይ ይኹን ሕሙም ቀልጢፍኪ ዉለዲ”፡
ሕጂ ኸኣ ደርፊ ሰብ ሃምበርገር
የቓንዩ ‘ለው ንኽሸጡ ሃገር፡
“እንተ ከዲምኪ እንተ ለሚንኪ
ካብ ዘይተስትይና ዊስኪ
ካብ ዘይተሕፍስና ሰልዲ
ተመለሲ ናብ ከብዲ”።
      ንምንታይ ደኣ ‘ዩ እዚ ኹሉ ትጽቢት
       እስከ ንዘክሮ ድቃስ ተላ ዑቕቢት፡
       ትጽበ‘ላ  ‘ዴኹም ማዕጾኣ ከፊታ
       ሕጅስ ክትዓጹ ‘ያ ዋላ መሳኹታ።
ሓደራ  ሓደራ  ሓደራ
ኣይነሕልፎ ‘ዚ ናብራ ብኹራ፡
ንጠርነፍ ንሕብረት ንትብዓት
ጽንዓት   ብጽንዓት  ንልምዓት።

ህይወቱ ሕድሪ ‘ያ ንሓፋሽ
ዶላር ንፈሽፋሽ
ዓወት ንሓፋሽ

ተስፋይ ትኳቦ
ካርልስሩሀ
ጀርመን



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events