Dehai

ECSS-Online.com: ካብ ምድምሳስ ናደው እዝ ክሳብ ግንባር ደቀምሓረ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Saturday, 25 May 2019

ጉምቦት 25, 2019 ዓም ፈረንጂ

ድሕሪ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ዝተራእየ – ዓቢ ኣገዳስነት ዝነበሮ ፍጻመ፡ ምድምሳስ ናይ’ቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝነበረ ‘ናደው እዝ” እዩ። እዚ ሓይሊ’ዚ፡ ንትሽዓተ ዓመታት መመላእታ ጸላኢ ክትንከፍ ዘይክእል ዕርዲ’ዩ እናበለ ክምከ ሓሉ ዝጸንሐ እዩ።

ህዝባዊ ሰራዊት ካብ ዕለት17 ክሳብ 19 መጋቢት ኣንጻሩ ብዘካየዶ በርቃዊ መጥቃዕቲ ግን፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ከምዘይነበረ ኮይኑ። መደበሩ ዝነበረት ከተማ ኣፍዓበት ከኣ ሓራ ኮይና። ካብቲ ኣብኡ ዓሪዱ ዝነበረ 20 ሽሕ ዝኸውን ሰራዊት ድማ፡ እቲ 18 ሽሕ ኣብ መንጎ ምሩኽ፡ ምዉትን ቁሱልን ኮይኑ። ንመጀመርያ ግዜ እውን፡ ምስኡ ተሰሊፎም ካብ ዝነበሩ ሶቬታውያን መኮንናት – ሰለስተ፡ ማለት ክልተ ኮሎኔላትን ሓደ ሓለቓ ሚእትን ተማሪኾም። ኣብ ‘ናደው እዝ’ ዝነበረ ንብረት ጸላኢ፡ እንተላይ ቢ.ኤም 21 ወንጨፍቲ ሮኬታትን ናይ 130 ሚሊ ሜተር መዳፍዕን ንብረት ሰውራና ኮይኑ።........................

.................ምንባብ ቀጽል


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events