Dehai

***** ሻዕብያ ***** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ) - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 20 January 2019

       
        *****ሻዕብያ *****
      
        ኣንታ ክንደይ ክንብሎም                                   
ኣዲኤም ትቑጸረም
ለይቲ ለይቲ ዝጭጭሑ ፥ካብ ሕድሕድ  ዝገዱ
እዞም ፈጸጋ ሃገር ፥ፍጮ  ጫሌዳ ኣብ ኣባይ ዝሰግዱ

      በሉ እስከ፥በዞም ሕንጫላት ዶ ክንፍልሞ
እቶም ኣዚለ ፖለቲካ ፥ በዓል ዘርም-ዘርሞ
ጽያፎም እኳ ዘይከተቱ፥ እኒ ዘረንጦ ኮተቴ
ፍቱሓት ስረ ዝሩጋት መዓንጣ ፥ብዓል መሸተ

       ሸፋቱ ድያስፖራ፣ሽሞም ደለይቲ ፍትሒ
ልኡኻት ነዳያት፥ ናይ ሰብ ሕዱር ሕማም መሳርሒ
ኣውራጃዊ ሒቕታ፥እምኒ ኣርብዓታት ዝፍንቅሉ
ንዝርገት ሓድነት ሲ ያኢ፥ስመር ክበሃሉ

     ጣቋ ተረኺቡ ያኢ፣ ሃይማኖታዊ ትሕቲ ሃገራውነት
ሰብ ድጉል ቁስሊ ፥ሕመረቶም ቅልውላው መንነት
ገለን ደቂ ጠላማት ገለን ደቂ ኣርብዓ ገለን ደቂ ኣባት ጦር
ኩርኳሕ ዝኾኑና ኣንቆራ ፥ ጾር ሰከም ሃገር

        እቶም ኣግኣዝያን፥ኣንድነት ዝምህለሉ
ተረፍ መኹባዕቲ ክርዳድ፥ብመንፊት ዝተቖቖሉ
ቃና ሕሉቓት ፥ጅልሕላሕ ዜማ ዝዝምሩ
ሰብ ጨብረቕረቕ ቅኒት፣ኣብ ፈይስ ቡክ ዝዓስከሩ

        ክንደይ ክንብሎም ፥ጽባሕ ጽባሕ ዝፈርዩ
ገለን ደቂ ማሕዘል ፥ገለን ብቕልውላው መንነት ዝሳጸዩ
 በዓል ሕማም ደሓር፥ማይዝቐጠኖም ጥምዙሓት
እዞም ኣናብር ሜድያታት፥ሓሹላት ወኻሩ ጽብሓት

       ኤርትራውያን ኢና ክብሉና ከይሓነኹ
ሃገር ዝፈጠረ ሰማእ፣ሽፍታ ሰምዮም ታሪኹ
ደሙ ዘዝረየላ ባንዴራ፥ኣብ ጓህሪ ተጠቢሱ
ሰመያዊ ኣምሊኾም ፥ ሰንደቕ ዕላምኡ ዘራኽሱ

       ከም እቶም ትማሊ ታሪኽ፣ ፎእ ዝበሎም ጸይኑ 
ናጽነት እኳ ዘየድመጹ ፥ቁርነት ባርነት ዝመነዩ
ነበር ዝተባህሉ፣ ሓሻካ ነበረ  ምስ ኮኑ
መለሳ የብሎምን ዋጭላት፥ መበል(ህበይ) ዝተሓዝሉ

       ትማሊ ሰሚዕና ፣እልቢ ዘይብሉ ኣስማት
እንዳ ትያር እንዳ ዓጅብ፣ዝቦቖሉ ጊሓትጊሓት
እንዳ ዓብደላ ዶ እንዳ ሳበ፥ኩሎም ጥምዙሓት
ክሮኒክ ሃገር ዝባኖም ኣብ ዝሓዘሉ ፥ መንደዓት

            ዳግም ቀጽል ዶ ፥ሰውራዊ ባይቶ "ባ ክንደይ ክንብሎም
ነዳያት ፋይቶት፥ ጽምኣት ስልጣን ሹመት ዘሐከሎም
ደ'ም'ሓ'ኤ'ዶ ዓብደል ናስር ፥ናጽነት ሃገር ዝቃጸጹ ሓታላት
መንፊት ታሪኽ ዝነፈዮም ክርዳድ፥ ብሰፍኢ ሻዕብያ ዝተቦቆጹ

     ሕጂ ደሞ ኣዋሳ ተረኺቡ ፣ደብረ ዘይቲ
ዓመት ዓመት ዳውን ዳውን ፥ጀነቫ ነገድቲ
ማይ ዶ ሓቒንኩም፣ዘርጠብጠብ ዶ ኮነ
ስምኩም ተጠቒሊልኩም ፣ናብ ጉሓፍ ዕነ

       ሃገር ክትእገድ ፥ካዕቦ ዝለፍለፉ
ምስ ኣባይ ወጊኖም ፥ውዳቕ ዝገፋድፉ
ሕጂ እንደሞ እርም በሉ ፥ህጣሞም ተሸሪቡ
ጎብየ ኣረኻኽብሎም ፥ኣብ መትከል ኣዝጊቡ

        ናይ ትማሊ ህ'ግ ሻዕብያ 
ሎሚ ውን ህ'ግ'ደ'ፍ ሰራሕ ቅያ
ልቕብቃብ ኣስማት፥ ምስ ተንኮል ቀመሙ
ስቲህና ኣቢልዎም ፥ምስ ከውሒ ጽንዓቱ ኣላሂሙ

       እንተ እዞም ናይ ሕጂ ጽንጽያ፣ዕፋፎም ዘየርገፉ
ሌፍ ዝብሉ ከረኻክበልኩም እዩ በታ በላሕ ሴፉ
ውዲት 'ዛ ዓለም ምስ ሕሰዳ ጎረቤት እኳ ዘይእግሞ ሻዕብያ
ኣንኳይ ዶ ንስኹም በዓል ቃልጥሻ ፥ ዓፈል  ጻህያይ ም

////////////////////////////////////////////////////////////////
ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)  -  ጀርመን

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events