Dehai

ወያኔ ንጽባሕ ዘይትሓስብ ጸባብ ሓንጎል።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 26 December 2018



ወያኔ ንጽባሕ ዘይትሓስብ ጸባብ ሓንጎል።

     ወያኔ ኣብ ዓለም ትፍለጠለን ነገራት እንተለዋ ሓሶት-ክፍኣት-ቅንኢ- ጥልመት እየን፡፡ ዝሓሰወት እንተሓሰወት ግዜ ትገዝእ እምበር ተዓዊታ ኣይክትነብርን፡፡ ምኽንያቱ ብሓሶት ዝዕወት ነገር የለን። እቶም ሰብ ክትከውን ዝገበሩዋ ብሂወት ከለዉስ ሳላይ' ህዝባዊ ግንባር ክዕወት ኪኢሉ ትብል። ካብ ትግራይ ምውጻእ ከኒባ ከምዘይነበረት፡ተዋግኢ ቀሪብኪ እኺ /ኣበባ ክትኣትዊ ተባሂላ ከምዘይተኸብከበት፡ ብመካናይዝድ ሓይሊ ህዝባዊ ግንባር ተጋደልትን ከምዘይ ተዓጀበት ዓይኒ ኣንቁሪ። ብሰውራዊ ቃልሲ ዝሓለፈ ገድሊ ሓቀኛ ታሪኽ ዝኽሕድ ብጀካ ወያነ ኣብ ሰውራታት ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ህዝባዊ ግንባር ክቃለስ ከሎ ካብ ሰውራታት ዓለም ኣወንታዊ ተሞኩሮታት ምስቲ ባህርያት ቃልሱ ዝኸዱ ክጥቀመሎም ከሎ፡ ወያኔ ግን ሓንሳእ ማርኪሲዝም፡ ቅንይ ኢላ ማኦይስም፡ ጸኒሓ ኣልባኒዝም፡ ብዘይ ንጹር መርገዝ ሸንኮለል ክትብል ድሕሪ ምንባራ፡ ስልጣን ምስ ሓዘት ፈደራሊዝም፡ ብተግባር ግን ፊዳሊዝም ዝደምደመት ጭፍራ እያ። ውጺኢት ናይቲ ኩሉ ቅጥፈት ካብ ኢትዮጵያ ተገሊላ ጠላዕ ሓሶት ክትጨናጉዕ ትርከብ።  

     ወዮ ድኣ ርእሳ ከይመዘነት ላዕሊ ላዕሊ ምጥማት ኣመላ ኮይኑ እምበር፡ ናይዝኾነ ሃገር ወይ ካልኦት ገድልታት ተመኩሮ ኣይመድለያን፡፡ ነቲ ሃብታም ተሞኩሮ ሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ናይ ህዝባዊ ግንባር ----- ኢላ ተማሂራ እንተትነብር ሎሚ ከም ዝመሽመሸ ድንሽ ኣይምኾነትን። እቶም ንሕሰም ደርጊ ዝፈልጡ ህዝቢ ትግራይ፡ ንትንግርቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሂወቶም ዝረኣዩ፡ ስሪሒት ህዝባዊ ግንባር ትንፋስ ዝሃቦም፡ ወያነ ከም ቆልዓ ኣብ ሕቕፊ ህዝባዊ ግንባር ክትዓቢ ከላ ዝነበሩ፡ ምስዛ ትመውት ዘላ ጭፍሪ ሆሆ ምባል ኣንፈቱ ኣብ ናይ ግዜ ስርዓት ሃይለስላሴ ዝነብሩዎ ዝነበሩ ድኻ መነባብሮ ከምዝመልሶም ብእዋኑ እንተዝርድኡ’ሞ፡ ነዛ ጭፍራ ኣብ ቅኑዕ መኣዝን መሊሶም ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሰላም ክነብሩ፡ ወይ ድማ ምስኣ ክጠፍኡ ንጹር ምርጫ ምውሳዳድ ምሓሾም። ግዜ ከም ህቦብላ ንፋስ ተወንጫፊ ምዃኑ ዝርድኡ ድሕነቶም ዘገድሶም ትግራዎት እንተለዉ ሰዓቱ ሕጂ’ዩ። ድሕሪ ሕጂ ደጊም ወያኔ ትሓስቦ ዝነበረት ሕልሚ ጎብለልነት፡ ከም ትኪ በኒኑ እዩ።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና                                                                                  

ዓወት ንሓፋሽ                                                                           

ገብረንጉስ መስመር



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events