Dehai

ኤርትራዊ "ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ" ወፍሪ ቁጠባዊ ሓርነት!!!

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 14 December 2018

 

ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 14, 2018 ዓም ፈረንጂ

 

ብመሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ተወጢኑን ተሓንጺጹን ብትልምን መደባትን መሃንዲሳት ኤርትራ ናብ ባይታ ተወዲኑ ብጻዕርን ድኻምን ተወፋይነትን ጀጋኑ ህዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ብግብሪ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝተሃንጹ ዓበይቲ ዲጋታት፣ እሞ ኸኣ ኣብ ርእሰ-ምርኮሳን ነብስኻ ምኽኣልን ዝሰረቱ ካብ ተጸባይነት ባዕዳውያን ግዳማዊ ሓይልታት ናጻ ዝኾነን ብእንኮ ኤርትራውያን ስነ-ፍልጠትን ጻዕርን ጥራይ ዝተተግበረ…ዓበይቲ ሃገራዊ መደባት ብዘይ ምግናን ምቕሉል ኣድናቖት ይግብኦ።…ነቶም ነዚ ዓቢ ዕማማት ሃገር ብዘረባ ዘይኮነስ ብግብሪ ኣብ ባይታ ታሪኽ ዝሰርሑን ዝፈጽሙን ውፉያት ክቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድማ ስጋቦይ ኢለ ሞሳን ክብርን ሞጐስን ኣፍልጦን ይግብኦም እዩ!!! እዚ'ኳ ውሒዱዎም ደቀይ!!!

 

ገለ ዝኾረዩን መልሓሰኛታት ተዛረብትን ብዘይ ብዙሕ ስራሕን ጻዕርን ቀልጢፎም መዓር ክልሕሱ ዝሓልሙ ደቂ ሃገር ግን ነዚ ሰናይ ስርሒትን ህንጸት ሃገርን "ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ" በቲ ነውራምን ፍጹም ሓላፍነት ዝጎደሎ ሕሱር ቃላቶም ተጠሊዖም "ወፍሪ ባርነት" ከም ዘጠመቕዎ ናይ ኩላትና ናይ ትማል ተዘክሮ እዩ። ንሳቶም ግን ኣብ ዝሓለፋ 30 …ብፍላይ 20 ዓመታት ምስ ባዕዳዉያን ጸላእትና ወጊኖምን ኮይንኖምን ጥራሕ ዘይኮነስ ብንዋይን [ዶላርን ኤውሮን ኣቕራሽን…] ብዝተፈላለየ ጥቕምታትን ተገዚኦም ኣብ ትሕቲኦም ተዓሲቦምን ከዲሞምን ንኤርትራ ከም ሃገር ከም'ቲ ዝግብኣን ከም'ቲ ክትኮኖ እትደሊ ንኸይትኸውንን ከጸልምዋን ንድሕሪት ንምምላሳን ለይትን መዓልትን ይሰርሑ ከምዝነበሩን ሕጂ'ውን እንተኾነ እቲ እኩይ ተግባሮም ገና ይቕጽሉዎ ከምዘሎዉን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ በተን ሓያላት ሃገራትን ኮራኹረንን ዝተጻዕኖ ዘይሕጋውን ዘይፍትሕውን ማዕቀብ ደጊፎም ብጎሮሩኡ ሓኒቖም ከጥምዩዎ ኣብ ሽግር ከእትውዎን ኣብ መወዳእታ ድማ ክምበርክኽዎ፣ ኣብ ፎቕዶ መጋብኣያታት ዓለምን ኣደራሻት መወልቶምን ተጎምቢሖምን ተምበርኪኾምን ይልምንዎም ከም ዝነበሩ ብጭብጢ ኩላትና ንፈልጦን ብሓቂ ርጉጽን ኣብ ታሪኽ ስኑድን እዩ። እዚ ኹሉ ተጻብ ኦታትን ሸርሕታትን ሰላሕታን ቅሉዕን ስነ-ኣእምሮኣዊን ኣካላዊ ወራራት ግን በቲ ዘይሕለልን ተባዕን ኩለንትናዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ጅግና ምክልኻል ህዝባዊ ሰራዊቱን ሃዶሽዶሽ ኢሉ ኣብ ዓሚቕ ጋህሲ ተቐቢሩ እዩ! ነቶም ጠላማትን ከደምትን ተለኣእኽትን ተበልጽትን ብስም ህዝቢ ሸቃጦ ነገድትን…ወዘተረፈ ግን እቲ ዘየናሕሲ ታሪኽ ባዕሉ ክፋረዶም እዩ!

 

ተጻያትና 'ኸ እንታይ እዮም ዝብሉና ኔሮም? ካብ'ዚ ናይ ገለ ሒደት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዘይፍለ ነውራም ኣገባብ፣ ኤርትራውያን ንሃገርና ባዕልና ብኽእለትናን ብጽፍርናን ዳግም ክንሃንጻ ኢና እንተበልናስ፣ ያዕ…ያዕ ኣይፋልኩምን እዝስ "ባርነት" እዩ፣ ስለ ዘየዋጻኣኹም ኔው በልዎ ኢሎም ሓጪጮሙልና።

 

ዘገርም እኮ እዩ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን! ንሳቶም ሃገራቶም እንክሃንጹ "ህንጸት ሃገር-ምዕባለ" ኢሎም ይዀሓሕልዎ፣ እቲ ብኤርትራውያን ዝውነንን ዝምራሕን ዝስራሕን እንኮ ዘቤታዊ "ሃገራዊ ዳግመ-ህንጻ" ግን "ባርነት" ኢሎም የካማሽምሽዎ። እሞ ምስ ቀጻሊ ምድግጋምን ናይ ምጽላም እኩብ ወፈራን። እዚ'ሲ ምስ ምንምታይ ይቑጸር? ? ?…"ነክይሉ እንተበልኩዋስ፣ መሊሳ ትጎስመሉ" እዩ ዝመስል እዚ ነገር!!!

 

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!|
ክብርን ሞሳን ንጀጋኑ ስንኩላን ተጋደልትናን ንሓርበኛታት ህልዋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!|
ዓወት ንሓፋሽ!!!

 

እዚ ዎደሓንኩም፣ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!!!
https://www.youtube.com/watch?v=I1G2lW5eX2k&feature=share

YOUTUBE.COM
 
 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events