Dehai

Facebook.com: Eritrean Navy. (Courtesy: Sirak Bahlbi)

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 19 October 2018









Sirak Bahlbi ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ገደም፡ (Gedem Eritrean Navy Force)፡ ዑደት ጌሩ ኣሎ። 
ቁሩብ እንታይ ድኽመታት ኣለና፡ ኣብ ዉሽጢ ይኩን ኣብ ደገ፡ ንጽሕፎን ንሰርሖን ግብራዉነቱ ብዝያዳ ኣብ ባይታ ወሪድካ፡ ዘሎ ሓበሬታ ከም ፍቃድ እቲ ትካልን መንግስትን ንህዝቢ ምብጻሕ ምልላይ ምሕባር ይጎድለና ኣሎ፡ እሞ ንሲራክ ከነመስግኖ ይግባኣና።

##ብዝኮነ ምስዞም ሰማያውያን ኣናብስን ዋዓሮን ቀይሕ ባሕሪ እስከ ተላለዩ። ንምልላይ ዝኣካል፡ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት፡ ኣብ ባሕሪያ እዩ ተመስሪቱ፡ ኣብ ምፍንቃል ስርዓት ደርጊ ብፍላይ ስርሒት ፈንቅል (Fenkil Opperation) ብፈጣናት ጀላቡ ዝሰርሖ ስራሕ ድማ ሓደ ካብቲ ካብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ጥራይ ዝነበረ ስርሑ ወጻኢ ዝዓመሞ ብርቂ፡ ንጸላኢ ከኣ ኣሰንባዲ ፈጣን ስርሒት ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ሓሊፉ'ዩ። ከም በዓል ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ዝኣመሰሉ ሓያላት ባሕረኛታት ዘፍረየ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ከም በዓል ኢንቲቱት ቴክኖሎጂ ኤርትራ (Eritrea Institute of Technology) ተዋጺኦም፡ ብደቂቅ መርመራን ኣካላዊ ብቅዓትን ፈተና ሓሊፎም፡ ኣብ ከምበዓል ኣቡዳቢ ኢመረይት ብዝላዓለ ደረጃ ትምህርቲ ማዕርግ ሌተናንት ተማሂሮም ብዝመጹ ስልጡናት መንእሰያት ዝኣመሰሉን ካልኦት በብጉጅለ ኣብ ዉሽጥም ወጻእን ዝሰልጠኑ ሓይሊ ዝቆመ ብቁዕ ወተሃደራዉን ሲቪላውን ዕጥቂ ሃገረ ኤርትራ'ዩ።

##VIVA Eritrea Navy Force
Explore Photos by #Sirak Bahlbi


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events